ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሰላም ንኻልኦት ምፍላጥ፡ ምስማዕን ኣእምሮኣዊ ተዓጻጻፍነትን ይሓትት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሰላም ንኻልኦት ምፍላጥ፡ ምስማዕን ኣእምሮኣዊ ተዓጻጻፍነትን ይሓትት  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሰላም ንኻልኦት ምፍላጥ፡ ምስማዕን ኣእምሮኣዊ ተዓጻጻፍነትን ይሓትት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢማራት ዓረብ ርእሰ ከተማ ኣቡዳቢ ኣብ መንበረ ጥበብ መጽናዕታዊ መድረኽ ዛዕባ ስነ ምስልምና ኣብ ዝተኻየደ 4ይ ኣህጉራዊ ጉባኤ ንተሳተፉ ዘለዉ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን እዚ መደብ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ኣብ ኣቡዳቢ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝኸተምዎ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ ሕውነት ንዓለምለኻዊ ሰላምን ብሓባር ምንባርን ሰነድ ዝኽሪ ዝቖመ ኮይኑ፡ እቲ ሰነድ ካብ ዝኽተም ሓምሻይ ዓመት የቑጽር ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንኻልኦት ዘይምፍላጥን ዘይምስማዕን፡ ከምኡ’ውን ስእነት ኣእምሮኣዊ ተዓጻጻፍነት፡ “ንሕውነት ደቂ ሰባት ዘጥፍኡ” ሰለስተ "መሰረታዊ ጠንቂ" ኲናትን በደላትን፡ ሰብኣዊ ፍጥረት "ጥበብን ሰላምን" ክረክብ እንተኾይኑ ድማ ብንጹር ነዚ ከስትውዕሎ ይግባእ። ነዚ መርገጺ እዚ ዕለት 4 ለካቲት ናብቲ ካብ ዕለት 4 - 7 ለካቲት ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ስነ ምርምር መድርኽ ስነ ምስልምና ኣብ ኤወሮጳን ሊባኖስን ትሕቲ "እስላምን ሰብኣዊ ሕውነትን - ዘርስቱ ኣብ ኣቡ ዳቢ ዝተኸተመ ናይ ሓባር ሰነድ ዘሕደሮ ጽልዋን ተስፋታትን" ዘርእስቱ  ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዓውደ ጉባኤ

እዚ ስነ መጽናዕታዊ መድረኽ ብፈደራላዊ ማሕበር ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ኤውሮጳ (FECU) ኣብ 2014 ዓ.ም. ዝቖመ ኮይኑ፡ ኣብ ምስልምናን ኣብ ዘተ ክርስትያንን ኣስላምን ዝሰርሑ ምሁራት መጽናዕቶምን ሓሳባቶምን ዘካፍሉሉ ባይታ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ምሁራትን ማሕበራዊ ተዋሳእትን ምትእስሳር ንምትብባዕን ዝሃቀነ እውን እዩ። እዚ ብምኽንያት ሓሙሻይ ዓመት ዝኽሪ ኣዋጅ “ሰብኣዊ ሕውነት ንሰላም ዓለምን ብሓባር ምንባርን” ዘርስቱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ምስሪ ኣል-ኣዝሃር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕመድ ኣል-ጣየብን ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ቅዱሰነቶም ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ኮይኑ፡ ኣብዚ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ 57 ምሁራት መደረ ከምስዑ ከም ዝኾኑን ንሳቶም እውን ንመላእ ክፍለ ዓለም ዝውክሉ ካብ 40 መናብርተ ጥበብን ትካላት ምርምርን ዝተዋጽኡ መላእ ክፍለ ዓለም ዝውክሉ ዘካይድዎ ርክብ ነቲ ፍሉይ ሰነድ ንምግምጋምን እቲ ርክብ እውን ኣብ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ስነ-መለኮታውን ኵነታት ዓለማዊ ሰብኣዊ ሕውነት ንምድንፋዕ ዘድሊ ለውጥታት ንምድህሳስ ዝዓለመ እዩ።

