ድለ

2024.02.02 Delegazione della Federazione Nazionale Italia Cina 2024.02.02 Delegazione della Federazione Nazionale Italia Cina   (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ባህላዊ ዘተ ጣልያንን ቻይናን የተባብዑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ሃገራዊ ፈደራላዊ ማሕበር ኢጣልያ-ቻይና ብምርኻብ፡ ባህላዊ ዘተ ንምዕባይን ሰባት “ሓነጽቲ ሰላምን ሕውነትን” ንኽኾኑ ንምሕጋዝን ዝግበር ጻዕሪ ይንእዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሃገራዊ ፈደራላዊ ማሕበር ኢጣልያ-ቻይና መበል 10 ዓመት ቅዋመኡ ኣብ ዘኽብርሉ ዘሎ እዋን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘተ ንምዕባይ ዝዓለመ ባህላዊ ተበግሶታት ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም።

ኣብቲ ዕለት 2 ጥሪ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ፈደራላዊ ማሕበር ኢጣልያ - ቻይና ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ “ባህላዊ ውህደት፡ ትምህርትን ምድንፋዕ ሓባራዊ ክብርታትን ዘስዕቦ ብድሆታት ንምስጋር እቲ ማሕበር ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታትን ንዝገብሮ ልግስን ኣመስግን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ "ማሕበረሰባት ጥልያንን ቻይናን ብዝበለጸ ምስ ዝፋለጡ፡ እዚ ድማ ናብ ዝዓበየ ሓድሕዳዊ ምቅብባልን ሕውነታዊ መንፈስን ዝመርሕ እዩ። እቲ ባህላዊ ርክብ ተስፋ ዘነቓቕሕ እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ “. . . ንኹልኹም ኣብ መንገዲ ዘተ ክህሉ ዝኽል ስግኣት ከይፈራሕኩም በዚ መገዲ እዚ ድማ መጋበርያ ሰላምን ሕውነትን’ ክትኮኑ እላበው” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

03 February 2024, 16:38