ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ኣምላኽ ኣብ ሕቑፉ የንብረናን ካብ ሓጢኣትና ሓራ የውጽኣናን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፣ ኣምላኽ ኣዝዩ ስለ ዜፍቅረና ንክዅንነና ኢሉ ኣብ ፍርዲ ኼእትወና ኸም ዘይደሊ፣ የግዳስ ዋላ ሓደ’ኳ ኻባና ምእንቲ ኸይጠፍእ ንዅላትና ኣብ ሕቝፉ ከንብረናን ኬድሕነናን ከም ዚደሊ ኣስተምሃሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመናን ነጋድያን ኣብ ዝለገስዎ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ፦

ሓጢኣትና ወይ ውን ብጌጋታትና ኣዝዩ ዝኸበደና ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዓና ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኬጸናንዓናን ኬድሕነናን ድሉው እዩ ።

ኣብቲ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ዝሰበኾ ቅዱስ ወንጌል፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ መሰረት ብምግባር ቅዱስ ኣቦና እዛ ራብዐይቲ ሰንበት ናይ ዘመነ ዓቢይ ጾም ኣብነት ናይ ኒቆዲሞስ ከም እተመልከተልና ኣስተምሃሩ ።

ኢየሱስ ኬድሕን ደኣ እምበር ኪዅንን ኣይመጸን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም እዚ ፈሪሳዊ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ትእምርትታት ርእዩ ኣምላኽ ዝለኣኾ መምህር ከም ምዃኑ ኣለለዮ እሞ፣ ምእንቲ ኸይርአ ብለይቲ ኺረኽቦ ኸደ ። ጐይታ ውን ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐበሎ ምስኡ ውን ኣዋግዐ፣ ንሱ ንዓለም ኬድሕና ደኣ እምበር ኪዅንኖ ኸም ዘይመጸ ድማ ገለጸሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም "ሓንሳእ ደው ኢልና እስከ ብዛዕባ እዚ ነስተንትን" በሉ። ሠናይ ዝኾነ ዛንታ ኢዩ . . ."

ቅዱስነቶም ብምቕጻል "ወላ ሓደ እኳ ፍጹም ዝኾነ ሰብ የልቦን " ከምኡውን "ኵላትና ሓጥኣን ኢና" ብምባል ይዝክሩ እሞ፣ እዚ ግን ነቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዘደንቕ ፍቕሪ ዝዕንቅፎ ኣይኮነን ።

ኣብ ሕቝፉ የንብረና

ጐይታ ኣጻብዑ ናባና ዘወጣውጥ ዘይኮነ የግዳስ "ንህይወትና ከም ዝሓቝፍ " ማለት" ካብ ሓጢኣት ሓራ ኼውጽኣናን ኬድሕነናን " ከም ዚደሊ ብምግላጽ "ኣብ ቅድሚ ጐይታ ምስጢር ዝብሃል የልቦን " ድማ በሉ ።

ኣስዒቦም ቅዱስነቶም "ኢየሱስ ኣብ ፍርዲ ኼእትወናን ክኹነናን ኣይደልን እዩ፣ ዋላ ሓደ ኻባና ኺጠፍእ ውን ኣይደልን እዩ " በሉ ።

ቅዱስ አቦና ዅሉ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዝገብሮ ፍርድን ሕሜታን ብዙሕ ሳዕ ኪሓስብ ተማሕጸኑ፣ ኣብ ክንዳኡስ ከምቲ ክርስቶስ ዚገብሮ ንኻልኦት ብምሕረት ኪርእዮም ንጐይታ ክንልምኖ ኣተባብዑና ።

ብጸጋ ጐይታ ምቕያር

ቅዱስ ኣቦና ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል - "ጐይታ ንነፍሲ ወከፍና ዘለዎ ጠመተ ዝደጕሕ መብራህቲ ዘጨንቐናን ዘዕዉረና ኣይኰነን፣ የግዳስ እቲ ኣባና ዘሎ ጽቡቕ ነገራት ንኽንርኢ ከምኡውን ነቲ እከይ ንኽንግንዘቦ ዝሕግዘና ሕያውነት ዝመልኦ መብራህቲ ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንኽንሳሕን ብጸጋኡ ኽንሓውን ንኽእል፣" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመናን ነቲ ኣብነት ፍቕሪ ኣምላኽ ክስዕብዎን ክመስልዎን ብምምሕጻን ከምኡውን ንሓድሕድና ጽቡቕ ክንምነ ናብታ ቅድስተ ቅዱሳን አዴና ጸሎት ብምዕራግ ስብከቶም ዛዘሙ ።

11 March 2024, 15:40