ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቨነዚያ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዝርዝር መደባት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቨነዚያ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዝርዝር መደባት 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቨነዚያ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዝርዝር መደባት

ዕለት 28 ሚያዝያ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ኣብ ቨነዚያ ዝካየድ ዓለም ለኸ ምርኢት ስነ ጥበብ ኣብቲ ንቅድስቲ መንበር ኣብ ዝውክል ክፍሊ ክበጽሑን በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ምስ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ቨነዚያ ክራኸቡ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ሰንበት ዕለት 28 ሚያዝያ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ ከተማ ቨነዚያ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ከም ዝኾኑን ብመሰረት እቲ መደብ እውን ንግሆ ሰዓት 8 ካብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝርከብ መዓርፎ ሄሊኮፕተር ክነቕሉን ኣብ ቨነዚያ ብፓታሪያርክ ፍራንቸስኮ ሞራሊያን ብናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣናትን  ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም ኣብ ቤት ማሕቡስ ደቂ ኣንስትዮ ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ኣስታት 80 እሱራት ደቂ ኣንስይቶ ክራኸቡን ብድሕሪ’ዚ ኣብ ቤተ ጸሎት’ቲ ቤት ማሕቡስ ምስ ስነ-ጥበባውያን ክራኸብን፣ ብቨነዚያ ቢናለ ዝፍለጥ መበል 60 ኣህጉራዊ ምርኢት ስነ-ጥበብ፥ ነቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ወሰናስን ከተማታትን ህልውናን ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝተወፍየ “ብዓይነይ” ዘርእስቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ምርኢት ዝውክል ክፍሊ ክበጽሑን መደብ ከም ዘለዎምን፥ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ምርኢት ኣብዚ ዓውሎማዊ ባህሊ ኣብ ዘሰፍሓሉ ዓለም ብዓቢኡ ነቶም ዕሽሽ ዝበሃሉ ሰባት ኣቃልቦ ዓለም ንምስሓብ ዝዓለመ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ርክብ ምስ መንእሰያትን መስዋዕተ ቅዳሴን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምስ ስነ ጥበባውያን ዝገብርዎ ርክብ ስዒቡ ካብ ደሴት ጁደካ ብናይ ጉዕዞ ጀልባ ናብ ባዚሊካ ኣደ ሰናይ ጥዕና ክኸዱን ኣብኡ ድማ ምስ መንእሰያት ሃገረ ስብከት ቨነዚያን ቬነቶን ክራኸቡን ብድሕሪ’ዚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ማርቆስ ክኸዱን ብርእሰ ዞባ ቬነቶን ኣብ ቨነቶ ህየንተ መንግስቲ ኢጣሊያን ናይ ከተማ ቨነዚያ ከንቲባ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም፡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ማርቆስ ሰዓት 11፥00 መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ ካብ ቨነዚያ ተፋንዮም ልክዕ ሰዓት 02፡30 ሃገረ ቫቲካን ክኣትዉ ትጽቢ ይግበር።

26 March 2024, 15:44