ድለ

2024.03.24 Celebrazione della Domenica delle Palme 2024.03.24 Celebrazione della Domenica delle Palme  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ሞስኮ ግዳያት መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራ ዝዀኑ ሰባት ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይቲ ዓርቢ ኣብ ርእሲ ኸተማ ሞስኮ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ሙዚቃዊ ምርኢት እተፈጸመ ግብረ - ሽበራዊ መጥቃዕቲ ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ጸሎት የዕሪጎም፣ ኵሉ ሰብ ድማ ምእንቲ እቶም “በጃ ዝኾኑ ዘለዉ ሕዝቢ ዮክረይን” ክጽልዩ እውን ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቶም ዝነብሩ ምእመና ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ድሕሪ ምዕራጎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን "ነቶም ግዳያት ናይቲ ኣብ ሞስኮ እተፈጸመ ሕሱም ግብረ-ሽበራቲ መጥቃዕቲ ዝዀኑ ሰባት ጸሎተይ ከረጋግጸሎም እደሊ" በሉ።

ወሲኾም ድማ ቅዱስ ኣቦና "ነቶም ዝዓረፉ ጐይታ ብሰላሙ ኣብ መንግሥቱ ይቀበሎም፣ ንስድራ ቤቶም ውን ጽንዓት ይሃብ" በሉ።

ብድሕሪ እዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣምላኽ ኣብ ኣልባብ ኵሎም ደቅሰባት ሰላሙ ኪስርጽ ጸለዮም ።

"ነቲ 'ኣይትቕተል' ኢሉ ዝኣዘዘ ኣምላኽ ዜጕሂ ኢሰብኣዊ ተግባራት ዚውድቡን ዚፍጽሙን ሰባት ልባቶም  ክቕይሮን ናብ ሰላም ክመልሶን ንጸሊ ድማ" በሉ።

መጥቃዕቲ ኣብ ኣዳራሽ ምውራድ

ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 22 መጋቢት ምሸት ብውሁዱ 4 ዕጡቓት ሰባት ናብቲ ክሮስክስ እተሰምየ ናይ ከተማ ኣዳራሽ ኣብ ሞስኮ ብምእታው ተኵሲ ከፊቶም እንተ ወሓደ 133 ሰባት ቀቲሎ፣ ብዙሓት ካልኦት ድማ ብኸቢድ ዝተጐድኡ ኣለውዎም።

ሓንቲ ካብተን ኣብል ኢላማዊ መግስቲ ዳዒሽ ዝኾና ናይቲ መጥቃዕቲ ተሓታቲት ኸም ምዃና ገሊጻ ኣላ፣ እዚ ድማ በቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወግውያን ናይ ስለያ ኣካላት ተረጋጊጹ አሎ።

ሰበ-ስልጣን ሩስያ ብሰንኪ እዚ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብዝተተሓሓዘ 11 ሰባት እንተላይ ነቶም 4 ብረት ተዓጢቖም ዝተረኽቡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዮም ኣለዉ።

'ምእትንቲ እታ በጃ ትኸውን ዘላ ዩክረይን' ጸልዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ምእንቲ ዅሎም እቶም ብሰንኪ ውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉን ብፍላይ ከኣ ምእንቲ እታ "በጃ ትኸውን ዘላ ዩክረይን" ጸልዮም።

ከምዚ ድማ በሉ - "ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ትሕተቅርጺ እታ ሃገር ዝወርድ ዘሎ ከቢድ መጥቃዕቲ ቀረብ ጸዓት ኤለክትሪክ የብሎምን፣ እዚ ድማ ሞትን መከራን ጥራይ ዘይኰነስ ዝገደደ ሰብኣዊ ዕንወት እውን ከምጽእ ዝከኣል ኢዩ።"

ወሲኾም ድማ ቅዱስ ኣቦና "በጃኹም ነታ በጃ ትኸውን ዘላ ዩክረይን ኣይንረስዓያ ፣ ብዛዕባ እታ ብዙሕ ትሳቐ ዘላ ቃዛ ውን ንሕሰብ፣ ነቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ዘሎ ውግእ ውን ኣይንረስዓዮ " ደማ በሉ ።

ናብ ጐይታ ዝውፈ ሰሙን ሕማማት

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናብ በዓለ ትንሣኤ ገጽና እንገብሮ ዘሎና ጕዕዞ ናብታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ብምውፋይ ናብ ሰሙነ ሕማማት ገጽና ክንኣቱ ዓደሙና።

"ብሓጐስ ናብ ትንሳኤ ምእንቲ ኽንበጽሕ ኣብዘን ዝስዕባ ዕለታት ሰሙነ ሕማማት ናብ ኢየሱስ ምቕራብ ካብኣ ንመሃር።" እክብሉ ቃል ምሕጻንታኦም ዛዘሙ።

25 March 2024, 18:22