ድለ

2024.03.07 S.E. il Signor Jakov Milatovic, Presidente della Repubblica di Montenegro 2024.03.07 S.E. il Signor Jakov Milatovic, Presidente della Repubblica di Montenegro  (Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ሞንቴኔግሮ ሚላቶቪች ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ሞንቴኔግሮ ጃኮፍ ሚላቶቪች ናይ ብብሕቲ ተራኺቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ሃገረ ሞንቴኔግሮ ጃኮፍ ሚላቶቪች ትማሊ ሓሙስ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቡ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን አብቲ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ሞንቴኔግሮ እተራኸቡሉ እዋን ህያባት ናይ ምልውዋጥ መደብ ውን ኣክዪዶም ኢዮም፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ምስቶም ንርእሰ ብሔር ሚላቶቪች ኣሰንዮም ዝመጹ ሰባት ውን ኰይኖም ናይ ሓባት ስእሊ እውን ወሰዱ ።

ድሕርዚ ፕረዚደንት ሚላቶቪች ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊንን ምስቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓላፊ ርክባት መንግስታውያንን ኣህጉራውያን ውድባትን ዝዀኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገርን ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ተራኺቦም ።

ብመሰረት እቲ ኻብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅዱስቲ መንበረ ዝወጸ መግለጺ እቲ ዝተኻይደ ርክባት ጽቡቅ ከም ዝነበረን ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ሞንቴኔግሮን ዘሎ ጽቡቕ ርክብ ዜጕልሕን ከም ዝነበረ የመላኽት ።

ብዛዕባ እታ ኣብቲ ኸባቢ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝገበረቶ "ኣወንታዊ ኣበርክቶ" እውን ከም ዝተዘራረቡን ከምኡውን ብዛዕባ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ዘሎ ርክብ ዝምልከት ክፉት ሕቶታት ከም ዘሎ ውን ኣመልከቱ ።"

"ኣብቲ ርክቦም ልዕሊ ኹሉ ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ ጕዳያት ተዘራሪቦም ኢዮም። ገለ ኻብዚ ኸኣ ናይ መጻኢ መደብት ሞንቴኔግሮን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራት ባልካንን ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ምሉእ ብምሉእ ንምሕባር ዘሎ መደባትን ከምኡውን ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ብዝብልገት ውን ዘትዮም።" እንክብል ዜና ቫቲካን የመላኽት።

08 March 2024, 17:27