ድለ

ር.ሊ.ጳ.፦ ቅድስና ኣንቱላ ካብቲ ነቕ ዘይብል ኣብ እግዚኣብሔር ካብ ዝነበራ እምነት ዝድረኽ እዩ ር.ሊ.ጳ.፦ ቅድስና ኣንቱላ ካብቲ ነቕ ዘይብል ኣብ እግዚኣብሔር ካብ ዝነበራ እምነት ዝድረኽ እዩ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ.፦ ቅድስና ኣንቱላ ካብቲ ነቕ ዘይብል ኣብ እግዚኣብሔር ካብ ዝነበራ እምነት ዝድረኽ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ብምኽንያት ነታ ኣርጀንቲናውያን ኣደ ቢሎም ዝጽውዕዋ ብጽእቲ ኣንቱላ ዘቅዱስ ዮሴፍ ደ ፓዝ ይ ፊገሮኣ ኣዋጅ ቅድስና ካብ ኣርጀንቲና ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ስለ ቅድስናኣን እምነታን ጽንዓታን የመስግኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"መገዲ ቅድስና ኣብ እግዚኣብሔር ምትእምማንን ገዛእ ርእስኻ ንዕኡ ምሕዳግን ዘመልክት ምዃኑ ንዘክር" ምኽንያቱ ቅድስቲ ማርያ ኣንቶንያ ኣብ ቡኤኖስ ኣየርስ ምስ በጽሐት ብመስቀልን ብጥራይ እግራን ኣብ ጎደናታት እናተጓዓዘት "ኣብ እግዚኣብሔር እምበር ኣብ ገዛእ ርእሳ ከይተኣማመነት። እቲ ኣድካሚ እትፍጽሞ ዝነበረ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዘፍርዮ ዓወታት ናይ እግዚኣብሔር እምበር ናታ ከም ዘይኮነን ኣብ እግዚኣብሔር ኣሜን ካብ ምባላ” ምዃኑ ቅዱሰንቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ገሊጾም፥ ኣብቲ ዕለት 9 ለካቲት ዘካየድዎ ርክብ፥ ኣደ ብዝብል መጸውዕ እትፍለጥ ብጽእቲ ኣንቱላ፡ ኣብ ኣርጀንቲና ቤተ መንፈሳዊ ሱባኤ ዝመስረተት። ኣብ 1730 ዓ.ም. ኣብ ሲሊፒካ ሳንትያጎ ደል ኤስተሮ ዝተወልደት ዕለት 7 መጋቢት 1799 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ከተማ ኣርጀንቲና ዝዓረፈት ቤተ ክርስቲያን ብጽዕቲ ዝበለታ ዕለት 11 ለካቲት ኣብ ዓመታዊ ዝኽሪ ቅድስተ ማርያም ዘሉርድ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ክትወጃላ ቅዱስነቶም ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኹሉ ንኽርስቶስ ኣብ ምስዓብ ዘሎ ጽባቔ ንኽረክብ ምሕጋዝ

ተመክሮ እናቴ ኣንቱላ፡ "እግዚኣብሄር ካብ ነፍሲ ወከፍና ዝደልዮ ምልላይን፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ኩነታት ህይወት ክንረኽቦን ዝብልን፡ ኩሉ ግዜ ጽማሬ ዕለታዊ ፍጻሜታትካ ንኽብሪ ኣምላኽን ንድሕነት ነፍሳትን ኣብ ዝብል እዩ . . .

እናቴ ኣንቱላ ኣምላኽ ካብ ነፍሲ ወከፍና እንታይ ይደልይ ተመኪራቶ እያ፣ መደብን ጸዋዕታ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍና ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ኩነታት ህይወት ንኸነለልይ ዝብል”

ብጽእቲ እናቴ ኣንቱላ ካብዚ ኣብ ሱር ኢግናጽዮሳዊ መንፈሳውነት ዝርከብ ቀዳማይ መርገጺ፥ መንፈሳዊ መግቢ ከም ዝረኸበትን፡ እዚ ንዓኣ ኣዝዩ ኣገዳስን ቐዳምነትን እትህቦ ነገር ኰነ - "ማሕበር ኢየሱሳውያን ምስ ተዓፈነን ኣደዳ ኣሳዶ ምስ ኾነ ሓደ ኻብቲ ዘተሓሳስባ ዝነበረ ነገራት ንዅሎም ሰባት ንክርስቶስ ምስዓብ ዘለዎ ጽባቐ ንኽፈልጡ ዝሕግዝ መንፈሳዊ ሱባኤ ምሃብን ኣብዚ ምህናጽን ዝብል እዩ ነይሩ፥ ይኹን እምበር . . . "እዚ ንዓኣ ቀሊል ኣይነበረን።" ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢየሱሳውያን ዝፍጸም ዝነበረ ጽልኢ፡ እቲ እተቕርቦ ዝነበረት ተመክሮ መንፈሳዊ ሱባኤ ከይተካይድ ተኸልኪላ ከተብቅዕ፡ ብሕቡእ ካብ ምፍጻሙ ግን ኣቦኸረትን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ብጽኑዕ፡ ብሓጐስ ኣብ ጐይታ ሱር ዝሰደደ

ካልእ እታ ብጽእቲ እተመሓላልፈና መልእኽቲ፡ ኣብ ቅድሚ ጸገም ተስፋ ከይንቆርጽ፡ "ወንጌል ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ዝነበረና ሰናይ ዕላማ ከይንገድፍ" ዝብል ምዃኑ ቅዱስነቶም ሓቢሮ፥ ኣብ ስራሕ ይኹን ኣብ ስድራና ተጻባኢ ሃዋህው እንተገጢሙና እውን ሓደ ሰብ ነቲ እምነት ዓቂቡ ንኸንጸባርቖ ክጽዕር ኣለዎ . . .

ኣብ ጎይታ ብጽንዓት ተሰሪትና፡ ኣብ ከባቢና ናይ ወንጌል ሓሴት ንምቕራብ እንፍትነሉ ኣጋጣሚ ገይርና ክንርእዮ ይግባእ . . .

ምስ በሉ ምእመናን ንእናቴ ኣንቱላ ዘቅዱስ ዮሴፍ ዝነበራ ተወፋይነትን ዓቢ ፍቕሪ ቅዱስ ቁርባንን ክስዕቡ ኣተሓሳሲቦም፥ ነቲ ንሳ ንህዝቢ ኣርጀንቲናን ንመላእ ቤተክርስትያንን ዘካፈለቶ ተመክሮ ክምስክሩ ብምዕዳም "መፍነሳዊ ንግደትና፣ ብሓባር፣ ናብ ቤት ኣቦ ገጽና ዝብል ጉዕዞ ሕይወት ክኸውን ክትሕግዘና" ኣማላድነታ ንሕትት” እብክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፦ ቅድስና ኣንቱላ ካብቲ ነቕ ዘይብል ኣብ እግዚኣብሔር ካብ ዝነበራ እምነት ዝድረኽ እዩ
10 February 2024, 17:16