ድለ

2023.09.06 Udienza Generale 2023.09.06 Udienza Generale  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ቤተ ክርስትያን ነቲ ንኣመጽቲ ዝከላኸል ኩነታት ከተጥፍኦ ኣለዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ፓናማ እተገብረ ናይ ምዕቝባ ዋዕላ ናብ እተሳተፉ ኣባልት እቲ ዋዕላ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ንተቅዋማት ቤተ-ክርስትያን ከኣ ነቶም ብድሕሪ ደረጃ ስልጣኖም ተኸዊሎም ዓመጻ ንዝፍጽሙ ሰባት ዘዕቍብ ኵነታት ከጥፍእ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰሉስ ኣብቲ ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 14 መጋቢት ኣብ ፓናማ ዝካየድ ዘሎ 3ይ ኮንግረስ ላቲን ኣመሪካ ንተሳተፍቲ ኣብላት እቲ ዋዕላ ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፦

"ኣብ ዝዀነ ይኹን ሕብረተሰብ እንተላይ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሰብኣዊ ርክባት ምግባር ክበሃል ከሎ ኣብ እምነቶምን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታቶምን ጽኑዓት ኰይኖም ንእከይ ክቃለሱን ንሓቂ ብምጉላሕ ክምስክሩን ዝኽእሉ ብሱላትን ስሩዓትን ውልቀ-ሰባት ንምቛም ደኺመ ኸይበሉ ምዕያይ ማለት ኢዩ።"

እዚ ዋዕላ እዚ በቲ ማእከል ዕቝባ ንኣሽቱን ትሕቲ ዕድመ ህጻናት (CEPROME) እተተባብዐ ዀይኑ፣ ካብ እተፈላለየ ኽፋል እቲ ዞባ ዝመጹ ተወከልቲ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ "ብልሽውናን ዓመጻን - ናብ ሰፊሕ ኣረኣእያ ምክልኻሉን" ዝብል ፍረ ነገር ንኸስተንትኖ ተጋቢኦም ይርከቡ ።

ንበሰላላት ዓመጻ ንምጥፋእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ነቲ ቤተ-ክርስትያን "ኣብ ኵሉ መዳያት ሕብረተሰብ ንዝወርድ ዓመጻ" ንምጥፋእ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ብሕድሪ ናብ ጐታይ ኣወፈይዎ ።

ብ25 መስከረም 2023 ምስ ኣባላት እዚ ማእከል ዕቕባ ንኣሽቱን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ይዝክሩ፣  ኣብቲ ግዜ እቲ ቅዱስ ኣቦና ቤተ-ክርስትያን ነቲ "ዝሳቐ ገጽ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቶም ግዳያት" ንምርካብ ዝገበረቶ ቘራጽነት ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ተሳተፍቲ ንዅሉ ዓይነት ዓመጻ ንምውጋድ እናጸዓሩ ንዅሎም ሓጥኣን እንተላይ ነቶም ዓመጽቲ ብንስሓ ንኽምለሱ ኪጽልዩሎም ኣተባብዖም ።

ተፈፍቲ ምዃን ምርዳእ

ነቲ ጕዳይ ብየዒንቲ ኣምላኽ ምምርማር፣ ናይ ገዛእ ርእስና ተኣፋፊነት ውን ብዝያዳ ንኽንርድእ ኺሕግዘና ኸም ዚኽእል ድማ ገለጹ ።

"ድኽመታትና ምሉእ ሰብን ምሉኣት ክርስትያንን ካብ ምዃን ከም ምኽኒት ጌርካ ምርኣይና ንመጻኢኦም ኪቈጻጸርዎ ከም ዘይክእሉን ህጻናዊ ባህሪ ዘለዎም ቂመይናታት ሰባት ክንፈጥር ንርከብ፣ ነቲ ኢየሱስ ክንኮኖ ዝዓደመና ትሕትና ውን ፈጺሙ ኣየመልክትን እዩ" በሉ።

ኣብ ክንድኡስ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ፣ ክርስትያን ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ብምውካል ኣብ ኩሉ ድኽመታትና ብርታዐ ክንረክብ ኢና ተጸዊዕና (cf. 2 Cor 12 8-10)።

ብርታዐናን ትውክልትናን ኣብ ኣምላኽ ብምርካብ "ነቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ግርጭታት ክንዋጽኣሉን ከምኡውን ኣብቲ እንጽውዓሉ ሞያ ሓባራዊ ረብሓን ኣበርክቶን ኽንገብር አሎና" በሉ።

ነቶም ዓመጽቲ ዜዕቍብ ኵነታት ምምሓው

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ቤተ-ክርስትያን ነቶም ንኻልኦት ዚሃስዩ ሰባት ዜዕቍብ መዋቕራት ካብ ሱሩ ኽትምሕዎ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ብዛእባ ምክልኻል ብዝምልከት ጻዕርታትና ነቶም ብድሕሪ ደረጃ ስልጣኖም ተሓቢኦም ንገዛእ ርእሶም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብብልሹው መገዲ ንኽስልጥኑ ዘዕቍቡ ኵነታት ንምጽናት ጥራይ ዘይኰነስ  ምስ ካልኦት ብጥዑይ መንገዲ ርክብ ክገብሩሉሉ ዘይክእሉ ምኽንያት ንምርዳእ እውን ክኸውን ኣለዎ ። "

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስነ-ምግባራዊ ንጽህና ዘይተመስረተ ዝዀነ ይኹን ሕብረተሰብ ርክቡ ብስስዐን ፍርህን ምትላልን ዝተበላሸወ "ሕሙም ሕብረተሰብ ኢዩ ዝከውን" ብምባል ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ተሳተፍቲ "ንድኽመታቶም በቲ ጐይታ ዝሃበና ብርታዐ ከሓይልዎ" ናብ ጐይታ ክውፈዩ ብምዕዳም ነቲ ናብ 3ይ ኮንግረስ ላቲን ኣመሪካ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ዛዘሙ ።       

14 March 2024, 09:44