ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስደተይናታት ከም ክርስቲያን ንኣና ብድሆ እያቶም! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስደተይናታት ከም ክርስቲያን ንኣና ብድሆ እያቶም!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስደተይናታት ከም ክርስቲያን ንኣና ብድሆ እያቶም!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ላኻስ ብላንካስ (ፓናማ) ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ ምዕቆቢ ስደተይናታት ንዝተኣንገዱ፥ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ሰብኣዊ ክብረትኩም ኣይትረስዑ፡ ንኻልኦት ኣብ ኣዒንቲ ክትጥምቱ ኣይትፍርሑ። ደቂ ኣምላኽ ኢኹም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ብኣካል ኣብ ዘለኹምሉ ክርከብን ምሳኻ ክኸውን ደስ ምበለኒ ...” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ላኻስ ብላንካስ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት (ETRM) ንዝተኣንገዱ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓጺር መልእኽቲ ገሊጾም፡ ካብቲ ኣብ ዶብ ኮሎምብያን ፓናማን ኣብ ዘዳቡ ካብ ደቡብ ኣሜሪካ ብማእከላይ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ኣቢሎም ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ  ክሰግሩ ንዝደልዩ ቀንዲ መተሓላፎ ኮይኑ ኣብ ዘሎ ዱር ዳሪየን ካብ ሓደጋ ዝድሕኑ ስደተኛታት ዝቕበል ማእከል ምዃኑ ይፍለጥ።

ሓደጋታትን ዓመጽን

ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን - ብመንግስቲ ፓናማ ዝተወሃበ ጸብጻብ - ኣብ 2023 ዓ.ም. ጥራይ ናብቲ ዳሪየን ጋፕ ዝበሃል ኣብ ርእሲ እቲ ሓደጋታት ዱር ዘቋርጽ ቀታሊ መደብ ጉዕዞ ዝገጠሙ ከም ዝኾኑን እቲ 265 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ መተሓላልፎ ክሰግሩ ዝፍትኑ ብጀካ እቲ ሓደገይና ጉዕዞ ኣብ ኢድ ሰባት ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝወድቁን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዓመጽ ከም ዝፍጽሙን እቶም ብህይወት ዝተረፉ ድማ ኣብታ ኣብ ቀረባ እዋን ብብዝሒ ስደተይናታት ኣብ ዘዕለቕልቕ ዘሎ ሕጽረት ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ዘለዎ ግዚያዊ መዕቆቢ ስደተይናታት ላኻስ ብላንካስ ከም ዝእንገዱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ደገፍ ቃል

“ኣብ ጎንኹም ክኸውን ባህ ምበለኒ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ነቶም ስደተይናታት ናይ ቅርበትን ምጽንናዕን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፥ "ኣነ እውን ዝሓሸ መጻኢ ንምድላይ ካብ ዝኸዱ ስደተይናታት ወለዲ ዝተወለድኩ እየ” እንክብሉ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዝዝክርዎ ተመኩሮ ናይቶም ካብ ኢጣሊያ ዞባ ፒየሞንት ናብ ኣርጀንቲና ገጾም ዝተሰዱ ወለዶም ደጊሞም ይዝክሩ።

“ዋላ ሓንቲ ዘይብሎም፡ ጽንኩር ጥምየት ዘሕለፍሉ እዋን እውን ነይሩ፤ ጥራሕ ኢዶም ግን ከኣ ብተስፋ ዝመልአ ልቢ” ዝተሰዱ ከም ዝነበሩን ንሶም ካብታ እተሰደት ስድራ ቤት እውን ዝተወልዱ ምዃኖም የዘኻኽሩ።

ስደተይናታት ኣካል ናይቲ ዝሳቐይ ኢየሱስ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ወጅሂ ናይታ ምስ ዝሳቐዩ ደቃ ደው እትብል ኣደ ቤተክርስትያን ወጅሂ ክርስቶስ ዘለዋ” ምዃና ኣጉሊሖም" ኣብ ፍኖተ መስቀላዊ ስደት እፎይታን ተስፋን ዘህልዉ" ጳጳሳትን ኣባላት ኣገልግሉት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝህብዎ ምስክርነትን ዘቕርብዎ ጉስነት ጠቒሶም ብምምስጋን፥ ናብቶም ናይ "ዝሳቐ ስጋ ክርስቶስ" ዝኾኑ ስደተይናታት ብምጥማት "ካልእ መፍትሒ ዘይረኽቡ፣ ካብ መሬቶም ክስደዱ ዝግደዱ፣ ሓደጋታትን ጸበባታትን ዝመልኦ መንገዲ ክገጥሙ ንዝግደዱ፥

ሰብኣዊ ክብርኹም ፈጺምኩም ኣይትረስዑ። ንኻልኦት ኣብ ዓይኖም ንምጥማት ኣይትፍርሑ ምኽንያቱ ዝድርበይ ጓሓፍ ስለ ዘይኮንኩም፡ ኣካል ሰብኣዊ ስድራን ደቂ እግዚኣብሔርን ኢኹም፡ ስለ ምህላውኩም ድማ የቐንየለይ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 March 2024, 15:44