ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበረሰብ ናይጀርያ ሮማ፡ ሓድነት ምሕቕባል፡ ምፍልላይ ምንጻግ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበረሰብ ናይጀርያ ሮማ፡ ሓድነት ምሕቕባል፡ ምፍልላይ ምንጻግ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበረሰብ ናይጀርያ ሮማ፡ ሓድነት ምሕቕባል፡ ምፍልላይ ምንጻግ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ሮማ ምስ ዝርከቡ ናይጀርያውያን ዕለት 25 መጋቢት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብምርኻብ፥ ማሕበረሰብ ናይጀርያ ንዝህብዎ ወንጌላዊ ምስርክርነት ኣመስጊኖም፥ "ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ብዙሕነት ብሄራትን ባህላዊ ልምድታትን ቋንቋታትን ጸገም ዘይኮነስ ህያብ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 25 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሮማ ምስ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ናይጀርያ ተራኺቦም፡ ማሕበረሰብ ናይጀሪያ ንዘቕርቦ ሕጉስ ወንጌላዊ ምስክርነትን ከምኡ እውን ብዙሓት ካብ ናይጀሪያ ዝመጹ ጸዋዕታ ክህነትን ጸዋዕታ ውፉይ ህይወትን ጽን ዝበሉ መንእሰያት ምስጋናኦም ብምግላጽ፥ “ብለጋስነትን ብትሕትናን ብጽዓትን ነቲ ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ ሕራይ ዝበሉ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብኣቶም እውን ኣብቲ ርክብ ከም እተሳተፉን፥ "ኩሉ ግዜ ልኡካነ ወንጌል ክኾኑ" ኣተባቢዖም፥ "እምነትና ብቕንኣት ክንእውጅን ኣብ ህንጸት ዝያዳ ፍትሓውን ሰብኣውን ዓለም ኣበርክቶ ክንገብርን" ንዝጸወዓና እግዚኣብሔር ነመስግን ከም ዝበሉ የመላኽት።

ሃብቲ ኣብ ብዙሕነት

ኣስዒቦም ናብ ኣርእስቲ ብሄራውን ባህላውን ብዙሕነት ናይጀርያ ኣቕኒዖም። “ብዙሕነት ብሄራት፡ ባህላዊ ልምድታትን ቋንቋታትን ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ጸገም ዘይኮነስ፡ ንኣካሊት ቤተ ክርስቲያን ከምኡ’ውን ንኣካሊት መላእ ሕብረተሰብ ዘሀብትም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክብርታት ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ሓቢርካ ምንባርን ዘዕብይ ህያብ’ዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጹው ናይ ምዃን ሓደጋ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሮማ ዝርከብ ማሕበረሰብ ናይጀርያ "ኩሉ ግዜ ዓቢይን ንኹሉ ዝሓቁፍን ስድራቤት ክመስል" ከምዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፣ ኣብዚ "ኩሎም ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ዝተፈላለየ ውህበታቶምን ክእለቶምን ተጠቒሞም፥ "ንሓድሕዶም ኣብ ናይ ሓጐስን ሓዘንን ህሞት፡ ኣብ ዓወትን ጸገምን ህሞት ክደጋገፉን ክበራትዑን ይኽእሉ፡” በዚ መንገዲ ድማ "ንህሉውን መጻእን ወለዶ ዘርኢ ማሕበራውን ምሕዝነትን ስምምዕን ምዝራእ" ዝከኣል ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ምስ እዚ ብዝተኣሳሰር “ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጹው ናይ ምዃን ሓደጋ ከጋጥም ከም ዝኽልን ስለዚህ ኩላዊ ዘይምዃን ድማ ኣብ ተነጽሎ ንነብስኻ ምዕጻው ማለት ናብ ቀቢላውነት ይድርኽ ፥ ማሕበረሰብ ምዃን እወ! ቀቢላውነት ግና ኣይፋል ምባል እዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ኩላትና ንኹሉ ሰብ ከከም ፍሉይ መርገጺኡ ንመልከት። እቲ ዘድልየና ኩላውነት እዩ፣ ኣብ ውሽጢ ባህልኻ ገዛእ ርእስኻ ዘይምዕጻው፥ ሓቂ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ባህሊ ህያብ እዩ፡ ህያብ ስለ ዝኾነ ድማ ዕጽው ናብ ምዃን ዘይኮነስ ናብ ምቅርራብ ዝድርኽ እዩ” ከም ዝበሉ ይሕብር።

ንኹሉ ምስማዕ

ኣብ መወዳእታ ጳጳስ ዘበሮሜ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተ ኣብ ህይወት ሰብኣዊ ፍጥረት ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ

ብምዝኽካር፥ "እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ሓያሎ ዞባታት ዓለም ግጭታትን መከራን የጓንፍ ምህላዉ እዩ፡ ናይጀርያ እውን ኣጸጋሚ እዋን ተሕልፍ ኣላ - ቢሎም - "ምእንቲ ድሕንነትን ሓድነትን መንፈሳውን ቍጠባውን ዕቤት ሃገርኩም እጽልይ"  እንክብሉ ጸሎትም ኣረጋገጾም፥ "ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሃይማኖታውን ሓላፍነት ዝርከቡ ዘተ ከተባብዑን ብኽፉት ልቢ ኽሰምዑን" ድማ ዓዲሞም፥

ናይ እግዚኣብሔር "ቅዲ"

 “ንዕርቂ ኪጽዕሩን - ጾር ድኻታትን ስኡናትን ንምንካይ  ኣበርክቶ ኺገብሩን መታን ቅዲ ኣምላኽ ክስዕቡ” ከም ዘለዎም ኣተባቢዖም፥ “ቅዲ ኣምላኽ ምቅርራብን ርህራሄን ለውሃትን እዩ - ሓደራኹም ነዚ ኣይትረስዕዎ" ብምባል ኣጒሊሖም፥ ኵሎም ናይጀርያውያን ነዚ ኣገባብ ኣምላኽ ከም ናቶም ገይሮም እተድኣ ተቐቢሎምዎ ብሓድነትን ስኒትን ብሓባር ክመላለሱ ይኽእሉ ኢዮም" እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበረሰብ ናይጀርያ ሮማ፡ ሓድነት ምሕቕባል፡ ምፍልላይ ምንጻግ!
26 March 2024, 15:34