ድለ

Soldiers of Ukrainian National Guard receive training near Kharkiv Soldiers of Ukrainian National Guard receive training near Kharkiv  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ.፦ ብሰንኪ ዕብዳን ውግእ ብዙሓት መንእሰያት ይሞቱ ኣለዉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንምእመናን ምእንቲ እቶም ብሰንኪ እቲ "ዜስካሕክሕ ሳዕቤን" ናይ ውግእ ዚሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ክጽልዩ ከም ብሓድሽ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም፤ ሎሚ ንግሆ ኻብ ሓደ ኣብ ግንባር ዝሞተ ወተሃደር መቁጸርያን ኸምኡውን ወንጌል ከም እተቐበሉ ድማ ዘከሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ንናይ ውግእ ዕብዳን ምእንቲ ኺስዕሩ ክብሉ ኣዝዮም ብዙሓት መንእሰያት ይሞቱ ኣለዉ ።...

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ሮቡዕ አብ ዘካየድዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ መወዳእታ፣ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጳጳስ ናይ ሮማ ኮይኖም እተመርጹሉ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት ብምዝካር ነዚ ሓቂ እዚ ኣወጁ ።

ቅዱስነቶም ነቶም ቋንቋ ጣልያውያን ዚዛረቡ ነጋድያን ሰላምታን ቃል ምሕጽንታን ኣብ ዘቕረቡሉ፣ ምእንቲ እቶም ብሰንኪ ውግእ እተጐድኡ ህዝቢ ጸሎት ከዕርጉ ከም ብሓድሽ ጻውዒት ኣቅረቡሎም።

ከይተሓለልካ ጸሊ

ቅዱስ ኣቦና ንዅሎም ምእመናን አብዚ ዘመነ ዓቢይ ጾም እዚ ክርስትያናዊ ሓድነት ንኽገብሩ ጻውዒት ኣቕረበሎም "ምእንቲ እቶም ብሰንኪ ውግእ ዘስዓበሎም ከቢድ መጉዳእቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ብጽንዓት ንጸሊ" ድማ በሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተው ክልተ ኣዋርሕ ማለት ካብ 13 መጋቢት 2023 ክሳዕ ሎሚ ቅዱስ ኣቦና ንልዕሊ 150 ግዜ ንዩክረይንን ብምጥባቕ ከምኡውን ንልዕሊ 60 ግዜ ድማ ምእቲ እቶም ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ዘሎ ውግእ ደው ንኽብልን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

መቑጸርያ ናይ ሓደ እተቐትለ መንእሰይ ወተሃደር

ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመና ቅዱስ ኣቦና ሎሚ "ካብ ሓደ ኣብ ግንባር ዝሞተ መንእሰይ ወተሃደር መቁጸርያን ከምኡውን ወንጌልን" ከም ህያብ ከም እተቐበሉ ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘመልከትዎ እዚ ዝሞተ ወተሃደር እዚ ብኸመይ 'በዚ ኸም ዝጸለየ' ብምዝካር "ኣዝዮም ብዙሓት መንእሰያት ናብ ሞት ገጾም ይኸዱ ኣለው" ብምባል ጓሂኦም ገለጹ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ቅዱስ አቦና ጸሎት ክግበር ተማሕጸኑ ።

"ነዚ ወትሩ ስዕረት ዝዀነ ዕብዳን ውግእ ንኽንዋጽኣሉ እንኽእል ጸጋ ምእንቲ ኽህበና ናብ ጐይታ ንጸሊ።" ክብሉ ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

14 March 2024, 09:42