ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ቤተክርስትያን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምሕላው እትገብሮ ጻዕሪ ክሃስስ የብሉን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ቤተክርስትያን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምሕላው እትገብሮ ጻዕሪ ክሃስስ የብሉን  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ቤተክርስትያን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምሕላው እትገብሮ ጻዕሪ ክሃስስ የብሉን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ናይ ምስማዕን ኣኽብሮትን ሃዋህው ከም ዝህሉ ብምግባር ንመንእሰያትን ተነቀፍትን ንምክልኻል እተካይዶ ጻዕሪ ንዝሕግዝ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት የመስግኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምሉእ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘካየደሉ ዘሎ እዋን፡ በዚ ኣጋጣሚ እዚ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ግህሰት እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ኣደልዲሎም ክቕጽሉ ንኣባላት ናይቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ የተባብዑ።

ቅዱስነቶም ኣባላት ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓልዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንዝገበርዎ ውልቃውን ሓባራውን ምስክርነት ኣመስጊኖም፣ ብዙሓት ካብኣቶም ግዳያት ግህሰት ንምሕብሓብ ህይወቶም ከም ዘወፈዩ ኣሚኖም።

ንዕዮ እቶም ኣባላት "ካብ ልቢ ቤተ-ክርስትያን ዝመጸ ንኽትነጽህን ንኽትዓብን ዝሕግዛ ትብዓት ዝመልኦ ጸዋዕታ እዩ" እንክብሉ ገሊጾም፥ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ “ቤተ ክርስቲያን ንትሕቲ ዕድመን ተቓላዕቲ ዓበይትን ዝያዳ ውሑስ ቦታ ክትከውን” ዝብል ጻውዒት ንምምላስ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ጻዕርታቱ ክብ የብልን የስፍሕን ከምዘሎ ድማ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፈውሲ ህይወት

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዓውዲ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝሰርሑ “ጸለመ ግህሰትን ስቓይ ግዳያትን” እናረኣዩ ተስፋ ክቖርጹ ከምዝኽእሉ ተኣሚኖም። እንተኾነ ግን ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዝተሰብረ ህይወት ንምፍዋስ ቃንዛ ግዳያት ንምሕዋይ ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ እዋን “ተወፋይነትና ክሃስስ የብሉን” ቢሎም፥ ስርሖም፡ ንቤተ ክርስቲያን፡ “ኩሉ ግዜን ኣብ ኩሉ ቦታን፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ዝስምዖን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ቅዱስ ዝሕሰበሉን ቦታ” ክትከውን ዝደሊ እዩ እንክብሉ ገሊጾም፥ ኣባላት ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ካብ ርህራሄ ክርስቶስን ምስ “ቁስሊ ሰብኣውነት” ናይ ምትእስሳር ኣብነቱን ትብዓት ክረኽቡ ኣተሓሳሲቦም፥ “ንሕና’ውን ነዚ ተገንዚብና ከም ክርስቶስ ቁስሊ ካልኦት ኣብ መንኵብና እንተዘይተሰኪምና፡ ናይ ሓቂ ቅርበትን ርህራሄን እንተዘይኣርኢና፡ ንኻልኦት ጾሮም ክስከሙ ክንሕግዞም ኣይንኽእልን ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድምጺ ግዳያት ምስማዕ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ምስ ግዳያት ቀረባኦም ምዃን ረቒቕ ዘይጭበጥ ኣምር ዘይኮነስ “ኣዝዩ ጭቡጥ ክውንነት እዩ፣ ምስማዕ፣ ንሓለዋ ምትእትታው፣ ምክልኻልን ምሕጋዝን ዝቖመ ብምዃኑ” ቢሎም፥ ኣባላት እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለን ኩሎም ሰበስልጣን ቤተክርስትያንን ነቲ ብሰንኪ ግህሰት ዝመጽእ ስቓይ ኣፍልጦ ክህቡን ድምጺ ግዳያት ብቐጥታ ክሰምዑን ኣተባቢዑ። "ነቶም ዝተበደሉ ሰባት እንህቦ ምላሽ ካብዚ ፍቕራዊ ኣጠማምታ፡ ካብዚ ልባዊ ቅርበት'ዩ ዝውለድ" . . . “እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዚኣቶም ሸለል ምባል ስቓዮም ኣዝዩ ከጋድዶ ስለ ዝኽእል፡ ምሉእን ሕጉስን ተቕባል ክግበረሎምን ክስማዕን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

መርበብ ምትሕግጋዝ ምፍጣር

ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምሕላው ብሉጻት ተግባራት ንምትግባር እቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሽማግለ ብዝገብርዎ ጻዕሪ ቅርበት ቤተ ክርስቲያን ርኡይ ብምግባር ግዳያት ብምኽባር ዘካይድዎ ስራሕ ብትብዓት ክቕጽሉ ኣተባቢዖም፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ከባቢ ኣብ ስልጠናን ምሕያልን ዓቕሚ ምክልኻልን ምሕላውን ህጻናትን ተቓላዕቲ ዓበይትን ንምሕጋዝ ዝዓለመ ተበግሶ ደገፎምን ደገፍ ቤተ ክርስቲያን ኣረጋጊጾም፡ ተበግሶ ዝኽረት፡ “ብፍላይ ጸጋታትን ተመኩሮን ድሩት ኣብ ዝኾነሉ፡ ምስ ግዳያትን መሰላቶም ዘነቓቕሕ መርበብ ምትሕግጋዝ ክፈጥር’ዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቤተ ክርስቲያን ንርህሩህ ክንክን ዘለዋ ተወፋይነት

ቅዱስነቶም ንጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ስለ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ ብምምስጋን “ቤተ ክርስቲያን ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ክትስጉም ዝገብራ እዩ፡” ኣገልግሎት ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ቤተክርስትያን "ህስያ ንምክልኻል ጽኑዕ ኵነኔ ንምግባር ነቶም ግዳያት ርሕራሄ ዝመልኦ ክንክን ንምሃብ ከምኡውን ተቐባሊትን ድሕንነትን ዘለዎ ቦታ ንምዃን ቀጻሊ ቘራጽነት ክህልዋን ምሉእ ብምሉእ ተወፋይነት ንኽትገብር" ከም ዝሓገዛ ኣዘኻኺሮም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

07 March 2024, 16:53