ድለ

Palestinian doctor recounts ill-treatment during his detention by Israel Palestinian doctor recounts ill-treatment during his detention by Israel 

መዓልቲ ሕሙማት ፦ ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ ምያንማርን ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዩክረይን ንጸሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም እቶም ኣብ ኣብ መላዕ ዓለም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ዘይከአሉን ብፍላይ ከኣ ምእንቲ እቶም ዞባታት ውግእ ዝርከቡን ኣብ ምያንማርን ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዩክረይንን ዝኣመሰላ ብውግእ ዝዓነዋ ሃገራትን ንዘለዉ ጸሎት ኣዕሪጐም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ናይ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ንምስታፍ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምዕመና አብ ዘቅረብዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ዕለት 11 ለካቲት ዓለም ለኻዊት መዓልቲ ሕሙማት ከም ምዃና ብምግላጽ፣ እዛ መዓልቲ እዚኣ "ኣብዛ ዓመት እዚኣ፣ እቲ ኣብ ግዜ ሕማም ዘሎ ርክባትና ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ከነስተንትን ከም ዝድርኸና" ገለጹ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብ ግዜ ሕማምና ብቐዳምነት ዘድልየና ነገር እንተሎ "ናይ እነፍቅሮም ሰባት ቅርበት ኢዩ፣" ከምኡውን ናይቶም ሰብ ሞያ ጥዕናን ኮይኑ፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ኣምላኽ ከም ዘድልየና ኣመልከቱ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኵላትና ናብቶም መከራ ዚወርዶም ኬድና ክንቀርቦም ኢና ተጸዊዕና " ብምባል ኣጕልሑ ፣ እዚ ኸኣ ምስቶም ዝሓመሙ ወይ ድኹማት ከም ዘሎና ቅርበት ኢዩ ዘመልክት በሉ።

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ነዛ ዕለት እዛ ከነኽብር ከሎና ብስቕታ ዘይኮነስ - "ብዛዕባ እቶም ሎሚ መሰል ናይቶም ጥዕናዊ ክንክንን ግቡዕን ዘይረኸቡ፣  ህይወት ውን እተነፍጎም ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ምህላዎም ብምዝካር ኢና ከነኽብሮ ዘሎና ። "

"ሎሚ ብዛዕባ እቶም ኣብ ክቱር ድኽነት ዚነብሩ ዘለዉ እሓስብ ኣለኹ፣ ከምኡ ውን ብዛዕባ ዞባታት ውግእ እሓስብ ኣለኹ - መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት መዓልታዊ ይገሃስ ኢዩ ዘሎ! እዚ ድማ ክትጻወሮ ዘይከኣል እዩ" በሉ ። ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእንቲ ምያንማር ዩክረይን ፍልስጥኤም ከምኡውን እስራኤል ጸልዮም ።

12 February 2024, 18:09