ድለ

2024.02.14 Udienza Generale 2024.02.14 Udienza Generale   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ዩክረይንን ቅድስቲ መሬት ዘሕለፍዎ ዘለዉ ስቓይ ይዝክሩ

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዘመነ ዓቢይ ጾም ኣመልኪቶም ንንስሓ ዝተዋህበና ዕድል ከም ምኹኑ ሓሳብ ምብቕራብ፣ ምስ ኵሎም እቶም ብውግእ ዚሳቐዩ ዝለዉ ብፍላይ ከኣ ምስ ሕዝብታት ዩክረይንን ፍልስጥኤምን እስራኤልን ደው ንኽብሉ ተማሕጸኑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን ኣብ ዝለገስዎ ሰላምታን ቃል ምሕጽንታን፣ ንዅሎም እቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ሰባት ክዝክርዎምን አብ ጐኖም ደውን ክብሉን ተላበውዎም ። ኣስዒቦም ቅዱስነቶም "ሎሚ ዘመነ ዓቢይ ጾም ንጅምር አሎና፣ ኣብዚ እዋን እዚ ከም ሓደ ዕድል ንስሓን ውሳጣዊ ምሕዳስን ወሲድና ቃል አምላኽ ብምስማዕን፡ ሓገዝና ንዘድልዮም ኣሕዋትና ኣሓትናን ብምድጋፍን፣ መንፈሳዊ ጕዕዞ ከነካይድ ንሰናዶ" እንክብሉ ምሕጽንታኦም ኣመሓላለፉ ።

"ብፍላይ ድማ ነቶም ብዙሕ መከራ ዝወረዶም ዘሎ ሕዝብታት ዩክረይን ፍልስጥኤም ከምኡውን እስራኤል ፈጺምና ኣይንረስዓዮም" ድማ በሉ ። ወሲኾም ድማ "ምእንቲ እዞም ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ንጸሊ" ብምባል ሓደራ ኣመሓላለፉ ።

ኣስዒቦም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንነጋድያን ተዛረብቲ ቋንቋ ፖላንድ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኵለን ኣብያተ-ክርስትያን ሃገረ ፖላንድ ንሕዝቢ ዩክረይን ንምሕጋዝ ገንዘብ ኣብ ምውጻእ ተወዲቦም ይሰርሑ ንዘለዉ ፖላንዳውያን ምእመናን ኣመስገንዎም።

"ኣብ ቅድሚ እዚ ኹሉ ብዙሕ ውግኣት ነቶም መሳኪን ልብና ኣይንዕጸወሎም" ክብሉ ዓደምዎም "ጸሎትን ጾምን ምጽዋትን ሰላም እንሃንጸሉ መገዲ ይኹነልና" ድማ በሉ።

14 February 2024, 17:22