ካብ ኢፍትሓውነትን ውግኣትን ዝመጽእ ብድሆታት ዝገጥሞ ሰብኣዊ ሕውነት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣዳለውቲ በቲ ዝተመርጽዎ ቦታን መራሕ ቃልን ንኢዶም፡ ዓለማዊ ሕውነትን ሓቢርካ ምንባርን፡ ኢፍትሓውነት ውግኣትን ብድሆታት ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን፡ እዚ “ኩሉ ግዜ ንሰብኣውነት ስዕረት እዩ” እንክብሉ ብምርግጋጽ፡ ሰነድ ኣቡዳቢ ኣብ ትካላት ትምህርቲ ዛዕባ መጽናዕትን ኣስተንትኖን ኮይኑ፡ ንህንጸት ሰላም፡ ፍትሒ፡ ከምኡ እውን ንመሰላት “ህዳጣን” ሕብረተሰብ ንምጉስጓስ ተወፋይነት ዘለዎም ሓደስቲ ወለዶታት ንምዕባይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት የመላኽቱ።

ኣገዳስነት ትምህርቲ ኣብ ዘተን ርክብን

ቀንዲ ጠንቂ ኩናት ንሓድሕድ ዘይምፍላጥን ዘይምርዳእን ምዃኑ ገሊጾም። ሓባራዊ ምትእምማን ምህናጽን ኣብ ልዕሊ እቲ “ሓውና ዝዀነ ካልእ" ዘሎ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ምቕያርን ድማ ንዅሉ ተቐባልነት ዘለዎ መስርሕ ሰላም ንምጅማር ኣድላዪ ባይታ ምዃኑ ኣጕሊሖም፡ ስለዚ እቲ ወሳኒ ኣገዳስነት ዘለዎ ድማ - "ኣብ ኣኽብሮትን ምርዳእን ካልኦት እተመርኰሰ ሕንጸት ዘይብሉ ሰላም ዋጋ የብሉን ዝብል ኮይኑ፣ "ዘተ ከም መገዲ ጌርና እንቕበለላ ባህ እተብል ዓለም ክንሃንጻ እንተደኣ ዄንና ሓባራዊ ምትሕብባር ከም ስርዓት ጠባይ ጌርና ክንቅበሎን፣ ከም ሜላን መምርሕትን ጌርና ምስ ክልኦት ጽቡቕ ምቅርራብ ምግባር፡ ኣብዚ ግዜና ኽንስዕቦ ዘሎና መገዲ ዘተን ርክብን ዘማእከለ ትምህርቲ ምሃብ የድሊ።"

ነቲ ካልእ ምስማዕ

ሰብኣዊ ብልሒ ኣንጻር ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብመሰረቱ “ምርኻብ” ምዃኑ ብምዝካር፡ ነቲ ካልእ ምስማዕ ዘለዎ ሓይሊ፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ኣብ ምርዳእን ምእንጋድን ሓቀይና ዘተ ዘለዎ ተራ ኣጉሊሖም፡ ብርግጽ እቲ ስእነት ምስማዕ “ንሕውነት ዝጎድእ ካልኣይ መጻወድያ” እዩ። “ንኽንካታዕ ምስማዕ ክንመሃር ኣለና፡ ማለት ስቕ ምባልን ህድእ ምባልን፡ እዚ ድማ ኣንጻር እቲ ህሉው ኣንፈት ናይቲ ብቅድመ ፍርድን ጫውጫውን ዝመልአ ድሕረ-ዘመናዊ ጽዑቕ ኩነት ዓለምና ንምኻድ።”

“ኣብ ኣባይቲ ስድራ፡ ፖለቲካዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት፡ ኣብ ውሽጢ መናብርተ ጥበብን ኣብ መንጎ ህዝብታትን ባህልታትን፡ ምስማዕ፡ ስቕታን ሓቀይና ቃላትን ብሓደ ግዜ እንተዝበዝሕ ሕማቕ ኩነታት ክንደይ ምተረፈ!

“ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ዝቕበሉ ቦታታት ምፍጣር ግዜ ምብኻን ዘይኮነስ ሰብኣውነት ዘኽስብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣድላይነት ምሁራዊ ተዓጻጻፍነት

በቲ ኻልእ ሸነኽ ቅዱሰንቶም ኣብ መልኽቶም፥ ክትዕ ምግባር ንውልቀ-ሰባት ተዓጻጸፍትን ግሉጻትን ኣሕዋትን ንምግባር ኣገዳስነት ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ተዓጻጻፍነት ዚወሃብ ትምህርቲ ዘለዎ ኣገዳስነት ብምምልካት፡ ኣብቲ ኣብ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ካይሮ ኣብ 2017 ዓ.ም. እተገብረ ኣህጉራዊ ዋዕላ ሰላም ተረኺቦም እተዛረብዎ ቓላት ብምዝካር፡ ጥበብ ነቲ ኻልእ ከም እትደሊ ንዝሓለፈ ኣኽቢራ ብምሓዝ ምስዚ ሕጂ ዘሎ ድማ ከም እትራኸብ የብርሁ።

ሕልሚ ሕውነት ኣብ ሰላም ኣብ ቃላት ተሓጺሩ ክተርፍ የብሉን

“ሕልሚ ሕውነት ኣብ ሰላም፡ ኣብ ቃላት ጥራይ ተሓጺሩ ከይተርፍ” ንተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ተላብዮም፡ ንዘተ ብኹሉ መዳይ ሓቚፎም ብቕዓት ተዓጻጻፍነትን ንዓለም ምስማዕን ከማዕብሉ ኣተባቢዖም።

“ህንጡይ ምዃንን፡ ተዓጻጻፍነትን ኣማዕብሉ፡ ንዓለም ስምዕዋ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትፍርሕዋ፡ ነቲ ዘይመረጽካዮ ግን ከኣ እግዚኣብሔር ኣብ ጎንኻ ንዘንበረልካ ሓውኻ ምስማዕን ምፍቃርን ክንመሃር መታን” እንክብሉ መልኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር፣

ኣብ ኣቡዳቢ ዝዝተየሎም ርእሰ ጉዳያት

እዚ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝካየድ ዋዕላ ኣብ ዙርያ ሰለስተ ዓበይቲ ኣርእስታት ዘተኮረ ኮይኑ፡ ኣብ ምድንፋዕ ሰብኣዊ ሕውነት ዝረኣዩ ዝተፈላለዩ መዳያትን ብድሆታትን ዝድህስስ እውን ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፥

እቲ ማሕበራዊ - ሕጋዊ ቅዉም ነገር፡ ነቲ ኣብ እተፈላለየ ባህልን እተፈላለየ ሃይማኖታትን ዘለዉ ሕብረተሰባት ብፍላይ ከኣ ኣብ ሕጋዊ ዕቝባ ህዳጣን ሃይማኖታት ዘተኰረ ጕዳይ ምሉእ ዜግነት ምሃብ ዝብል ሓሳብ ዝምርምር እውን እዩ። ዕላማኡ ጽቡቕ ልምድታትን ምስ ናጽነት ሃይማኖት ንዚተሓሓዝ ሻቕሎትን ናይ ህዳጣን ክፍሊ ሕብረተሰብ መሰላት ኣፍልጦ ምሃብን ዝብል ኮይኑ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብመሰረት ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ተሳተፍቲ ነቲ ሃይማኖትን ስነ-ሓሳብን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዝግበር ግጭታት ዘለዎ ግደ ከም ዝምርምሩን፡ ንሃይማኖታዊ ኣኽራርነትን ዘይተጻዋርነትን ንምቅላስ እተገብረ እወታዊ ኣብነታት ዝድህስስን፡ ብጀካ እዚ መንግስትታትን ኣህጉራውያን ውድባትን ከም ቀጻሊ ዕቤትን ሰብኣዊ መሰላትን ሰላምን ዝኣመሰለ ሓባራዊ ሸቶታት ኣብ ምድንፋዕ ሰዓብቲ ሃይማኖት ብኸመይ ክሳተፉ ኸም ዚኽእሉ እውን ዝምርምር ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ስነ-ሃይማኖታዊ - ዘተ ፍረ ነገር ነቲ ክርስትያናንን ኣስላምን ነዚ ሓባራዊ ሓድነት ንምምላስ ብዛዕባ ሕውነትን ተልእኾን ዘለዎም ምርዳእ ብኸመይ ከም ብሓድሽ ይሓስቡሉ ኸም ዘለዉ ንምምርማር እቲ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ዘበገሶ ስነ-ሃይማኖታዊ ነጸብራቕ ክዕሙቕ ምዃኑ የመላኽት።

05 February 2024, 15:44