ድለ

International Women's Day, International Women's Day,  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ኽብሪ ዅለን ደቂ ኣንስትዮ ክሕሎ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ተዘኪሩ ዝወዓለ ዓመታዊ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብምዝካር ምስ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ከኣ ምስተን ክብረተን ዘይተሃለወ ኣብ ጐድነን ደው ከም ዝብሉ ገለጹ ። ኣብዚ መዳይ እዚ ብዅለን ትካላት ክዕየ ዘለዎ ብዙሕ ዕዮ ከም ዘሎ ውን ኣመልከቱ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘቅረብዎ ሰላምታን ቃል ምሕጽንታን፣ ነቲ ቅድሚ ኽልተ መዓልቲ ከም ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ተዘኪሩ ዝወዓለ ዕለት ዘከሩ ።

ገና ብዙሕ ዚዕየ ነገራት

ማዕርነት ኽብረት ደቂ ኣንስትዮ ብጭቡቕ መገዲ ንምድንፋዕ ነፍሲ ወከፍና ኽንገብሮ ዘሎና ብዙሕ ነገራት ከም ዘሎ ውን ኣመልከቱ።

ማሕበራውን ፖለቲካውን ትካላት ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወድሰብ ናይ ምሕላውን ምድንፋዕን መሰረታዊ ግዴታ ከምዘለዎም ብምዝኽኻር ፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ተሸከምቲ ህይወት ክኾና፣ ምእንቲ ነቲ ህያብ ህይወት ተቐቢለ ክኽእላን ንደቀን ውሕስነት ክረኽባን ክቡር ሕይወት ከስተማቕራን ኣድላዪ ኩነታት መነባብሮ ክረጋገጸለን ከም ዝግባእ ኣመልኪቶም።

11 March 2024, 15:45