ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ብጸጋ ኣምላኽ መንፈሳዊ ሓይሊ ኸነጥሪ ንኽእል ኢና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢኣትን ዝገልጽ ተኸታታሊ ትምህርትታት ብምቕጻል፣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኣብ መንፈሳውያን ሓይላት ብምትኳር ኣስተምህሃሩ፣ ከምኡውን ንምእመናን ነዚ ብጸጋ ጐይታ ንኸጥርይዎ ኣተባብዕዎም።

ኣብ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ፣ "ኵላትና ንመፈሳውያን ሓይላት ዳግም ከነጽንኦምን ብኣኣቶም ከም እንነብርን ይኹን" ብምባል ተማሕጸኑ።

ኣብ መጀመርታ ናይቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ቅዱስ ኣቦና ጌና ካብቲ ዝሓልፈ ሰሙን ዝሓዞም ሕማም ሰዓል ስለዘይሓወዩ፣ ተሓባባሪኦም ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር በዓል መዚ ዝኾኑ ክቡር ፔርሉጂ ጂሮሊ ከም ዘንብቡሎም ገለጹ።

ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብዛዕባ መንፈሳዉያን ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢኣትን ዝገልጽ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮም ቀጺሎም ። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብዛዕባ እቶም እተፈላለዩ ዓይነታት ዓርእስተ ሓጢኣት ከስተምህሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ድማ ናብ መንፈሳውያን ሓይላት ብምስጋር ኣስተምሃሩ።

ደሕሳስን ምልምማድን መንፈሳውያን ሓይላት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ ልቢ ሰብ "ክፉእ ስምዒት ከሕድር ከም ዝኽእልን" ከምኡውን "ከደናግር ዝኽእል ሽፋን ተኸዲኑ ንዝቐርብ ጐዳኢ ፈተናታት ውን ክቕበል" ይኽእል ኢዩ፣ እንተዀነ ግን "ነዚ ዅሉ እውን ክጻረሮ ይኽእል ኢዩ።"

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ወድሰብ ንሠናይ ከም እተፈጥረ ብኣጽንዖት ድሕሪ ምግላጽ “እዚ ሓቂ እዚ ከኣ ኢዩ ንሰብ ምልኣት ዝህቦ" እዚ ድማ ንሓደ ሰብ ነዚ ጥበብ እዚ ንኽነብሮ ዘኽእሎ።

ንሕና ደቅሰባት ብተፈጥሮና ሰናይ ናይ ምግባር ዝንባለ ኸም ዘሎና ምፍላጥ ነባሪ ዝኾነ ባህርያት ንኸነጥሪ ኸም ዚሕግዘና ውን ሰፊሖም ኣስተንተኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣብዚ መስደመም ዝኾነ ዘመና ምስቶም ዝኸፍኡ ደቅባት ክንሰማማዕ ኣብ እንርከበሉ ዘሎና ግዜ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላት ዳግም ከነጽንዕን ክንለማመዶምን ኣሎና" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብዛ እተዛብዐት ዓለም ነቲ ዝተፈጠርናሉ መንነትና ኽንዝክሮ ኣሎና" በሉ፣ እዚ ኸኣ "ንዘልዓለም ኣብና ተቐሪጹ ዘሎ ምስሊ ኣምላኽ" እዩ።

ውርዝና ምግላጽ

ቅዱስ ኣቦና ኣስዕብ ኣቢሎም "ንመንፈሳውያን ሓይላት ብኸመይ ክንገልጾም ግን ንኽእል ?" ክብሉ መተሓሳሳቢ ሕቶ ኣቕረቡ።

ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን መንፈሳውያን ሓይላት "ሰናይ ተግባር ንምግባር ልማዳውን ጽኑዕን ዝንባለ" (ቍ. 1803) ዝብል ልክዕን ብቑዕን ትርጕም ከም ዝህበና ዘከሩ።

ስለዚ "ሓሓሊፉ ኻብ ሰማይ ዚወድቕ" ወይ "ብሃውሪ ዚመጽእ ጽቡቕ ነገር" ከም ዘይኰነ ድማ ገለጹ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተምህሮኦም ወላ ውን ገበነኛታት ከይተረፉ ሰናይ ግብሪ "ኣብ መጽሓፍ ኣምላኽ” እተመዝገበ ከም ዝገብሩ እኳ ኣፍልጦ እንተ ሃቡሉ፣ መንፈስውያን ሓይላት ግና ኻልእ ነገር እዩ" በሉ።

