ድለ

2024.02.16 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ጣልያን: ቤተ ክርስቲያን "ኣብ መስርሕ ዘላ ስራሕ" እያ 2024.02.16 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ጣልያን: ቤተ ክርስቲያን "ኣብ መስርሕ ዘላ ስራሕ" እያ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ጣልያን: ቤተ ክርስቲያን "ኣብ መስርሕ ዘላ ስራሕ" እያ

ዕለት 16 ለካቲት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመፈሳዊ ንግደት ሮማ ንዝመጹ ናይ ናፖሊ ሜጥሮጶሊታ ሊቀ ጳጳሳዊ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ተቐቢሎም፥ ቤተ ክርስቲያን “ክፉት ናይ ህንጻት ቦታ፥ ምእመናን ንመንፈስ ቅዱስን ምልክታትን ዘመንና እናሰምዑ ብሲኖዶናውነት ኣገባብ ብሓባር ዝጓዕዙላ” ምዃና የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ቤተክርስቲያን ልዕሊ ኩሉ ክፉት ናይ ህንጸት ቦታ እያ” “ብቐጻሊ ኣብ ምንቅስቓስ ዘላ፣ ንሓድሽነት መንፈስ ቅዱስ ክፉት፣ ንርእሳን ረብሓታታን ንምዕቃብ ዝግበር ፈተና ትስዕር” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ መበል 90 ዓመት ቅዋመኡ ዘብዕል ዘሎ ናይ ርእሰ ሰበኻ ናፖሊ "ኣሌስዮ ኣስካለሲ" እተሰምየ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣባላት ዕለት 16 ለካቲት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፥  

ኣብ ህንጸት እትርከብ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን

ቁዱስነቶም ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ናፖሊ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣዳራሽ ቀለመንጦስ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፥ “ጽባቐ ወንጌል” ናብ ናይ ዘመንና ሰባት ንምብጻሕ ንመንፈስ ቅዱስን ጠለባቶምን ንምስማዕ ዝሕግዝ ቀጻሊ ህንጸት ከም ዘድልይ ኣተሓሳሲቦም፥ “ንዘክር – ህንጸት ፈጺሙ ዘብቅዕ ኣይኮነን፡ ኣብ ምሉእ ህይወት ዝቕጽል እዩ እንተዘይኮኑ ግና ኣብ ደውታ እውን ዘይኮነስ ንድሕሪት ኢና ንምለስ፥

ኣብ ጎኒ እቲ ዝተሰቕለን ዝተንስኤን ክርስቶስ እትመላለስን ንመንፈስ ቅዱስ እትሰምዕን ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣገልገልቲ ምዃን ማለት እዩ። “ኣገልገልቲ” ትሑታትን፣ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩነታት ከመይ ጌሮም ናይ ጉስነት ምስትውዓል ቅዲ ክሕዙ ዝፈልጡ” እያቶም።

“ንናይ ሎሚ ዝተሓላለኸ ክውንነት ሓደን ኣቐዲሙ ዝተዓሸገን መልሲ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና፣ እንተኾነ ግን ነቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ምእዋጅን ቀረባን ብጻይን ብምዃንን፣ ብኣቦነት፣ ብለውሃት፣ ብጥበብ ምስትውዓል ኣብ ምግላጹ ጸዓትና ከነውፍር ኣሎና።”

ናብ ክህነት ዝወስድ መንገዲ እውን ናይ ህንጸት ቦታ እዩ

እቲ ናብ ክህነት ዝወስድ መንገዲ እውን መጻኢ ካህናት “ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ዕዮኡ ክሃንጽ ብምፍቃድ ኣብ ሓቂ ክጽመዱ ዝተጸውዑሉ” ናይ ህንጸት ቦታ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱሰንቶም ኣስዒቦም፥ ነቶም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሎም ኣብ ሕይወቶም “ጐይታ ክዋሳእ” ንኽፈቕዱ ዝፈርሑ ክኾኑ ከም ዘይብሎም ዓዲሞም፥ “እቲ ውሽጣዊ ምስሉይነት ምስ ኣጽረኹም፡ መንፈስ ቅዱስ ሓድሽ ልቢ ክህበኩም እዩ፣ በቲ ናይ ኢየሱስ ቅዲ ኣቢሉ ድማ ንህይወትኩም ይሓንጽን ሓደስቲ ፍጥረታትን ልኡካንን ደቀ መዛሙርቲን ክገብረኩም እዩ።”

