ድለ

2024.03.21 S.E. il Signor George Vella, Presidente della Repubblica di Malta 2024.03.21 S.E. il Signor George Vella, Presidente della Repubblica di Malta  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸኮ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ማልታ ቬላ ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ማልታ ጆርጅ ቬላ ናይ ብሕቲ ዝርርብ ኣካይዶም። ቬላ ውን ብወገኑ ብስም ቅዱስነትም ነታ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እትርከብ ንድኻታት እተገልግል ኣደ ምሕረት ዝተሰምየት ማእከል ጥዕና ሽዱሽተ ኮምፕዩተራት ለጊሶም።

ኣባ ተወልደ መብርህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ሃገረ ማልታ ጆርጅ ቬላ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 21 መጋቢት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሃዋርያዊ ህንጻ ቅድስቲ መንበር ተራኺቦም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ርእሰ ብሔር ሃገረ ማልታን ዘካየድዎ ርክብ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝጸንሐ ኮይኑ ህያባቶም ዝተለዋወጡሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ውን ኢዩ ዝነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንእሰ ብሔር ቬላ "ኣህጉራዊ ዘተ" ዘርእስቱ ናይ ንሓስ ቕርጻ ዘለዎ ሓብል ክሳድን ከምኡ ውን ጳጳሳዊ ኣስተምህሮት ዝሃዘ መጽሓፍ ኣወፈዩሎም ።

ርእሰ ብሔር ሃገረ ማልታ ድማ ነቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ነቶም ቍጠባዊ ጸገማት ዘለዎም ሰባት ንዘገልግል ኣደ ምሕረት ዝተሰምየ ማእከል ጥዕና ዝኸውን ሽዱሽተ ኮምፕዩተራት ብስም ቅዱስነቶም ኣወፍዮምሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ዕለት 2-3 ሚያዝያ 2022 ናብታ ርእሲ ኸተማ ሃገረ ማልታ ዝዀነት ቫለታ ከምኡውን ናብ ራባት ፍሎሪያና ከምኡውን ደሴት ጎዞ ብምኻድ ሓዋርያ ዑደት ከም ዘካየዱ ዝዝከር ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ምስ ርእሰ ብሔር ሃገር ማልታ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ምስ ርእሰ ብሔር ሃገር ማልታ

ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር

ብመሰረት እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ርእሰ ብሔር ቬላ፣ ድሕሪ እዚ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየድዎ ርክብ ምስ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበትን ምስ ዮኔታ ዋቾቪስኪ ሚሮስላው ስታኒስላው ተራኺቦም ።

ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋን ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝገብርዎ ዘተ "ምዉቕ ስነ ሜላዊ ክሌአዊ ርክብ" ዘማእከለ ኮይኑ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መነበርን ሪፓብሊካዊት ሃገረ ማልታን ዘሎ ድልዱል ርክብ ድማ ዘማዕብል ኢዩ ዝነበረ ።

"ብድሕሪ እዚ ኣቓልቦኦም ናብ እተፈላለዩ ኣህጉራዊ ጕዳያት ምልስ ብምባል፣ ብፍላይ ከኣ ናብ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ከምኡውን ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ግጭታትን ከምኡውን ብዛዕባ ስደት ዘማእከለ ዘተ ኣካዪዶም" ብምባል እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማተምን ቅድስቲ መንበት ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ የመላኽት።

ርእሰ ብሔር ሃገረ ማልታ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር
ርእሰ ብሔር ሃገረ ማልታ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር
22 March 2024, 16:26