ድለ

ARGENTINA-ROSARIO-DRUGS-SECURITY ARGENTINA-ROSARIO-DRUGS-SECURITY  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ምስቶም ዓመጽ ዝወረደም ነባሮ ሮዛርዮ ርቡቕ ቅርበት ከም ዘለዎም ገሊጾም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ማሕበረሰብ ከተማ ሮዛርዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ብዛዕባ እቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብዛ ከተማ ኣርጀንቲና እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምስ ዕጸፋርስ እተተሓሓዘ ዓመጽ ዘለዎም ሻቕሎት ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቶም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምስ ሓሽሽ እተተሓሓዘ ገበናዊ ዓመጽ ዝወርዶም ዘሎ ነባሮ ከተማ ሮዛርዮ፣ ኣብታ ኣብ ኣርጀንቲና ብዕቤታ ሳልሰይቲ ዝዀነት ከተማ ዝርከቡ ነባሮ ጥቡቅ ቅርበት ከም ዘለዎም ንምግላጽ ሎሚ ሠሉስ ዕለት 26 መጋቢት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ለኣኹሎም።

ኣብ ሮዛርዮ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምስ ዕጸፋርስ እተተሓሓዘ ገበናዊ ዓመጻ

እቲ ናይ ዓመጻ ማዕበል ብ2013 እኳ እንተ ጀመረ፣ እታ ካብ ቦነስ-ኣይረስ ብሸነኽ ሰሜን ኣስታት 300 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኸተማ፣ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ንዘይሕጋዊ ንግዲ ዕጸፋርስ ኣብ ኣርጀንቲና በዓቲ ኮይና ጸኒሓ ኣላ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ኮከይንን ካልእ ዕጸ-ፋርሳትን ናብታ ኸተማ ኻብ ሰሜን እታ ሃገር ብፈለግ ፓራና ይመጸ እሞ ናብ ኣውሮጳ ወይ ኣፍሪቃ ይለኣኽ ጸኒሑ ኣሎ ።  ብዘይካዚ ዘይሕጋዊ ዕጸ-ፋርስ ኣብታ ኸተማ ስለ ዝርከብ ንዕዳጋ እቲ ኸባቢ ኣዕለቕሊቕዎ ንነጋዶ እዚ ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ ከኣ ስራሖም ኬደልድሉ ሓጊዝዎም የርከብ አሎ ። ንግዲ ዕጸፋርስ ምስቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ብልሽውና ተደሚሩ ንሮዛርዮ ናብ ዞባ ውግእ ቀይርዋ ይርከብ ። ብ2023 ኣብታ ኸተማ 259 ቅትለት ከም እተፈጸመ ጸብጻባታ ይሕብሩ ፣ እዚ ኸኣ ብገምጋም ኣብ መላእ እታ ሃገር ካብ ዝፍጸም ቅትለታት ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝዛይድ ኢዩ።

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ነብርቲ ከተማ ሮዛሪዮ
መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ነብርቲ ከተማ ሮዛሪዮ

ዓመጻን ንግዲ ዕጸፋርስን ንምጉዳል ሓድነት ማሕበረሰብ ምድልዳል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እዚ ዅነታት እዚ ዘለዎ ሻቕሎት እንክገልጹ ነዚ መዓት እዚ ንምቅላስ ማሕበረሰብ ጻዕሪ ኽገብር ጻውዒት የቕርቡ፣ ሕግን ስርዓትን ምድልዳል ብህጹጽ ኣድላዪ እኳ እንተዀነ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ዝወስድዎ ስጕምትታት ግን እኹል ከም ዘይኰነ ይገልጹ ።

"ንማሕበረሰብና ከነደልድሎ ኣሎና " ድማ ይብሉ ቅዱስነቶም -" ዝዀነ ይኹን በዓል ጽቡቅ ድላይ ኣብ ሮዛርዮ ኵሉ ሰብ ከም ሓው ኰይኑ ክስምዖ ኣለዎ ደኣ እምበር ካብ ዝኾነ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ናጻ ክኸው ዝኽእል የልቦን ። " ይብሉ።