. . . “ብርግጽ ከቢድ ስራሕ ክኸውን ይኽእል” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ “ግናኸ ተኣዘዝትን ሓቀይናታትን ኮይንኩም፣ ንተግባር መንፈስ ቅድስ ክፉታት እንተድኣ ኮይንኩም፣ ንርእስኹም ከየትረርኩም ከይተኸላኸልኩምን ብምንባር፣ ኣብ ውሽጢ ድኽመትኩም ንጹህ ለውሃትን ሓሴትን ጐይታ ኣብ ኣገልግሎት” ክትረኽብዎ ኢኹም።

ስለዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት 'ኣዕሚቖም ኪዅዕቱ . . . ሓቀይና ክኾኑን ' ውሽጣዊ ህይወቶም ኬማዕብሉ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ኬስተንትኑ ከምኡውን "ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕቶታትን ቲዮሎግያዊ ዀነ ጕስነታዊ ጕዳያትን ኪምርምሩ" ከም ዘተባብዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ስምዒታውን ሰብኣውን ብስለት ክዓዩ እውን ለበዋ ኣቕሪቦም: “ብዘይ ንሱ” “ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይብጻሕን!”

ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ንባዕሉ ናይ ህንጸት ቦታ ምዃኑ፣ ንኣገልግሎት ክህነት ምስ ድሌታት ዘመንና ንምትዕጽጻፍ ሓድሽ ናይ ሕንጸት መደባት ዝተኣታተወሉ ምዃኑ ዘስተብሃሉ ቅዱሰንቶም፥ ነቲ “ሓድሽ ነገራት” ናይ ጸጋን ኣገልግሎትን ኣጋጣሚታት ህላወ ኣምላኽ ብምስትውዓል" ሓንጎፋይ ቢልካ ንኽትቅበል መታን።

ሕውነት ካህናት ንዓለም ከቐርቡ ካብ ዘለዎም ዓበይቲ ምስክርነት ሓደ እዩ

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ንኣባላት ማሕበረሰብ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣብቲ ናይ 2024 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም መልኽቶም ዝበለዎ፥ ኣብ መገዲ ምልዋጥን ሕዳሴን" . . . ኣብቲ ንገዛእ ርእሶም "ብፍቕሪ ኣምላኽ ብሓድሽ ምድናቕ ክስዕሩ" ማለት "ጣዕሚ ቁጥብነት ሓጐስ ክረኽቡ" ብምፍቃድ ክጓዓዙ ኣተባቢዖም። እዚ እውን "ብሰላምን ብስኒትን ብትሕትና ምንባር ምምሃርን" ኢዩ። "ብፍላይ ሎሚ ንዓለም ክንህባ እንኽእል ዝዓበየ ምስክርነት እዩ፣” “ሕውነት ብፍላይ ኣብዚ ዘለናሉ ዘመን ካብቲ ንዓለም ከነቕርቦ እንኽእል ዝዓበየ ምስክርነት እዩ” እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፥

"ነቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ዕዮኦም" ንቕዱስ ሓላዊ ናፖሊ ቅዱስ ጀናሮ ንቅዱስ ቪንቸንዞ ሮማኖ ዝተባህለ ኣብ ናፖሊ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዝተማህረ ናይ ሰበኻ ካህንን ነቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣበ ነፍስ ዝነበረ ዕለት 16 ለካቲት ዝዝከር ብጹዕ ማርያኖ ኣርቺየሮን ኣማላድነት ሕድሪ ብምባል ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።​

17 February 2024, 16:45