ድለ

2024.03.11 ጳጳሳት ዞባ ማርከ: ር.ሊ.ጳ. ናብ ጭቡጥ ጸገማት ህይወትና ቀረባ 2024.03.11 ጳጳሳት ዞባ ማርከ: ር.ሊ.ጳ. ናብ ጭቡጥ ጸገማት ህይወትና ቀረባ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ጳጳሳት ዞባ ማርከ: ር.ሊ.ጳ. ናብ ጭቡጥ ጸገማት ህይወትና ቀረባ

ዕለት 11 መጋቢት 2024 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሓዋርይዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ማእከላይ ኢጣልያ ጉባኤ ጳጳሳት ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ክልተ ሰዓት ዝወሰደ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ኣብ ዞባ ማርከ ንቤተክርስትያን ዝጽበያ ዘሎ ሓድሽ ብድሆታት፡ ከምኡ’ውን ድሕሪ ርእደ መሬትን ለበዳን ውሕጅን ኩነታት እቲ ዞባ ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ኣማእኪሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ “ቅንዕና ዝመልኦ፡ ግሉጽ፡ ቀጥታውን፡ ካብ ሓደ ምስ ጭቡጥ ጸገማት ህይወት ማእከላይ ኢጣሊያን ቤተ ክርስቲያን እቲ ዞባን ቀረባ ምስ ዝኾኑ ር.ሊ.ጳጳሳት ዝተካየደ ክልተ ሰዓት ዝወሰደ በገባብ ሕቶን መልስን ዝተመርሐ” እዩ ነይሩ እንክብሉ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ዞባ ማርከ ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ኣቡነ ናዛረኖ ማርኮኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ እቲ ዕለት 11 መጋቢት ናይ ዞባ ማእከላይ ኢጣሊያ ጳጳሳት ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዘካየድዎ ርክብ ኣማእኪሎም ኣቡነ ማርኮኒ ከም ዝገለጽዎ፡ ናይቲ ዞባ ሰበኻታት ህልው ኩነታት፡ ብፍላይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ብሰንኪ ርእደ መሬት፡ ምዕልቕላቕ ማይ . . . ኣብ ዘመነ ኮቪድ ዘጋጠመ ዝገደደ ኩነታት ሃገረ ስብከታትና ብቐረባ ዝከታተሉ ቅርበቶም ዘረጋገጽሉን ጓሳዊ ብድሆታት ኣብዚ ዓቢ ለውጢ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፥ ብፍላይ ድማ ንስድራ ቤትን መንሰያትን ዘሎ ቅርበትን ኣብ መንጎ ወለዶታት እምነት ንምትሕልላፍ ዘጋጥም ጸገማትን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ቃለ ምዕዳን ዝለገስሉ ዘዕግብ ግልጽን ቅንዕና ዝመልኦ ቀጥታዊ ርክብ እዩ ነይሪ ኢሎም።

መግለጺ ጳጳሳት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ "ነቶም ናይቲ ጉባኤ ጳጳሳት ኣባላት ዘቕረብሎም ሕቶታት መሊሶም፡ ናይ ሓባር መንገዲ ኣብያተ ክርስቲያናት ማርከ ኣተባቢዖም፡ እዚ ምትሕብባር እዚ ድማ ምስ ጸገማትና ብፍላይ ድማ ምስቲ ዝተሓላለኸ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ርእደ መሬትን ለበዳን ምዕልቕላቕ ማይን ዘስዓቦ ኩለ መዳያዊ ዕንወት ዝጠልቦ ማሕበራዊ ዳግመ ህንጸት" ብምዝኽኻር ኣብዚ መዳይ እዚ ምሉእ ምትሕብባር ክህሉን ሓደራ ከም ዝበሉን፡ "ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ሰበኻታት ዞባ ማርከ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝተቐበሎ ንቤተ ክርስቲያን ዞባ ማርከ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ንኣሽቱ ሰበኻታት ምኩር ዝኾነ ሕሉፍ ትውፊትን እምነትን መሰረት ናብ ብሉጽ መጻኢ ንምጉዓዝ ዝመርሕ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ከስተውዕሎ” እውን ሓደራ ከም ዝበሉ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መገልጺ ናይ ዞባ ማርከ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ኣቡነ ማርኮኒ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጳጳሳት ዞባ ማርከ: ር.ሊ.ጳ. ናብ ጭቡጥ ጸገማት ህይወትና ቀረባ
12 March 2024, 16:00