ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት፥ ንተግባር ኣምላኽ ቦታ ክህቡ ይላበዉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰብ ውፉይ ህይወት ዕለት 2 ለካቲት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣገዳስነት ጽንዓትን ከምኡ እውን ንናይ እግዚኣብሔር ተግባር ቦታ ንምሃብ ተባዓት ኩኑ እንክብሉ ተላብዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ዕለት 2 ለካቲት ማርያምን ዮሴፍን ንኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ዘቕረብሉ ዓመታዊ ክብረ በዓል ምስ እትዝክረሉ ዕለት ተተሓሒዙ ዝበዓል ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰብ ውፉይ ህይወት ምኽንያት ኣብዚ መበል 28 ዓለም ለኸ መዓልቲ ውፉያን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምሸት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ማሕበራት ብወጌላዊ መንፈስ ንኽንቀሳቐሱ፡ ከምኡ’ውን ምስ ወንጌል ተሰማሚዖም ነቲ ዘለዎም ሃንቀውታ ንግዚኣብሔር ዳግማይ ንምንቕቓሕ ወትሩ ክፉታት ክኾኑ የተባብዑ።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰብ ውፉይ ህይወት ካብ 1997 ዓ.ም. እትሒዙ ዕለት 2 ለካቲት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማርያምን ዮሴፍን ንኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ዘቕረብሉ ምስ እተብዕሎ ክብረ በዓል ተተሓሒዙ ከበዓል ከም ዝጀመረን ናይ ለምዘበል ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰብ ውፉይ ህይወት መርሕ ቃል፥ "ፈለስቲ ተስፋ ኣብ መንገዲ ሰላም" ዝብል ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ኣባላት ዝተፈላለያ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካህናትን ደናግልን ማሕበራት ሓዋርያዊ ሕይወትን ንቅዱስ ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ንምስንዳው ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ኣኼባ ዝሳተፉን፥  ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ “ብትዕግስቲ፡ ንቑሓትን ኣብ መንፈስ ጸሎት ጽኑዓት ብምዃን . . . ውሽጣዊ ሕይወትና ብምሕላው ምስ ወንጌል ብምስምማዕ፡ ነቲ ብርሃንን ተስፋን ህይወት ዝዀነ ኢየሱስ ክንሓቁፍ ንጽበ” ኢሎም።

ንቕሓትን ጽንዓትን

ነቲ ነቢይ ሚልኪያስ ዝተነበዮ ምጽኣት ጎይታ – “እቲ እትጽበይዎ ጎይታ ሃንደበት ናብ ቤተ መቕደሱ ክመጽእ እዩ” ዝበሎ ጠቒሶም፡ ነቶም ብመንፈስስ ቅዱስ ተነቓቒሖም ነቲ ዝመጽእ ኣብቲ ማርያም ኣብ ሕቑፍኣ ሒዛቶ ናብ ቤት መቐድስ ዘቕረበቶ ህጻን ዘለለዩ ስምዖንን ሃናን ነስተውዕል፥ “ነዞም ብትዕግስቲ ዝጽበዩ ዝነበሩ፡ ብመንፈስ ንቑሓት፡ ብጸሎት ጽኑዓት ዝነበሩ ክልተ ኣረጋውያን ክንጥምት ጽቡቕ እዩ። ልቦም ወትሩ ንቑሕ ብዕድመ ኣረጋውያን እኳ እንተነበሩ፡ ብልቦም ግን መንእሰያት ዝነበሩ እያቶም።”

ስምዖንን ሃናን ሃልሃልታ ተስፋ ናይ ምዕቃብ ክእለቶም፡ ክርስትያን፡ ኣብዛ ብዘደናግርን ኣንፈት ብዘስሕት ነገራት ዝተመልአት ዓለም፡ ኣዒንቶም ኣብ ኣምላኽ ኣተኲሮም ትጽቢት ክነብሩ ከም ዘለዎም ዘዘኻኽር እዩ። . . . “ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ሽግርን ተስፋ ምቑራጽ ዘጋጠመሞ እውን እንተኾነ ንስዕረት ኢዶም ኣይሃቡን” ዝበሉ ቅዱስነቶም ነቲ ብማርያም ናብ ቤተ ምቕደስ ዝቐረበ ህጻን ከስተንትኑ እንከለዉ፥ “ግዜ ከም ዝበጽሐ፡ እቲ ትንቢት ከም ዝተፈጸመ ስምዖንን ሃናን የስትውዕሉ፡ እቲ ሓደ ዝደልይዎን ሃረር ዝበልዎን መሲሕ ኣህዛብ ስለ ዝመጸ፡”

“ንጐይታ ንቑሓ ኮይኖም ዝጽበዩ ብንቕሓት ምጽባይ ዝፈልጡ ኣብ ሓድሽ ምጽኣት ንጎይታ ክቕበሉ ይኽእሉ!”

