ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ስርዓተ ቅዳሴ ባርኾት ቅዱስ ዘይቲ፡ ክቡራት ካህናት ንብዓት ይቐድሰኩም!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 መጋቢት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ጸሎተ ሓሙስ ንጎሆ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋእተ ቅዳሴ ባርኾት ቅዱስ ዘይት፥ ንካህናት ስለቲ ትብዓት ዝመልኦ ምስክርነቶም ኣመስጊኖም፥ ካህናት ጕድለታትን ጌጋታትን ተሪር ልብን ናብ ክርስቶስ ቀረባ ብምዃን ከም ብሓድሽ ንጉዕዞ ምልዋጥ ኣጋጣሚ ዝኸፍት ክኾኖም ተማሕጺኖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ፍቑራት ካህናት ስለቲ ለጋስን ልኡምን ልብኹም አመስግነኩም። ስለቲ ዝገበርኩምዎ ጻዕርን ንብዓትኩምን አመስግነኩም ። ተኣምር ምሕረት ኣምላኽ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ንዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስለ እተምጽኣሎም አመስግነኩም ። ጐይታ የጸናንዓኩምን የበርትዓኩምን ዓስብኹም ድማ ይሃበኩም" ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ዝበሉ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዕለት 28 መጋቢት ጸሎተ ሓሙስ ንግሆ ስነ ስረዓት ባርኾት ቅዱስ ዘይቲ ሰሪዖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳማይ ጓሳ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ገይሩ ንክርስቶስ ሰለስተ ሳዕ ከም ዝኸሓዶ ኣስተንቲኖም። ብጣዕሳ ንብዓት ዘዕለቕለቓ ኣዒንቲ ጴጥሮስ "ካብ ዝቖሰለ ልቢ ተንሲኡ ካብ ናይ ሓሶት ኣተሓሳስባኡን ርእሰ-ምትእምማንን ሓራ ከም ዘውጸኦ የዘኻኽሩ።

"ክቡራት ኣሕዋት ካህናት፡ ፈውሲ ልቢ ጴጥሮስ፡ ፈውሲ ሃዋርያ፡ ፈውሲ ጓሳ፡ ብሓዘንን ተነሲሑን ብኢየሱስ ይቕረ ክበሃለሉ ምስ ፈቐደ እዩ መጺኡ፡ ሕውየቱ ኣብ መንጎ ንብዓትን መሪር ብኽያትን ድማ ናብ ዳግማይ ፍቕሪ ከም ዘምጽአን ዘስተብሃሉ ቅዱስነቶም፥ ኣብዚ ዓመተ ጸሎት 2024 ዓ.ም. እነብዕሎ ጸሎተ ሓሙስ፡ ምስ ብጾቶም ካህናት፡ ብዛዕባ ሓደ መዳይ መንፈሳዊ ሕይወት፡ ብመጠኑ ሸለል ተባሂሉ ዝጸንሐ፡ ገና ኣገዳሲ ዝኾነ፡ ሓሳባት ከካፍሉ ከም ዝደልዩ ገሊጾም። "እዛ ክጥቀመላ ዝሓሰብኩ ቃል'ውን እንተኾነ ብመጠኑ ኣረጊት'ያ፡ ግን ከኣ ከተስተንትና ዝግብኣና ቃል እያ። እታ ቃል ድማ ምጥዓስ እትብል ቃል እያ።"

ምጥዓስ፥ ‘ዝተወግኣ ልቢ’

ምጉርምራም ዝብል ቃል ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገበሮ ናይ ንስሓ ንብዓት ዘበራብር ቃንዛ ዘለዎ "ምውጋእ ልቢ" ዘጠቓልል ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱሰንቶም፡ ብዘይብቕዓትና ተስፋ ከም እንቖርጽ ወይ ከም እንጭነቕ ዝገብረና ናይ በደል ስምዒት ዘይኮነስ፡ ንልቢ ዘጽርን ዝፍውስን ጠቓሚ “ምውጋእ” ምዃኑ ኣነጺሮም፡

