ድለ

Il Papa,La Chiesa ha bisogno delle donne,avanti ma senza strappi Il Papa,La Chiesa ha bisogno delle donne,avanti ma senza strappi  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ማሕበረሰብን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዘዕባ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣመልኪቱ እተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ መደረ ኣቕሪቦም፣ መሰልን ክብርን ደቂ ኣንስትዮ ንምድንፋዕ ውዳቤን ሥልጠናታትን ክካየድ ጻውዒት ብምቕራብ፣ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተክርስቲያንን ዓለምን ዝገብርኦ ዘለዋ ኣበርክቶ ምልላይ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ "ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሃነጽቲ ሰብኣውነት " ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ እተሳተፉ ኣካላት ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ንዅሎም ምዉቕ ሰላምታ ድሕሪ ምሃብ ንተሳትፎኦምን ውዳቤኦምን ኣመልኪቶም ምስጋና ኣቕርቡሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ቤተ ክርስትያን ንባዕላ ሰበይቲ፡ ጓል፡ መርዓት፡ ከምኡ ውን ኣደ ስለ ዝዀነት ነዚ ኽትዝክሮ ኣለዋ" በሉ።

ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንጐ ህዝቢ ኣምላኽ ዘውፍያኦ ዝለዋ ሞያ ምልላይን ብኽብሪ ምቕባልን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሑ፣ ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ድማ ሓድነትን ምስትውዓልን ምትሕብባርን ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ ።

እዚ ኻብ መላእ ዓለም ብዝመጹ ውልቀ-ሰባት ዝተኻይደ ዋዕላ ንኣብነታዊ ቕድስና ዓሰርተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምጕላሕ ዘተኰረ ኢዩ ዝነበረ፣ ንሳተን ከአ - ጆሴፊን ባኪታ፡ መግደላዊት ዘ ኢየሱስ፡ ኤሊዛቤት ኣን ሰቶን፣ ሜሪ ማክኪሎፕ፡ ሎራ ሞንቶያ፡ ካተሪ ተካክዊዝያ፡ ተሬዛ በዓልቲ ካልኩታ፡ ራፍቃ ፔትራ ቾቦክ ኣር-ሬይሰ፡ ማሪያ በልትራም ኳትሮኦኪ ከምኡውን ዳፍሮዝ ሙካሳንጋ ኢያተን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣገዳስነት  ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ኣገልግሎተንን፣ ትምህርታውን ከምኡውን ብጸሎት ዝተሰነየ ተበግሶታቶተንን ኣስፊሖም ገለጹ፣ እዚ ድማ ነቲ ፍሉይ ነጸብራቕ ቅድስና ኣምላኽ ብብልሓት ደቂ ኣንስትዮ ዘርእየና ኢዩ በሉ ።

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ጽልእን ዓመጻን ስነ-ምግባራዊ ግጭታትን ዘምጽኦ ብድሆታት ኣፍልጦ ብምሃብ "ኣበርክቶ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣድላዪ ኢዩ" እንክሉ ኣመልከቱ።

ሓድነት ንምድልዳልን ናይ ሓቂ መንነት ደቅሰብ ንምምላስን ብርሕራሔን ብድንጋጽን ዝልለ ተወፋይነት ደቂ ኣንስትዮ ብህጹጽ ከም ዘድሊ ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባቲ ኣብ መዳያት ትምህርቲ፣ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ዋዕላን እተፈላለያ ካቶሊካውያን ሊቃውንትን ትካላትን እተገብረ ምትሕብባር ድማ ነኣዱ።

"ንተመሃሮ ብዛዕባ ቅድስና፣ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ቅድስና ደቂ ኣንስትዮ ምስክርነት ንምሃብ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ዝለዓለ ሸቶ ከም ምዃኑን ጸኒዖም ንክስዕብዎ ዝድግፎም ኢዩ" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ንደቂ ኣንስትዮ ዜጋጥመን ዘሎ ከም ዓመጽን ዘይማዕርነትን ምጕዳል ፍትሕን ዝኣመሰለ ቐጻሊ ቓልሲ ብምጕላሕ ድማ መደረኦም ዛዘሙ ።

ትምህርቲ ንደቂ-ኣንስዮን  ንመንእሰያትን ሓፈሻዊ ዕቤት ደቅሰብ ኣብ ምድንፋዕ ዘለዎ ናይ ምቕያር ሓይሊ ብምጕላሕ ነዚ ጕዳያት እዚ ንምፍታሕ ብሓባር ጻዕሪ ኽግበር ውን ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መደረኦም ኣብ ምዝዛም ናይቲ ዋዕላ ውጽኢት ንጐይታ ብምውፋይ ንመሰላትን ክብርን ደቂ ኣንስትዮ ንምድንፋዕ ቀጻሊ ቘራጽነት ብምውሳድ ክዓዩ ብምምሕጻን ሓባራዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋነውዎም።

08 March 2024, 17:22