ድለ

TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ምእንቲ እቶም ብዜስካሕክሕ ውግእ ዚሳቐዩ ዘለው ሰባት ንጸሊ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንክርስትያ ምእመናን ምእንቲ ዅሎም እቶም ብውግእ ዚሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ኪጽልዩን ንዓለምና ሰላም ከማልዱን ጻውዒት ኣቕረቡሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን፦

"ኣሕዋተይን ኣሓተይን ምእንቲ እቶም ኣብ ዩክረይን ንቕድስቲ መሬትን ከምኡውን ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለምን ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ክትጽልዩ እንደገና ጻውዒት የቕርበልኩም አሎኹ።" በልዎም።

ነቶም ቋንቋ ጣንልያን ዝዛረቡ ነጋድያን ኣብ ዘቕረቡሎም ሰላምታን ቃል ምሕጽንታ፣ ቅዱስ ኣቦና ሰላም ንኺረኽቡ ብቐጻሊ ክጽልዩ ከም ዘለዎም ኣባታዊ ጻውዒት ኣቕረቡሎም ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ሰላም ክንረክብ በጃኹም ንጸሊ" በሉ። "ንእግዚኣብሄር ውህበት ሰላም ክህበና ንለመኖ።" ውን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ዕለቱ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ሰላምንታን እቶም ካብ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝመጹ በዓል መዚ ክቡር ኣባ ፍራንዝ ፔርሉጂ ጂሮሊ ከንብቡሎም እኳ እንተ ተረኽቡ፣ ነዘን ቃላት እዚኣተን ግና ባዕሎም ኢዮም ዝበልወን ።

እቲ ጉባኤ ቅድሚ ምጅማሩ ድማ ቅዱስነቶም ጌና ካብ ሕማም ሰዓል ከም ዘይሓወዩ ኣመልከቱ ።

ቀጻሊ ዝዀነ 'ዜስካሕክሕ' ውግእ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ ብዛዕባ ዩክረይንን ቅድስቲ መሬትን ፈልዮም ጠቐሱ ።

መራኸቢ ብዙሓን ሃገረ ዩክረይን፣ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ሓይልታት ሩስያ ብቐጻሊ ብበረድ እተሰነየ መጥቃዕቲ ኣብ እተፈላለያ ኸተማታት ዩክረይን እንተላይ ኣብ ዞባታት ክየቭን ኦዴሳን ከም ዘውረዱ ጸብጻባት ክህቡ ይርከቡ ኣለው ።

ኣብ ቃዛ በቲ ሰራዊት እስራኤል ዘውረዶ መጥቃዕቲ፣ ቍጽሪ ናይቶም ግዳያት ዝኾኑ ፍልስጤማውያን ልዕሊ 30,700 በጺሑ ከም ዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ ።

እዚ ኣሃዛት እዚ ካብቲ ኣብ ገማግም ቃዛ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓማስ ዝመጸ ኢዩ፣ እዚ ሚኒስትሪ እዚ ካብ 7 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ 72,150 ሰባት ጕድኣት ከም ዝወረደ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ከኣ 86 ሰባት ሞይቶም 113 ድማ ቈሲሎም ከም ዘለዉ ወሲኹ የመላኽት ።

ብጸሎት እተሰነየ ጕዕሶ ጾም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ክርስቲያን ምእመና ናብ በዓለ ትንሳኤ ገጾም ጀሚሮምዎ ዘለዉ ጕዕዞ ጾምን ጸሎትን ብተኣማንነት ክቕጽሉ ጻውዒት ኣቕረበሎም ።

"ብምሉእ ልብኹም ናብቲ ብዘለኣለማዊት ፍቕሪ ዜፍቅረና ኣምላኽ ምእንቲ ኽትምለሱ፣ በዘን መዓልትታት እዚኣተን ንገዛእ ርእስኹም ካብቲ ንህይወትኩም ሸፊነዋ ዘሎ ዅሉ ሓራ ኸተውጽኡ ብትብዓት ተጋደሉ" ክብሉ ቃል ምሕጽንታኦም ዛዘሙ ።

06 March 2024, 17:28