ከምዚ ብምባል ድማ ነዚ ሓሳብ ኣነጸርዎ - "መንፈሳውያን ሓይላት ሰናይ ምዃን ኢዩ፣ ካብቲ ቀስ ኢሉ ዝመጽእ ብስለት ወድሰብ ዝምንጩን፣ ውሽጣዊ መለለዪ ኽሳዕ ዝኸውን ዝቕጽልን ኢዩ ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንፈሳውያን ሓይላት "ልምዲ ነጻነት" ቢሎም ብምጽዋዕ  "ብዅሉ ተግባራትና ናጻ እንተድኣ ዄንና" ከምኡውን ንሰናይ ዘበለ ኩሉ ናይ ምምራጽ ዝንባለ እንተድኣ ሃልዩና እዚ መንፈሳዊ ሓይሊ ዝበሃል።

መንፈሳውያን ሓይላት ብኸመይ ነጥርዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ንመንፈሳዉያን ሓይላት ብኸመይ ከም እንተጥርዮም ንምርዳእ "ቀሊል" ዘይኰነስ "እተሓላለኸ" ምዃኑ ኣስፊሖም ገለጹ።

"ንክርስትያን እቲ ቐዳማይ ረድኤት ጸጋ ኣምላኽ እዩ" ብምባል ውን ብትሪ ኣመልከቱ ። እወ መንፈስ ቅዱስ ኣባና፣ አብቶም እተጠመቕና ይኣዪ ኢዩ፣ ኣብ መንፈስና ብምስራሕ ድማ ናብ ሕይወት ቅድስና ይመርሓና ክብሉ ኣስተምሃሩ።

"ክንደይ ክርስትያን ኰን እዮም ንገለ ኻብቲ ድኽመታቶም ኪሰግርዎ ብዘይምኽኣሎም ብንብዓት ናብ ቅድስና ዝበጽሑ! እንተዀነ ግን ኣምላኽ ነቲ ንሶም ክገብርዎ ዝነበሮም ሠናይ ዕዮ ኸም ዝዛዘሞ ተመኪሮምዎ እዮም።"

ጸጋ ቅድሚ ኩሉ ንስነ - ምግባራዊ ተጸምዶና ወትሩ ከም ዝቕድሞ ድማ ገጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ከምዚ በሉ - "ነቲ መንፈሳውያን ሓይላት ክዓብን ክዅስዀስን ከም ዝኽእል ዝገልጽ ካብ ጥበብ ጥንታውያን ኣቦታት ዝረኸብናዮ ብዙሕ ትምህርቲ ፈጺምና ክንርስዖ የብልናን። እዚ ምእንቲ ክኸውን ድማ እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ክልምኖ ዘሎና ናይ መጀመርታ ውህበት ብልክዕ ጥበብ ኢዩ።"

ሰናይ ፍቓድን ሰፊሕ ኣተሓሳስባን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ወድሰብ "ተድላ ስምዒት ጠባያት ስምዒታት ከም ድላዮም ዝዕንድሩሉ፣ ንሱ ውን ሓድሓደ ግዜ ኣንጻር እዞም ሕንፍሽፍሽ ዘእትዉሉ ሓይልታት ዋላ ሓንቲ ኽገብር ዘይክእል ናጻ ሜዳ ኣይኰነን።"

ኣብዚ ኩነት እዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ክህልዎ ከም ዝግባእ ኣጕልሑ፣ እዚ ድማ "ንህይወት ብግቡእ ንምምራሕ ካብ ጌጋታት ክንመሃረሉ እንኽእል ጥበብ ንምርካብ " ከምኡውን ጽቡቕ ፍቓድ ክመርጹ ዝኽእሉ ኣመንቲ ምእንቲ ክንከውን ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ በቲ ብጽቡቕ ባህርያት ኣቢልና እንገብሮ ጕዕዞ ኣብቲ "በዳሂ ዝዀነ ህዱእ ኣድማስ " "ንሓጐስና ግን ወሳኒ ዝኾነ" ጌርና ክንቅበሎ ከም ዘሎና ብምትብባዕ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ ።

14 March 2024, 09:33