ሓጢኣትና ምስ ኣለለና ይብሉ፥ "ልብና ንኣሰራርሓ ናይቲ ኣብ ውሽጥና ዝፈስስን ንብዓት ዘውሕዝን ምንጪ ህያው ማይ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ክኽፈት ይኽእል እዩ" ኢሎም።

እቶም 'እተቐብኡ' ከምኡውን ኣምላኽ ንልቦም ክጥምቶ ፍቓደይናትታት ዝዀኑ ሰባት ውህበት ናይቲ ድሕሪ ጥምቀት ካብ ዘሎ ቕዱስ ማያት ዝዀነ ንብዓት ከም ዝቕበሉ ገሊጾም። ኰይኑ ግና ብዛዕባ ምንቲ ገዛእ ርእስና ምብካየይ እንታይ ማለት ምዃኑ ብንጹር ክንርዳእ ከም ዘሎና ኣትሪሮም የዘካኽሩ።

ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ክድንገጸልካ ቢልካ ንይምሰሎ ንምዓትካ ምንዛሕ ማለት ኣይኰነን።” ስለ ገዛእ ርእስና ምብካይ፥ "ንኣምላኽ ብሓጢኣትና ስለ ዘጕሃዮ ብርዝነት ምንሳሕ ማለት እዩ፣ ወትሩ ኣብ ዕዳ ኣምላኽ ከም ዘሎና ስለ እንፈልጥ ካብቲ ቅድስናን ተኣማንነትን ዝመልኦ መገዲ እቲ ህይወቱ ዝሃበና ኣምላኽ ከም ዝረሓቕና ተኣሚንና።"

ዘምምስጋንን ጽኑዓት ካብ ዘይምዃን፥ ንስሓ

"ነቲ ዘይምምስጋንናን ጽኑዓት ዘይምዃንና ኣብ ውሽጥና ምጥማት ከምኡውን ምንሳሕ። እዚ ማለት ከኣ . . . ንትረት ልብናን ምትላልን ግብዝናን ብጓሂ ኣፍልጦ ምሃብ" ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ከም ብሓድሽ ናብቲ ስቝል ጐይታ ምጥማት በቲ ዅሉ ሳዕ ይቕረ ዚብለሉን ዜተንስእን ፍቕሩ ኽንትንከፍ ምፍቃድ፥ ነቲ እቶም ኣብኡ ተስፋ ዚገብሩ ኣብኡ ዝተኣማመኑን ፈጺሙ ኣየጕህዮምን እዩ . . . እቲ ኣብ ምዕጕርትና ዚፈስስ ንብዓት ዋላ እውን ጻዕሪ ዚሓትት እንተ ዀነ ሰላም ከም ዘምጽእ ኣጒሊሖም፥ እዚ "ንነፍሲ ፈውሲ እምበር ምንጪ ጭንቀት ኣይኮነን፡ ኣብ ልዕሊ ቁስሊ ሓጢኣት ከም መጥባሕቲ ስለ ዝሰርሕ፡ ነቲ “ዝተሰብረን ዝተጣዕሰን ልቢ” የለስልሶ።”

ከም ቆልዑ ምዃን

ቅዱስነቶም ኣበው መንፈሳዊ ሕይወት ዘኪሮም፡ ኩሉ ውሽጣዊ ምሕዳስ ካብቲ ኣብ መንጎ ሰብኣዊ ሕሰምናን ምሕረት ኣምላኽን ዝፍጠር ርክብ ከም ዝውለድ፡ ከምኡውን በቲ መንፈስ ቅዱስ ንኸሀብትመና ዘፍቅደልና ናይ ድኽነት መንፈስ ከም ዝማዕበለ ምዝካር ኣድላዪ ምዃኑ ኣትሪሮም ምስ ገለጹ፥ "ኣሕዋተየ ካህናት ንሕልናናን ጸሎትናን ምምርማር ኣባና እንታይ ግደ ኸም ዘለዎ ንርእስና ንሕተት " ብፍላይ ከኣ ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ንብዓትና ይውስኽ እንተ ዀይኑ ገዛእ ርእስና ንሕተት።

