ድለ

2024.03.08 Partecipanti al Corso sul Foro Interno promosso dalla Penitenzieria Apostolica 2024.03.08 Partecipanti al Corso sul Foro Interno promosso dalla Penitenzieria Apostolica  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ምስጢረ ንስሓ 'ፍሉይ እዋን ጸጋን ምሕረትን ኣምላኽ' እዩ ዚህበና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣባላት ተሳተፍቲ ዓውደ ስልጠና ብዛዕባ ውሳጣዊ መድረኽ ብዝምልከት ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤትጽሕፈት ንስሓን ሥሬት ሓጢኣትን እተኻየድ ተቐቢሎም፣ ነቶም ናይ መጻኢ ካህናት ክኾኑ ዝሰናደዉ ዘለዉ ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነት ኣብቲ "ጥዑም ፍቕሪ ኣምላኽ" ብምትኳር ልኡኻት ምሥጢረ ንስሓ ክኾኑ ዓደምዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ዓርቢ ኣብቲ ብቤት ጽሕፈት ንስሓን ሥሬት ሓጢኣትን እተወደበ ዓውደ ስልጠና እተሳተፉ ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነት ረኾቦም ፦ "ኣብዛ ዓመት ኢዮቤል  እዚኣ  ምሕረት ኣቦ ኣብ ብዙሕ ኣልባብን ቦታታትን ኪዕምብብ ከሎ ንርኣዮ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣምላኽ ብዝያዳ ኺፍቀርን ኪፍለጥን ኪውደስን ይኽእል እዩ።" ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላለፉልም።

እዚ ዓመታዊ ዓውደ ስልጠና ነቶም ኣብ ከተማ ሮማ ንመጽናዕቲ ዝርከቡ ዝለዉ ካህናትን ከምኡ ውን ነቶም ኣብ ቀረባ መጻኢ ጓሶት ኮይኖም ናይ ምስጢረ ንስሓ ዓደልቲ ንክኾኑ ዝሰናደዉ ዘለዉ ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነት እተሰናደወ መደብ ኢዩ ዝነበረ።

ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ 'ዝተሞከርካ' ምዃን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘዳለዎ መደረ ነቶም ተሳተፍቲ ተልእኾኦም ነቶም ምስጢረ ንስሓ ንኺገብሩ ዚመጹ ሰባት "ጥዑም ፍቕሪ ኣምላኽ" ንኸስተማቕሩ ምሕጋዝ ምዃኑ ኣመልከቱሎም ።

"ንነፍሲ ወከፍ ኑዛዜ ኸም ፍሉይን ዘይድገምን እዋን ጸጋ ጌርካ ኽትመላለስ ከምኡውን ንጐይታ ምሕረት ምእንቲ ክገብረልካ ብተኣማንነት ናብ ኣባትነቱን ከምኡውን ናብቲ ኣደነታዊ ለውሃቱ እውን ከይተረፈ ክትቀርብ አተባብዓካ ኣለኹ" ድማ በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘስምዕዎ ቃል ኣብ ሰለስተ መዳያት ናይ ተግባረ ንስሓ ብምትኳር ብዛዕባ እቲ ተነሳሒ ቅድሚ ፍትሓት ምቕባሉ ኣብ ዝጽልዮ ጸሎት ኣስተንትኖ ገበሩ።

ንሓጢኣትና ምንዛዝ ደአ እምባእር ንርእስና ንምኽሳስ ኣይኮነን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅድሚ ኹሉ ብዛዕባ "ንስሓ" ኣስተንቲኖም፣ እዚ ድማ ካብቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዝኾነ ስምዒት ገበን ፍልልይ ዝበለ ኢዩ ።

ንስሓ "ነታ መወዳእታ ዘይብላ ፍቕርን ደረት ዘይብላ ምሕረትን ኣምላኽ ኣብ ግምት ብምእታው ንሽግርናን ጸበባናን ካብ ምፍላጥ" ከም ዝምንጩ ድማ ገለጹ።

ክርስትያናዊ ንስሓ ንርእስኻ ዚጐድእ ዘይኰነስ፣ በቲ ይቕረ በሃልነትን ኣቦነትን ኣምላኽ ብምትእምናን ዝተመልአ ኢዩ ።

"ናይ ሓጢኣት ስምዒት ምስቲ ብዛዕባ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘሎ ኣረኣእያ ብቐጥታ ዝሰማማዕ ኢዩ" በሉ። ለውሃቱ ዝያዳ ብዝተሰምዓና መጠን ምስኡ ምሉእ ብምሉእ ክንራኸብ ኢና እንደሊ እቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ ኽፍኣት እከይ ድማ እናነጸረ ኢዩ ዝኸይድ።"

