ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ሓንጎፋይ ዝብል ምቕባል' ኣብ ሕመረት 'ስኢል ተኣምኖ' ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ሓንጎፋይ ዝብል ምቕባል' ኣብ ሕመረት 'ስኢል ተኣምኖ'  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ሓንጎፋይ ዝብል ምቕባል' ኣብ ሕመረት 'ስኢል ተኣምኖ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኢጣልያ “ክረደረ” እተሰምየ ሰሙናዊ መጽሔታዊ ጋዜጣ ቃለ መሕትት ከም ዘካየዱን ብዛዕባ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቫቲካን ዝወጸ ሰነድ ‘ስኢል ተኣምኖ’ ዓቕለስያውያን ምንቅስቓሳትን ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝምልከቱ ኣርስታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ኣብ ሕመረት ጉስነታዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ተቕባልን ኣንግዶትን ዝብል ክፉት መንፈስ ደጊሞም የዘኻኽሩ።

ከምኡ እውን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ዝወጸ ስኢል ተኣምኖ ዘርስቱ ሰነድ ኣብ ግምት ዘእተወ ሓደኣዊ ጾታዊ ሓዊሱ "ዘይስሩዕ" ዝበሃል ጽምዶ ንዝነብሩ ውልቀ ሰባት ክወሃብ ዝኽእል ቡራኬ ዘብርህ ሰነድ መሰረት መግለጺ ሂቦም።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዕለት 8 ለካቲት ንምባብ ዝበቕዐ ‘ክረደረ’ እተሰምየ ሰሙናዊት መጽሔት ናብቲ ዝተፈላለየ ግብረ መልስን ክትዓትን ዘስዓበ ከምዚ ዘይስሩዕ ዝበሃል ጽምዶ ንዝነብሩ ቡራኬ ምሃብ ክኡል ዝብል ርእሰ ጉዳይ መግለጺ ከም ዝሃቡን "ኣነ - ነቲ ሓደኣዊ ጾታዊ ጽምዶ' ኣይባርኽን እየ፡ እንታይ ደኣ ነቶም ክልተ ንሓድሕዶም ዝፋቅወሩ ሰባት እባርኽን ስለይ ክጽልዩ እውን እሓትት” ኢሎም። "ኩሉ ግዜ ኣብ ኑዛዜ፡ ንዝቐርብ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎን፡ ዳግማይ ዝተመርዓዉ ሰባት - ኩሉ ግዜ እጽልን እባርኽን። እቲ ቡራኬ ንማንም ዝኽልከል ኣይኮነን። ንኹሉ ሰብ! ብዛዕባ ሰባት እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡ እቶም ምስጢረ ጥምቀት ክቕበሉ ዝኽእሉ!”

"እቲ ዝኸበደ ሓጢኣት" ወሲኾም ቅዱሰንቶም "እቶም ዝያዳ 'መልኣኻዊ' መልክዕ ሒዝካ ጻድቓን ተመሲልካ ክርአ ምባል እዩ። ምናልባት ንሰባት ንዝምዝምዝ በዓል ሃብቲ ቡራኬ እንተሃብኩ ዝዕንቀፍ ሰብ የለን: እዚ ድማ ኣዝዩ ከቢድ ሓጢኣት እዩ። ግን" ንሓደ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ንዘለዎ ቡራኬ እንተ ሂበ ኩሉ ይዕንቀፍን የዕዘምዝምን... እዚ ምስሉይነት እዩ! ኩላትና ክንባረኽ ኣለና። ኩሉ ሰብ! ስለዚ ሕመረት ናይቲ ስኢል ተኣምኖ ሰናይ እዩ።"

ቤተ ዓቕለሲያውያን ምንቅስቓሳት

ኣብ 2013 ዓ.ም ተዘክሮታት ሕርየት ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ጆርገ ማሪዮ ቦርጎሊዮ ተመክሮታቶም ኣብ ቡዌኖስ ኣየርስ፡ ወይ ካልእ ኣገደስቲ ኣርእስታት ከምኡ እውን ዓመተ ኢዮቤል፡ "ዋጋን ኣድላይነትን ጸሎት ዳግማይ ንምርካብ" ዝድግፍ "ናይ ጸጋ ፍጻመ" ምዃኑን ብዛዕባ ዓቕለስያውያን ምንቅስቓሳትን መንእሰያትን ኣብ ከም ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ወይ ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ሰባት ክርድእዎ ብዝኽእሉ ቋንቋ ዝዛረብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ወይ ጉስነት ዝምልከት ተመኩሮታቶም የካፍሉ።