ብዕድመ እናደኸምና ብዝኸድና መጠን እናበኸና ብዝኸድና መጠን . . . "ከም ቈልዑ ኽንከውን ኢና እንሕተት። እንተ ዘይበኸና ኣብ ውሽጥና ንጭነቕን ንኣርግን” እንክብሉ ኣጠንቂቖም፡ እቶም ጸሎቶም ገርሀይናን ዓሚቝን ዝኾኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብምስትታንን ብምግራምን ዝድነቑን ግን "ይዓብዩን ይበስሉን፡ ምስ ገዛእ ርእሶም ዘይኮነ ምስ ክርስቶስ ብዝያዳ ይጣበቑ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምስ ክርስቶስ ምትእስሳር

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ሓድነት ከም ካልእ መዳይ ናይቲ ግብረ ጣዕሳ ገይሮም ክገልጽዎ እንከለዉ ድማ፡ "ልኡምን ብመንፈስ ጽድቂ ሓራ ዝወጸን ልቢ ንኻልኦት ቦቕባቕ ናይ ምዃን ዝንባለ ኣለዎ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዝገበርዎ ጌጋታት ኣብ ክንዲ እንቝጣዕን መተዓናቕፎን ገርና እንርዮምን ስለ ሓጢኣቶም ዝነብዕን እዩ"።

ንምእመናን ድማ - "እግዚኣብሔር ልዕሊ ዅሉ ብሓጢኣት ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ዚሓዝኑን ኣብ ክንዲ ዅሎም ከኣ ዘማለዱሉ ሰብኡትን ኣንስትን ይደሊ” እንክብሉ የዘኻኽሩ።

ጀጋኑ መሰኻኽር ኣብ ቤተ ክርስቲያን

"ኣብ ቤተ-ክርስትያን ብዙሓት ጀጋኑ መሰኻኽር ኣለዉ፥ በዚ መገዲ እዚ ኣቢሎም ድማ ኣርእዮምና እዮም!"

"ብዛዕባ እቶም ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ዝነበሩ ባሕታውያን ንሕሰብ፣ ፍራንቸስካዊ ቅዱስ ጎርጎሪዮስ ብዓል ናሬክ ዘየቋርጽ ጣዕሳን ንብዓትን፣ ንዘይትዕንቀፍ ፍቕሪ መስዋእቲ ምቕራብ፣ እቶም ከም ቅዱስ ጆቫኒ ቪያነይ ዝኣመሰሉ ንኻልኦት ንምድሓን ብንስሓ ዝነብሩ ብዙሓት ካህናት ከኣ "ክህነት እንታይ ማለት ምዃኑ መስኪሮምልና እዮም!"

ቅዱስቶም ኣስዒቦም ነቶም ካህናት ጐይታ "ጓሶቱ" ጭካነ ዘይኰነስ ፍቕሪ "ንዝጠፍኡ ኸኣ ንብዓት ዘፍስሱ" ክኾኑ ዝጸወዖም ምዃኖም ብምዝኽካር፡ ልቦም ዝተጣዕሰ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎም ብዅነኔ ዘይኰነስ ብጽንዓትን ብምሕረትን ምላሽ ዝህቡ እዮም ዝኾኑ . . . "ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንውፈይ ከምኡውን ካብቲ ኣብ ዙርያና ዚናወጽ ማዕበል ዜዕቍበና ህድኣት ምእንቲ ኽንረክብ ስስዔን ህርፋን ስልጣንን ትረት ልብን ተስፋ ምቝራጽን ሓራ ኽንወጽእ ኣሎና! . . . ንኻልኦት ንጽሊ ንማማልድን ስሌኦም ንነብዕን እንተኾይና በዚ ኸምዚ ንጐይታ ተኣምራቱ ንኺገብር ክንፈቕደሉ ኢና። ብርግጽ ኬገርመና እዩ እሞ ኣይንፍራህ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብጸሎት ዝድለ ጸጋ

ዕዮና ምጥዓስ ዘይኮነ ጣዕሳ ብጸሎት ክንደልዮ ዘሎና ጸጋ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብሪሆም፡ ናብቲ ኻብ ኣምላኽን ካብ ዕዮ መንፈስ ቅዱስን እተዋህበ ውህበት እንክብሉ ዝጽውዕዎ ንስሓ ተመሊሶም፥ መንፈስ ንስሓ ንምምዕባል ክልተ ርእይቶ ድማ ይህቡ፥

