ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ምስ ትዕቢት ብትሕትና ምቅላስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢኣትን ዝገልጽ ተኸታታሊ ትምህርትታቶም ብቕጻል፣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ውን ኣብቲ ሱር ሓጢኣት ዝኾነ ትዕቢት ብምትኳር ትሕትና ብምልምማድ ኣብዚ ዘመነ ዓቢይ ጾም መንፈሳዊ ቃልሲ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ አብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህተ ክርስቶስ፣ ክርስቲያን ምእመናን ንትዕቢት ብትሕትና ክቃለስዎ ጻውዒት ዘቕረቡ ።"ስለዚ ነዚ ዘመነ ዓቢይ ጾም ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቂምና ምስ ትዕቢትና ንቓለስ፣" ድማ በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ገና ሰዓል ስለዘይገደፎም ነቲ ናይ ዕለቱ ኣስተምህሮ እቶም ሓጋዚኦም ዝኾኑ ክቡር ኣባ ፔርሉጂ ጂሮሊ በዓል መዚ ኣብ ቤትጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ዝኾኑ ኢዮም ኣንቢቦምሎም ።

ኸምቲ ኣብ ዓዓመት ዚገብርዎ፣ ኣብ ክፍለ ዓመት ሓጋይ ብሰንክቲ እቲ ቆራሪ ዝኾነ ንግሆ፣ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ክካየድ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ክፍለ ዓመት ጽድያ ኣብ ሮማ ይኣቱ ስለ ዘሎ፣ ናይ ሎሚ ጉባኤ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኢዩ ተኻዪዱ። ኣብ ምጅማርይ ናይቲ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ብመንጐኦም ብምሕላፍ ሰላምታን ቡራኬን ኣካፈልዎም ።

ሕሱም ትዕቢት

ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ካብ ኣመላውያን ሓጢኣት፣ ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ዝኾነ  ትዕቢት ብምስትንታን፣ ነቲ ብተኸታታሊ ክገብርዎ ዝጸንሑ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣመላዉያን ሓጢኣትን መፈሳውያን ሓይላን ቀጸልዎ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ "ሕሉፍ እተጋናነነ ግርማ" ተባሂሉ ዝትርጐም ኣመል፣ ሓደ ኻብቲ ኢየሱስ "ናብ ልቢ ወድሰብ" ከይኣቱ ዘጠንቀቖ ሕማቕ ኣመል ኢዩ።

ትዕቢት ምስ ውዳሴ ከንቱ ኣጸቢቑ ዝቀራረብ ምዃኑ ድማ ገለጹ፣ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ እተኻየደ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘስተንተናዮ ኢይ ዝነበረ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በሉ - "እንተ ዀነ ግን ውዳሴ ኸንቱ ሕማም ናይ ደቅሰባት ከም ምዃኑ መጠን፣ ምስቲ ትዕቢት ክገብሮ ዝኽእል ዕንወት ክወዳደር ከሎ ግና ናይ ቍልዕነት ሕማም ኢዩ።"

ካብ ኣምላኽ ዘርሕቕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ትዕቢት ናይ ኩሉ ርኽሰታት 'ዓባይ ንግስቲ' እያ" በሉ።

ዳንተ ኣብታ መለኮታዊ ድራማ ዘርእስታ መጽሓፉ፣ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ደረጃ ናይ ንስሓ ቦታ ምቕማጡ "ብኣጋጣሚ ዝኾነ ኣይኰነን" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እቶም በዚ እከይ እዚ ዝሳቐዩ ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ ኢዮም፣ ነዚ እከይ እዚ ንምእራም ከኣ ካብቲ ኩሉ ክርስትያን ዝጽውዓሉ መንፈሳዊ ቃልሲ ንላዕሊ፣ ግዜን ጻዕርን ዝሓትት ኢዩ፣" ድማ በሉ።