ኣብ ሰበ-ስልጣን ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ብልሽውናን ግጭት ናይ ብሕቲ ትካላትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ብልሽውና ናይቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ፖለቲካውያንን ኣኽበርቲ ሕግን ከምኡውን ገሊኡ ኽፍልታት ቍጠባውን ገንዘባውን ትካላት ምስ ነጋዶ ዕጸፋርስ ግጭት ከም ዝፈጥሩ ዝገብሮም ዘሎ ሓቂ ኢዩ።

ስለዚ ዝሓሸ ዓይነት ፖለቲካ ንኽግበር ብሓቂ ንሓባራዊ ረብሓን ከምኡውን ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ጕጅለታት ሓባራዊ ውሳነ ንምግባርን ምይይጥ ንምግባርን፣ ንቐረብ ጥራይ ዘይኰነስ ንጠለብ ዕጸፋርስ እውን ዝምልከት ውጽኢታዊ ፖሊሲታት ንምውጻእ ውን ተማሕጸኑ።

ብተወሳኺውን እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ንግዲ ዕጸፋርስ እተተሓሓዘ ብልሽውናን ሕጽቦ ረሳሕ ገንዘብን ንምቅላስ ከምኡውን ነቶም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ኣብ ውሽጢ ስርዓተ ፍትሒ ዘለዉ ኣፍልጦ ንምሃብ ናጻ ዝዀነ ቤት ፍርዲ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።

ብተወሳኺውን ናይ ብሕቲ ትካላት ብፍላይ ከኣ ነጋዶ ዘለዎም ግደ ብምጉላሕ ምስ እተወደበ ገበን ንኸይተሓላለኹ ማሕበራዊ ተሳትፎን ስነ-ምግባራዊ ንግድን ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ኣመልከቱ።

ንመሳኪን መንእሰያት ዝሓሸ መጻኢ ምሃብ

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንከተማ ሮዛርዮ ብፍላይ ነቶም ሓደስቲ ወለዶታት ዝሓሸት መንበሪት ንምግባር ኵሎም ተቕዋማትን እተዋፈሩ ዜጋታትን ብሓባር ጻዕሪ ኽገብሩ ኸም ዘለዎም ኣትሪሮም ይምሕጸኑ፣ ማሕበረሰብ ዘይነጻጸል ዕቤት ደቅሰብ ንምፍጣር ብፍላይ ከኣ ንመሳኪን መንእሰያት ዝኸውን ቦታን ኣጋጣምን ክቐውም ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በሉ - "ኵላትና ማሕበራዊ ይኹን በርገሳዊ ከምኡውን ሃይማኖታውያን ትካላት ዝከኣለና ኩሉ ንምግባር ማለት ጥዑይ ማሕበረሰብ ንምቛም ሓድነት ክህልወና ኣለዎ ።” በሉ።

ቤተ - ክርስትያን ዝገበረቶ ኣበርክቶ

ኣብ መወዳእታ ቤተ-ክርስትያን "ከም ኣደን ሳምራዊትን" መጠን ንስድራቤት እቶም ግዳያት ናይቲ ዓመጻ ዝዀኑ ሰባት ከተሰንዮም ምዃናን፣ ነቶም ብወልፊ ዕጸፋርስ ዝሳቐዩ ዘለዉን ከምኡውን ንዅሎም እቶም ኣብ ክቱር ተኣፋፊ ዅነታት ዝነብሩ ሰባት ክትድግፍ ምዃና ኣረጋገጹ።

"ኣብዚ ግዜ እዚ ፍቕርን ግብረ-ሰናይን ንሓደ ኣብ ስግኣት ዝርከብ ዘሎ ሕብረተሰብ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ንጹር ምስክርነት ወንጌል ክኸውን ኣለዎ " ብምባል መልእኽቶም ዛዘሙ።

26 March 2024, 16:27