"ንህይወትናን ጽዋዕታናን ብውጽኢታዊ መገድን ብኡንብኡ ብዝረኸብናዮ ውጽኢትን ካብ ምጥማት ነቋርጽ፡ በዚ ሕጂ ዘሎ ድሌትን ትጽቢታትን ድማ ምቑሓት ካብ ምዃን ተቖጢብና ንሕሉፍን ንመጻእን ኣብ ግምት ነእቱ"። "ናብቲ እንጽውዓሉ ዘለኣለማዊ ሸቶ ማለት ናብቲ ቐንዲ ዕላማ ህይወትና ብምጥማት ነቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ተኣማንነትን ይቕረታኡን ምሕረቱን ብምዝካር ኣብ ፍቕሩ ጽኑዕ መልሕቕ ብምግባር" ከምኡውን ንመጻኢ ኣብ ግምት ብምእታው ንዝሓለፈ ኣብ ግምት ከእትዉ ተማሕጸኖም። ኣረኣእያና ምስፋሕ ልብና ንኸነስፍሕ ምስ ጐይታ ግዜ ንኸነሕልፍ ከምኡውን ነዚ ንኽንዋጽኣሉ ኸም ዝሕግዘና ገሊጾም፥ ካልኣይ ኣረኣእያ ድማ” ካህናት "ግዴታውን ተግባራውን ዘይኮነ፡ ብናጽነት ዝተመርጸ፡ ህዱእን ቀጻሊ ጽኑዕ" ጸሎት ምኹስኳስ ከምዘድሊ ዳግማይ ክረኽቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ "ናብ ኣምልኾን ጸሎት ልብን ንመለስ" ከም ምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊቱ።

ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ምሓረኒ ሓጢኣተይና ኣየ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ነቶም ካህናት ‘ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ምሓረኒ ሓጥእ ኢየ” ቢሎም ክጽልዩ ዓዲሞም፥ "ናይ ገዛእ ርእስና ሓጢኣተይና ምዃን እናኣስተንተና ዕብየት እግዚኣብሄር ንስማዕ፡ ልብና ድማ ንፈውሲ ሓይሊ ኣጠማምታኡ ንኽፈት" ቢሎም፥ "ከም ካህናት ጸሎት ኣብ እንጅምረላ ሰዓት ፥ በተን ቃላት እቲ ዝጭድር ድኻ: ኣምላኸይ ንዓ ርድኣኒ! ብምባል ጥበብ እኖ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ዳግማይ ምርካብ የድሊ ምስ በሉ፥ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስን ንብዓቱን ምልስ ቢሎም፥ "እቲ ኣብ ልዕሊ መቓብሩ እንርእዮ መሰውኢ ነቲ ንሕና ኻህናት መዓልታዊ፡ 'እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ስጋይ እዩ እሞ ብልዕዎ' እንብሎ ዅሉ ግዜ ኸም እንሓስብ እዩ ዚገብረና . . . እምበኣር፡ ነተን ብትሑት መንፈስን ብጣዕሳ ልብን 'ኦ ጎይታ ካብ ኣበሳይ ሕጸበኒ' ዝብል ጸሎት ክንደግምን ኣእዳውና መጋበርያ ህላወኡ ክንገብር ‘ካብ ሓጢኣተይ ድማ ኣንጽሓኒ’ ንበሎ”

ክቡራት ካህናት የቐንየልና

ልቢ ሓደ ሰብ ብጣዕሳ እንተ ተሰይሩ ብርግጽ ኢየሱስ ክሕክሞን ከሕውዮን ከም ዝኽእል ኣረጋጊጾም፥

"ፍቑራት ካህናት ስለቲ ለጋስን ልኡምን ልብኹም አመስግነኩም . . . ኵሉ ጻዕርኹምን ትብዓትኩምን ከምኡውን "ተኣምር ምሕረት ኣምላኽ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ንዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስለ እተምጽኣሎም አመስግን . . .  ጐይታ ነቶም እሙናት ካህናቱ ኼጸናንዖምን ኪባርኾምን ዓስቡ ኺህቦምን እጽልይ” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 March 2024, 17:29