"ኣብ ውሽጢ እዚ ኣመላዊ ሓጢኣት እዚ፣ እቲ ሱር ዝሰደደ ሓጢኣት ማለት፣ ከም ኣምላኽ ክትከውን ምድላይ እዩ" ድሕሪ ቢሎም፣ እቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ተዘንትዩ ዘሎ "ብዅሉ ሓሳብን ዕላማን” ሓጢኣት ናይ ኣዳምን ሄዋንን  እዩ ዝነበረ ። ኣስዒቦም ድማ እቲ ፈታኒ "ካብኣ ምስ እትበልዑ ኣዒንትኹም ኪኽፈታን ከም ኣምላኽ ውን ክትኰኑን ኢኹም" (ዘፍ. 3፡ 5) ከም ዝበሎ ኣስተምሃሩ።

ጸሓፍቲ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ትዕቢት ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዜምጽኦ ሳዕቤን ብተደጋጋሚ ብምግላጽ ንሰብኣዊ ርክባት ብኸመይ ከም ዜበላሽዎ ክትንትኑ ይርከቡ ።

ክትእርሞ ዘይከኣል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በዚ ኸምዚ ምኽንያት ዕቡያት ሰባት ብቐሊሉ ኺልለዩ ኸም ዝከኣል ኣመልከቱ ።

ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተምህሮኦም ከምዚ በሉ - "ምስ ሓደ ዕቡይ ሰብ ትራኸብ ከም ዘለኻ ቀልጢፍካ ኢኻ እተለሊ፤ ገለ ሃናጺ ነቐፌታ ኽትህቦ ኸሎኻ ወይ ምንም ጕድኣት ዘይብሉ ምኽሪ እኳ እንክትነግሮ 'ክብሩ' ከም ዝተንከፍካዮ ኮይኑ ኣጋኒኑ ኢዩ ዝምልሰልካ።"

ንሓደ ብትዕቢት ዝሳቐ ዘሎ ሰብ ክትሕግዞ ኢልካ እትገብረሉ ነገር ከም ዘየለ ድማ ኣመልከቱ ። "ኣብ መወዳእታ ከአ ትዕቢተይናታት ኣብ ገዛእ ርእሶም ስለ ዘይርከቡ፣ ክትዛረቦም ወይ ንዕኦም ዝጠቅም ምኽሪ እውን ክትህቦም ዘይከኣል ኢዩ" ብምባል ገለጹ።

"ሓደ መዓልቲ ህንጻኦም ስለ ዚፈርስ ክንዕገሶም ጥራይ ኢዩ ዘሎና፣" ውን በሉ ቅዱስነቶም ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተንትኖኦም ኣብ ዛንታታት ወንጌል ከም እንረኽቦ፣ ኢየሱስ ምስ ብዙሓት ዕቡያት ሰባት ኢዩ ዝራኸብ ነይሩ፣ ከመይሲ ጐይታ ነዚ ሕማቕ ኣመላት እዚ "ኣብቶም ጽቡቕ ጌሮም ክሓብርዎ ዝኽእሉ ሰባት" እውን ከይተረፈ ብኸመይ ከም ዘቃልዖ ዝዝከር ኢዩ።

ንትዕቢት ዚኸውን ፈውሲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደታ "ድሕነት ብትሕትና እዩ ዚመጽእ" ብምባል "ንዅሉ ትዕቢት ዚኸውን ናይ ሓቂ ፈውሲ" ኢሎም ንሕትሕና ሰመይዋ ።

በዚ ሓሳባት እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ንምእመናን፣ ኣምላኽ ንዕቡያት ከም ዚጻረሮም ንትሑታት ግን ጸጋ ኸም ዚህቦም ኣዘኻኸሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም ክርስትያን ምእመናን ኣብዚ ዘመነ ዓቢይ ጾም ምስ ትዕቢቶም ኪቃለሱ ብምሕታት ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ ።

06 March 2024, 17:25