እቶም ኣብ ገዛእ ርእሶምን ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ኣዝዮም ተዋሒጦም ዝርከቡ ናይ ሎሚ ክርስትያን ንቐጻሊ ህላወ ኣምላኽ ከለልዩ ዝኽእልሉ ቦታ ዘለዎም ከም ዘይመስል ድማ ስክፍታኦም ብምግላጽ፡ “መንፈስና ክድቅስ”፡ “ልቢ ክድቅስ” ኣይንፍቀድ ሓደራ እንክብሉ ኣጠንቂቖም፥ ምእንቲ መንፈስ ምንድናቕን ኣብ ጸላም ተስፋ ካብ ምቑራጽን ገዛእ ርእስኻ ካብ ምዕጻውን ንምልቓቕ።” . . . እቲ ጽዑቕ ህርመት ሕይወት፡ ንኣምላኽ ንምግላጽን ህላዌኡን ብኽፉት ልቢ ምጽባይ ኣገዳስነቱ ንኽርስዑ ገይሩ እንተኾይኑ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሰብ ውፉይን ህይወት ንገዛእ ርእሱ ይሕተት!”

ኣብ ምጽባይ ዘጋጥም ዕንቅፋታት

ቀጺሎም ቅዱሰንቶም ነቲ ናይ ምጽባይ ዓቕሚ ዝዕንቅፉ ክልተ መዳያት ኣለልዮም። እቲ ቀዳማይ፡ ድኻም ንናይ ምድናቕ ስምዒት፡ ምረት ንምስጋና ዝትክኣሉ ኩነት ዘስዕብ ውሽጣዊ ህይወት ሸለል ምባል ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ካልኣይ ዕንቅፋት ድማ ምስቲ ብቕልጣፈን ንጥፈታውነትን ብቕጽበታዊ ዕግበት ምድላይን ዝልለ ዓለማዊ ኣነባብራ ኣብ ተርባጽ ንጡፍትነት ምንባር ዝብል እዩ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረማዊ ግዜ ምጽባይ ብድሆ ምዃኑ ገሊጾም። “ስቕታ ኣብ ዝንጸገሉ ግዜ ምጽባይ ቀሊል ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ምጽባይ ጥዑይ ተሓላቕነት ዝሓትት ኣተሓሳስባ፡ ናህርና ንምዝሓል፡ ብንጥፈታት ከይንውሕዝ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእስና ንተግባር ኣምላኽ ቦታ ንኽንህብ ትብዓት ዝለ ዝሓትት . . . ነዚ ንምግባር ነቲ ዝጠፍአ ጸጋ ንሱ ድማ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ናፍቖት እግዚኣብሔር ንምምላስ: ንጽዑቕ ውሽጣዊ ሕይወት ዘበራብር ናብ መንፈስ ትሑት ሓሴትን ዘመስግን ጽምዋን ኣባና ዘሎ እግዚኣብሔር ሃረር ናይ ምባል ባህርይ ዳግማይ ምንቕቓሕ የድሊ! . . . መንፈስ ዓለም ኣብ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ማሕበረሰባትናን ቤተ ክርስቲያናዊ ሕይወትናን ውልቃዊ ጉዕዞናን ከይኣቱ ሓደራ፡ መታን ፍረ ዘየፍርዩ ኮይንና ከይንተርፍ” ቢሎም . . . ናይ ምጽባይ መንፈስ ከነማዕብል ጻውዒት የቕርቡ።

. . . "ብጸሎትን መዓልታዊ ተኣማንነትን ዝበሰለ ምጽባይ፡ ካብ ምልኾ ስሉጥነት ልዕሊ ዅሉ ድማ ካብ ኣምሰሉነት ሓራ የውጽእ ኢዩ። ከመይሲ ወትሩ ብዘይተጸበናዮ መገድታት ሓድሓደ ግዜ ብዘይንመርጾን ብዘይተጸበናዮ መገድን ስለ ዝመጽእ ። "

ከም ስምኦን ነዚ ኣምላኽ ሓድሽነትን ዘይተጸበናዮ ነገራትን ዝዀነ ቘልዓ እውን ኣብ ሕቅፎና ነንብሮ። ከም ኣረጋዊ ስምዖን ኣባና ንጐይታ እንቕበሎ እንተ ደኣ ኴይንና እቲ ናይ ቀደም ንመጻእን ነቲ ንሱ ዜተንስኦ ሓድሽ ነገርን ርህዋት ይገብረና።"

“ንጐይታ ምቕባል፡ ሕሉፍ ንመጻኢ ይኽፈት”

 “እዚ ሕቶታት ንዓና ንማሕበረሰብናን ንቤተ ክርስቲያንን እዩ” ብምባል ነቶም ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡ ኣዘኻኺሮም፥ “ልሙሳት ኣይንኹን፡ ከም ስምኦንን ሃናን ብመንፈስ ንንቀሳቐስ። ከምኦም ብትጽቢት፣ ውሽጣዊ ሕይወትና ሓሊና ምስ ወንጌል ተሰማሚዕና እንተነቢርና፣ ነቲ ብርሃንን ተስፋን ህይወት ዝኾነ ኢየሱስ ክንሓቑፎ ኢና” እንክብሉ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 February 2024, 16:50