"ዝተራቑ' ክውንነታትን ምንቅስቓሳትን እውን ኣለዉ" ብመጠኑ "ጽፈት ዘለዎም”። እዚ ምንቅስቓሳት እዚ "ካብ ካልኦት ጸብለል ዝበሉ ዀይኑ ዝስምዖም ሰባት እትሓቑፍ ንሽቶ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘቝሙ ኢዩ ዝገብሮም። እዚኣቶም ቅዱሳትን እሙናትን ህዝቢ ኣምላኽ ኣይኰኑን ። ህዝቢ ኣምላኽ ሓጥኣን ምዃኖም ብዚፈልጡ ኣመንቲ ዝቘመ እዩ። ነቲ ብዙሕ ጥቕሚ ዘለዎ ምንቅስቓሳት ኣይኮንኩን ዝቃወም ዘለኹ . . . ​"እቲ ምንቅስቓስ፡ ኣብታ ሓቀይና ቤተ ክርስቲያን ከእትወካ ከሎ ጽቡቕ እዩ፡ እንተኾነ ግን ምሩጻት ዝብል ቅጽል ንገዛእ ርሶም ዝህቡ ምሩጻት ኮይኑ ዝስምዖም እንተኾይኑ፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝፈልዩኻ እንተኾይኖም፡ ፍሉይን ምሩጽን ክርስቲያን ገርካ ንገዛእ ርእስኻ ንኽትሓስብ እንተመሪሖምኻ እዚ" ክርስትና ኣይኮነን"።

ህላወ ደቂ ኣንስትዮ ኣገዳሲ እምበር ማዕርግ ኣይኮነን።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ብዛዕባ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝምልከት ሕቶ ዝሃብዎ ምላሽ እውን ንጹር ኢዩ። ከመይሲ ናይ ቤተ-ክርስትያን "ተንስታይ ወጅሂ" ምምላስ የድሊ ዝብል ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት መሰረት፡ ንቤተ ክርስቲያን ነቲ ዘይኮነቶ ዘበለ ኣብ ልዕለኣ ዝልጠፍ ወጅህታት ክንኣልዮ ይግባእ እንክብሉ ምሕጽታን የቕርቡ። ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ጴጥሮሳዊ መትከልን ማርያምን ዘሎ ፍልልይ ደጊሞም ይገልጹ። "ቤተክርስቲያን ተንስተይቲ እያ፤ መርዓት እያ። ጴጥሮስ ሰበይቲ ኣይኮነን፤ መርዓት ኣይኮነን።"

"ካብ ጴጥሮስ - ኣገልጋሊት ቤተክርስትያንን - መርዓትን እያ ኣዚያ ኣገዳሲት!" ይብሉ።

ቀጺሎም "ኣብ ኩርያ ሮማና ማለት ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ስራሕ ዕድል ምሃብ ኣገዳሲ እዩ . . . ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ "ንኣገልግሎት ከም ዝሕግዛ" የጉልሑ።

ኵሉ ሰብ ነተን ካህን ንዘይብለን ንኣሽቱ ቁሸታት  ዘገልግላ ዘጠምቃን ስነ ስርዓት ዝፍጽማን ቅዱስ ቁርባን ዝዕድላን ደናግል ኪርእን ክጥምትን ይግባእ፥ "እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ክህነት ደቂ ኣንስትዮ ዘይኮነስ ኣብ ክንድኡስ ህላወ ደቂ ኣንስትዮ መሰረታዊ ኢዩ" ብምባል ይድምድሙ።

ሓድሽ መጻኢ ቆጸራታት ኣብ ኩርያ ሮማና

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ስሜት ዝተኻየደላ ሮማዊት ኩርያ (ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር) ክጥምቱ ከለዉ "ሕጂ ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ፡ ዝያዳ ድማ ክህልዋ እየን፡ ምኽንያቱ ኣብ ዝተወሰኑ ጽፍሕታት ካባና ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ዝሓሸ ወይ ዝበለጸ ስራሕ ስለ ዝሰርሓ እዩ" ይብሉ።

ቅሱነቶም ንእናቴ ራፋኤላ ፔትሪኒ ጸሓፊት ሃገረ ቫቲካን "ጳጳሳት ኣብ ዝመርጽ ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ኣብ ዝከታተል ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ" (እዚኣተን ነትን  ዋና ጸሓፊት ሃገረ ቫቲካን ዝኾና እናቴ ፔትሪኒ፣ ናይ ሳሊዢያን ማሕበር ነበር ጠቕላሊት ሓለቓ ኣናቴ ይቮን ረዩንጎት ከምኡውን ናይ ዓለም ለኸ ካቶሊካውያን ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣደ መንበር ማርያ ሊያ ዘርቪኖ፣ ናይ ውሁድ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ እናቴ ኣሌሳንድራ ስሜሪሊ ይጠቕሱ።)

"እቲ ቦታታት ኩሉ ደቂ ኣንስትዮ ዘድልያሉ እዩ!” ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. በቲ ዘተባብዕዎን ዘምጽዎን ሕዳሴታ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘመናዊ ኣረኣእያ - ዘመናዊ ለውጢ” ዘብገስኩም ጊርኩም ትሓስቡ ዶ? "ኣይፋል . . . ብዝከለኒ መጠን ንቕድሚት እኸይድ! እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

08 February 2024, 16:46