ኣብ ሰናይ ኣምላኽ ምውካል

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ “ምእማን” ብምትኳር ልክዕ ከምቲ ግብሪ ጣዕሳ፣ ንኣምላኽ "እቲ ኵሉ ሰናይ ዝኾነን ኵሉ ፍቕረይ ዝግብኦን ኢዩ፣" ቢሎም ብምግላጽ ኣመልከቱሎም ።

ንኣምላኽ ልዕሊ ዅሉ ምፍቃር ኪበሃል ከሎ ንኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ምሃብን ኵሉ ነገር ንዕኡ ብሕድሪ ምሃብን ማለት ምዃኑ ውን ኣስተንተኑ ።

ከምዚ ድማ በሉ - "እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅር ንሓዉ የፍቅሮ ኢዩ፣ ወትሩ ውን ብቕንዕናን ብሰላምን ነቲ ሰናይ ዘበለ ይደሊ እዩ እሞ፣ እዚ ልዕልና እዚ ንዅሉ ዓይነታት ፍቕሪ ህያው እዩ ዝገብሮ።"

ብሓገዝ ኣምላኽ ድሕሪ ደጊም ንኸይትሓጥእ ምፍታሕ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ "ቍርጺ ፍቓድ" ኣስተንተኑ፣ እዚ ድማ ድሕሪ ንስሓ እንደገና ኣብቲ ዝተነሳሕኩሉ ሓጢኣት ንኸይወድቕ እንገብሮ ቍርሲ ፍቓድ ኢዩ በሉ ።

እዚ ጽኑዕ ውሳኔ እዚ ነቲ ሓደ ክርስትያን ካብ "ጣዕሳ ናብ ንስሓ ካብ ዘይፍጹም ናብ ፍጹም ሓዘን" ንኽሓልፍ ከም ዝድግፎ እን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ናብ ካልእ ሓጢኣት ክኸይድ ኣይፈቱን ፣ እንካብ ናይ ሓጢኣት ምኽንያት ክርሕቕ ብጸጋኻ ጽኑዕ ፍቓድ እገብር ኣለኹ" ዚብል ቃላት ናይ ኣቕዋም መግለጺ ደኣ እምበር መብጽዓ ኸም ዘይኰነ ውን ኣመልከቱ ።

ወሲኾም ድማ "ዋላ ሓደ ኻባና ንኣምላኽ ደጊም ከም ዘይሓጥእ ኪመባጻዕ ኣይክእልን እዩ ፣ ይቕረታ ንምርካብ ዜድሊ ነገር ከኣ ደጊምካ ከም ዘይትፍጽም ውሕስነት ዘይኰነስ ኣብ እዋን ኑዛዜ ብቕኑዕ ድራኸ እተገብረ ህሉው ዕላማ ምሓዝ እዩ " በሉ ።

ድሕሪ ደጊም ሓጢኣት ንኸይንገብር እንገብሮ ቍርጺ ፍቓድ ምስቲ ብዘይ ብእኡ "ንስሓ ክገብሩ ኣይምኸኣሉን ነይሮም" ዝበሃል ሓገዝ ኣምላኽ ንምርካብ እነቕርቦ ብልመና እተሰነየ ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንተኑ።

ንኣምላኽ ብምሕረቱ ይግለጽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምሕረት ነቲ ሕጊ ጣዕሳ ጠርኒፋ ኣገዳሲ ዝኾነ መለኮታዊ ባህርይ ገልጸልና።

እተን ናይ መወዳእታ ቓላት እታ ጸሎትና "ጐይታይ ብምሕረትካ ይቕረ በለለይ" ኢያ በሉ ቅዱስነቶም ። "ኣምላኽ ምሕረት እዩ፣ ምሕረት ስሙ ገጹ እዩ። ብዅሉ ምሕረት ብዅሉ ተግባር ፍቕሪ ገጽ ኣምላኽ ይግለጸልና፣ ኵሉ ሳዕ ነዚ ምዝካርና ሰናይ እዩ" ብምባል ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

08 March 2024, 17:28