ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ይቕሬታ እግዚኣብሔር ኣብ ማእከል ቤተ ክርስቲያን ህልው ምግባር!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሰበኻ ሮማ ቁምስና ቅዱስ ፒዮስ ሓምሻይ "24 ሰዓታት ንጎይታ" ዝብል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓቢይ ጾም ዝካየድ ተበግሶ ንኸጀምሩ ስነ ስርዓት ዕርቅን ምስጢረ ንስሓን ሰሪዖም፥ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ምስጢረ ንስሓን ዕርቅን ናብቲ ኣብ ጥምቀት ዝጀመረ ሓድሽ ሕይወት ይመልሰና” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምስጢረ ንስሓ፡ ናይ እግዚኣብሔር ምስጢረ ምሕረት ነቲ ብጥምቀት ዝጀመረ ጉዕዞ ሓድሽ ሕይወት ከም ብሓድሽ ክንጅምር የኽእለና እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓርቢ ዕለት 8 መጋቢት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሰበኻ ሮማ ቁስምና ቅዱስ ፒዮስ ሓምሻይ ኣብ ዝሰርዕዎ ናይ ንስሓን ዕርቅን ሊጡርጊያ ገሊጾም።

'ኣብ ሓድሽ ህይወት ምጉዓዝ'።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ 2024 ዓ.ም. “ኣብ ሓድሽ ህይወት ምጉዓዝ” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምስጢረ ንስሓን ዕርቅን መሪሖም፡ ኣብቲ መርሕ ቃል ኣማእኪሎም፡ ኣብ ጉዕዞ ዕለታዊ ሕይወትና ብዙሕ ግዜ ጽባቐ ናይቲ ብክርስቶስ ዘሎና ሓድሽ ሕይወት ክንስሕቶ ንኽእል ኢና፡ እዚ ድማ ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ካልኦትን ዘሎና ርክብ ጎዳኢ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ቅዱስነቶም ኣስተብሂሎም፡

ኣብ ጕዕዞና ንቕጽል እኳ እንተ ዀንና፡ መገዲ ጥምቀት ናይ መጀመርታ ጽባቐና ንቕድሚት ናይ ምስጓም ስምዒት እንደገና ንኽንረክብ ዝሕግዘና ሓድሽ ኣንፈት የድልየና ኢዩ፡ . . . ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ሓድሽ ህይወት ዚምርሕሉ መገዲ እንታይ እዩ?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም እቲ መገዲ ድማ ኣምላኽ ይቕረ ዚብለሉ መገዲ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣምላኽ ይቕረ ስለ ዚብለልና "ከም ብሓድሽ የሕብረና። . . . ውሽጥና የንጽሕ ናብ ኵነታት ጥምቀትና ድማ ይመልሰና። . . .  ግና፥ ክፉትን ጣዕሳ ዝመልኦን ልቢ ክህልወና ኣድላዪ እኳ እንተኾነ - ከምቲ ንኢየሱስ “እንተደለኻ ከተንጽሓኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ዘእወየ ለምጻም - ናይ ገዛእ ርእስና ጻዕሪ እኹል ኣይኮነን። “ንልቢ ዝፈልጦን ዝፍውስን ኣምላኽ ጥራይ እዩ፤ ንሱ ጥራይ እዩ ካብ ክፉኣት ከናግፎ ዝኽእል።”

ኢየሱስ ካባና ዝደልዮ፥ ክንሕደስ፣ ሓራ ክንወጽእ፣ ሕጉሳት ክንከውን፣ ኣብ መንገዲ ሓድሽ ሕይወትና ክንቅጽል ቁርጺ ፍቓድ እዩ” ኢሎም።

ምስጢረ ንስሓ መሰረት ህልውና ክርስትና እዩ

"ኣይነጕህዮ፣ ኣብ መገድና ተመሊስና ሓጢኣትና ኺስዓርን ንዘለኣለም ኪድምሰስን ክንርኢ ንኽእል ኢና እሞ ምስ ምሕረቱ ኻብ ምርኻብ ድሕር ኣይንበል" . . . "ምስጢረ ንስሓን ዕርቅን ናይ ኣምልኾ ልሙድ ተግባር ኣይኮነን! "መሰረት ክርስትያናዊ ህላወ" ዝዀነ ናይ ኣምላኽ ይቕረታ ማለት ናይ ዕርቂ ስነ-ስርዓት እዩ እሞ ነዚ ኣይንስሓቶ” ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ምስጢረ ኑዛዜ ዝሰርዑ፥ “ይቕሬታን ምሕረትን እግዚኣብሔር ናብ ማእከል ቤተ ክርስቲያን ክመልሱ፡” ካህናት ነቶም ምስጢረ ንስሓ ክስርዓሎም ዝሓቱ ይቕረታ ወትሩ ክህቡ፡ ነቶም ሓጢኣቶም ክናዘዙ ክፈርሁ ዝኽእሉ ድማ ናብ ምስጢረ ፈውስን ሓጐስን ክቐርቡ ዝሕግዝዎም ክኾኑ ተላብዮም፡ ኣብ መወዳእታ፥ ንምመናን “ኢየሱስ ከተንጽሕ ከም እትኽእል እኣምን እየ” ዝብል ጸሎት ሒዞም ናብ ኑዛዜ ክመጹ ብምዕዳም፡ ንዅሉ በደልና ከንጽህ ከም ዝኽእል ኣዘኻኺሮም። ምሕረትካ ከም ዘድልየኒ እኣምን። ሐድሰኒ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ብሓድሽ ህይወት ክመላለስ እየ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 March 2024, 16:45