ድለ

2024.03.27 Udienza auletta 2024.03.27 Udienza auletta   (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ነቶም ኣብ መንጎ ውግእ ዕርክነት ዝፈጠሩ ሓደ ዓረብን ሓደ እስራኤላውን ሓቚፎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ክልተ በቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ብዝካየድ ዘሎ ውግእ ደቆም ዝሞትዎም ሓደ እስራኤላውን ሓደ ዓረብን ተራኺቦም፣ እዞም ክልተ ሰብኡት እዚኣቶም "ክንየው ጽልእን ውግእን ዝረኣዩን" ሕጂ ኸኣ ኣዕሩኽ ዝኾኑን ኢዮም ክብሉ መስከሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርቶስ፣ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰምታን ምሕጽንታን ብዛዕባ ትዕግስቲ ድሕሪ ኣስተምሂሮም፣ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግኣት ከም ብሓድሽ ኰነንዎ ፣ ሰላም ክግበር ድማ ምሕጽንታ ዓቕሪቦም ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ብዛዕባ ክልተ ኣቦታት ብሰንኪ እቲ ኣብታ ቕድስቲ መሬት ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ብዙሕ እተሳቐዩ ክምስክሩ ተረኽቡ ።

ባሳም ኣራሚን ዚበሃል ዓረብን ከምኡውን ራሚ ኤልሃናን ዚበሃል እስራኤላዊን ብሰንኪ እቲ ኣብታ ቕድስቲ መሬት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደቂ 10ን 13ን ዝዕድሚአን ደቆም ዝሰኣኑ ኢዮም ።

ክልቲኦም ነቲ ንወለዲ ከጋትሞም ዝኽእል ዝዓበየ ስቓይ ስለ ዘሕለፉ፣ ኣብ ነንሓድሕዶም ምጽንናዕን ዕርክነትን ረኺቦም እዮም ። ባሳም እታ ጓል 10 ዓመት ዝነበረት ጓሉ ኣቢር፣ ብሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ብዝተኰሶ ጥይት ክትመውት ከላ ርእዩ፣ ራሚ ግን ነታ ጓል 13 ዓመት ዝነበረት ጓሉ ስማዳር፣ ኣብቲ ኣብ ፍልስጥኤም እተፈጸም ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ስኢንዋ ።

ቅትለት ደቆም ዝረኣዩ 'ሓደ ዓይነት መስቀል'

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም "ከምቲ እዮብ ዝመሃረና ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸበባ ዘለና ዀይኑ ምስ ዝስምዓና ንደግነት ኣምላኽ ተስፋ ብምግባር ትጽቢታትና ከየጉደልና ብምትእምማን ምስ ገዛእ ርእስና ክንቃለስ ሰናይ ኢዩ" ብምባል ብትዕግስቲ ኢና ክንገጥሞ ዘሎና በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጸገማት ብኸመይ ብትዕግስቲ ከም እትጻወሮ ድሕሪ ኣስተምሂሮም፣ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ገለ "ክልተ ኣቦታት " ዝተሰምዩ ኽልተ ሰባት ኣብ መንጐኦም ከም ዘለዉ ገለጹ ፣ እቲ ሓደ እስራኤላዊ እቲ ኻልኣይ ከኣ ዓረብ ምዃኑ ድማ ኣመልከቱ ።

ክልቲአም ድማ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ደቆም ከም ዝሰኣኑን ክልቲኦም ድማ ኣዕሩኽ ከም ምዃኖም ገለጹ ።

ንሳቶም "ነቲ ጽልኢ ውግእ ኣይርእይዎን እዮም" ድማ በሉ። እዞም ኣቦታ እዚኣቶም  ዕርክነቶም አብቲ ንሶም ንሓድሕዶም ዚተሓላለዩሉን ኣብቲ ዘጋጠሞም ተመሳሳሊ መስቀል ዝምርኮስ ኢዩ " ድማ በሉ።

'ስለ ምስክርነትኩም አመስግነኩም'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ብዛዕባ እዞም ኣብታ ቅድስቲ መሬት ብሞት ደቆም እተሳቐዩ ኽልተ ኣቦታት ዚገልጽ ባህ ዜብል ምስክርነት እስከ ንርአ" በሉ።

ቅዱስነቶም ንኽልቲኦም "ፍቑራት ኣሕዋት" ኢሎም ብምጽዋዕ ስለቲ ዝገበርዎ ምስክርነት ኣመስገንዎም።

ኣብ ቅድሚ እቶም ተጋባእቲ ድሕሪ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣደራሽ እተገብረ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሓጺር ግዜ ናይ ብሕቲ ዝርርብ ምሳኦም ኣካዪዶም ።

ምእትንቲ ሰላም ዩክረይንን ቅድስቲ መሬትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንስኮ ነቶም ቋንቋ ኢጣልያ ዚዛረቡ ነጋድያን ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ከአ ኣብ ዩክረይንን ኣብታ ቕድስቲ መሬትን ሰላም ምእንቲ ክርከብ ኸም ብሓድሽ ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

"ኣቱም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሰላም ኪወሃበና ንጸሊ" ድማ በሉ። "ጐይታ ነታ መጃ ትኸውን ዘላ ዩክረይን ከቢድ መጥቃዕቲ ስለ ዝወረዳ ከምኡውን ንእስራኤልን ፍልስጥኤምን ሰላም ይሃበን። ኣብታ ቕድስቲ መሬት ውን ሰላም የውርድ። " ክብኡ ጸሎት ኣዕረጉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ጐይታ ንዅሎም ብበዓለ ትንሳኤኡ ናይ ሰላም ህያብ ክህቦም ብምጽላይ መደረኦም ዛዘሙ ።

27 March 2024, 17:49