ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ትዕግስቲ ዜእምን ምስክርነት ብዛዕባ ፍቕሪ ክርስቶስ ክንህብ የኽእለና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ በዚ ትዕግስቲ ዝተሰምየ መንፈሳዊ ሓይሊ ኣቢልና ምምልላስ፣ ሓደ ኻብቲ ንፍቕሪ ጐይታ ብዘተኣማምን መንገዲ ክንህቦ እንኽእል ምስክርነት ከም ዝኾነ ብምግላጽ፣ ምእመናን ካብ ክርስቶስ ትዕግስቲ ክመሃሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝናም ይዘንም ስለዝነበረ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ 6ይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኢዮም ኣስተምህሮኦም ዘመሓላለፉ ። ኣባኡ ድማ ፦

ዋላ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ቐሊል እንተ ዘይኰነ፣ ሓደ ክርስትያን ነቲ ከብድ ዝዀነ ትዕግስቲ ክነብሮ ክርከብ እንከሎ ፍቕሪ ክርስቶስ ኣባኡ ይግለጽ ።...

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብሰንኪ ዅነታት ኣየር እተገብረ ናይ ቦታ ለውጢ ብምምልካት ከም ዋዛ ኣምሲሎም - "ብብዝሒ ሰባት ተጨናኒቕኩም ከም ዘለኹም ፍሉጥ ኢዩ፣ እንተ ወሓደ ግን ኣይክንጥልቅን ኢና ። ስለቲ ዘርኣኹምዎ ትዕግስቲ ውን አመስግነኩም።” በልዎም

መንፈሳዊ ሓይሊ ትዕግስቲ

ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ኣመላውያን ሓጢኣትን መንፈሳውያን ሓይላትን ዝገልጽ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ ቀጺሎም ኣስተምሃሩ ። ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዛዕባ ኣመላውያን ሓጢኣት ከስተምህሩ ድሕሪ ምጽሕ፣ ኣብዚ ቐረባ ሰሙናት ድማ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላት ከስተምህሩ ጀሚሮም ኣለዉ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ልቦና ኣተኲሮም ድሕሪ ምስትምሃር፣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኸኣ ብዛዕባ ትዕግስቲ  ሰፊሕ ኣስተምህሮ ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም ሱር ትዕግስቲ ፍቕሪ ምዃና ኣጕልሑ ። ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ ዕጉስ ምዃን መብዛሕትኡ ግዜ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፣ ነቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኽቡ ምእመናን ጐይታ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝዕገሰና ኣዘኻኸርዎም ።

ዕጉሳት ክርስትያን ፍቕሪ ክርስቶስ የንጸባርቑ

ምስ ሓደ ዕጉስ ክርስትያን ካብ ምርኻብ ንላዕሊ "ብዛዕባ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝሓሸ ምስክርነት የለን" ኺብሃል ይከኣል ክብሉ ቅዱስነቶም ኣመልከቱ ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ግን "ክንደይ ኣዴታትን ኣቦታትን ሰራሕተኛታትን ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ሕሙማትን መዓልታዊ ብዘይፍለጥ መገዲ ንዓለም ብቕዱስ ትዕግስቲ ኸም ዚርእይዋ እሞ ሕስብ ነብሎ" በሉ።

'ሓቀኛታት እስከ ንኹን!'

ኣስዕብ ኣቢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ  "ሓቂ ንምዝራብ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ትዕግስቲ ይጐድለና ኢዩ!" ብምባል ተኣሚኖም ።

ዓቕሊ ዘይምግባርን ንእከይ ብእከይ ምላሽ ምሃብን ክፍሊ ሰብኣዊ ባህርይና ምዃኑ ኣፍልጦ ሃቡሉ ። "ህድእ ምባል፡ ንባህሪና ምቍጽጻር፡ ሕማቕ ምላሽ ካብ ምሃብ ምቑጣብ፣ ኣብ ስድራቤት፡ ኣብ ስራሕ ከምኡውን ኣብ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ንዚለዓዕል ክትዕን ግጭትን ምዕጋት ብዙሕ ግዜ ኣጸጋሚ ኢዩ ዝኾነና" ብምባል ተኣመኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ትዕግስቲ "ኣድላይነት" ጥራይ ዘይኰነስ "ጽውዓ" ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።

"ክርስቶስ ዕጉስ እንተድኣ ዀይኑ፣ ሓደ ክርስትያን ዕጉስ ክኸውን ኢዩ ዝጽዋዕ" ብምባል ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ምስቲ ተሃዊኽካ "ኩሉ ሕጂ ክኸውን ኣለዎ" ንዝብል ኣተሓሳስባ ናይ ግዜናን፣ ንናይ ምቁጻርን ዓብላልነትን መንፈስ ናይዚ ዘሎናዮ ግዜ ምቅዋም ዝሓትት ምዃኑ ኣጕልሑ።

"ታሕዋኽን ዓቕሊ ምስኣንን ጸላእቲ መንፈሳዊ ህይወት ምዃኖም ኣይንረስዕ" ድማ በሉ። ኣምላኽ ፍቕሪ ከም ምዃኑ እቲ ዘፍቅር ሰብ ድማ ብኸመይ ብትዕግስቲ ክጽበ ከም ዘለዎ ይፈልጥ ኢዩ ክብሉ ኣመልከቱ ።

ነቲ ኢየሱስ ዝሃበና ኣብነት ብትዕግስቲ ምስትንታን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ምእመናን ነቲ ኣብ ምሳሌ ናይቲ በታኒ ወዲ ዘሎ ትዕግስቲ ናይቲ ኣቦ ክዝክርዎ ኣተባብዕዎም፣ ብኸመይ ትዕግስትና ኸነማዕብል ከም እንኽእል ድማ ሕቶ ኣቕረቡሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ ብምልማልን ከምዚ ኽንገብር ከም እንኽእል መልሲ ክህቡ እንከለዉ "መንፈስ ቅዱስ ነቲ በቲ ሕያውነት ዝኾነ ትዕግስቲ ኣቢሉ ሓይሊ ይህበና ኢዩ" ብምባል የረጋግጹልና።

ቅዱስ ኣቦና ካብዚ ብምቕጻል ብፍላይ ኣብዚ ግዜና ብዛዕባ ካብቲ እተሰቕለ ክርስቶስ ክንመሃርን ነቲ ዝገደፈልና ኣብነት ብትዕግስቲ ክንስዕብን ጽቡቕ ኢዩ ክብሉ ኣስተምሃሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ፣ ኣብዛ ሰሙነ ሕማማት ብጸሎት ኵላትና ዝያዳ ዕጉሳት ክንከውን ንጽዓር፣ ከምዚ ኽንገብር ከለና ኸኣ ዝያዳ ቅዱሳት ክንከውን ኢና እንክብሉ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ ።

27 March 2024, 17:46