ድለ

2024.02.15 Delegazione del Movimento "La Diaconie de la Beauté" 2024.02.15 Delegazione del Movimento "La Diaconie de la Beauté"  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣግልገልቲ ጽባቐ - 'ናይ ስኒት ዘመርቲ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንፈረንሳውያን ማሕበር ኣገልግልቲ ጽባቐ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ንኣባላት እታ ጕጅለ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ከምኡ ውን ኣብ መንጎ ደቅሰብን ኣከባብን ዘሎ ፍልልይ "ስኒት ዘለዎም" ሰባት ክዀኑ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣባላት  ማሕበር ኣገልገቲ ጽባቐ  ትማሊ ሓሙስ ዕለት 15 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም "እተፈልየትን ጽብቕትን ዓለም ክምነዩን" ንኽሰርሑን ንክሕግዝዎም ከምኡውን "ምልኣት ዘለዎ ህይወት" ውን ክሓልሙ ዓደምዎም።

እዛ ጕጅለ ፈረንሳውያን ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን እተፈላለዩ ስነ-ጥበባውያንን እንተላይ ኣብ መንጎ ሰኣልትን ቀራጽትን ሙዚቀኛታትን ገጠምትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ጥበባት ዘተ ንምፍጣር ብ2012 ተመስረተት ማሕበር ኢያ።

ቅዱስ ኣቦና ንኣባላት ማሕበር አገልገልቲ ጽባቐ ኣብ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳን ስነ-ጥበባውያን ብጉባኤታት ሙዚቃዊ ምርኢታትን ተዋስኦታትን ከምኡውን ካልእ ተመሳሳሊ ፍጻመታትን ገይሮም "ምስ ቤተ-ክርስትያን ፍረ ዘለዎ ዘተ" ንኽምስርቱ ንምሕጋዝ ብዛዕባ እቲ እዛ ጕጅለ እትገብሮ "ኣብ መድረኻዊ ፍጻሜታት ዘተኰረ" ንጥፈራት ገለ ሓሳባት ኣቕረቡሎም ።

ንስነ-ጥበባውያን ዝሕግዝ ጸዋዕዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ስነ-ጥበባውያን "ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ድልድል ንኺሰርሑ" ብምሕጋዝ ብዛዕባ መንፈሳዊ ስፍሓት ኣስተንተኑ ። ከምዚ ብምባል ድማ ገለጸሎም - "ንሓቂ ሃሰስ ንኽብልዋ ካብ ድቃሶም ከተበራብርዎም ትደልዩ አለኹም ።... ምኽንያቱ ጽባቐ ነቲ ኣብ ዓለም ብእተፈልየ መገዲ ተገሊጹ ንዘሎ ንኽንርድኦ ይዕድመና ክንዲዝኾነ።"

ቅዱስነቶም ኣብ መደረኦም ነታ ጕጅለ ስለቲ ኣብ መላእ ዓለም ናይ  ስነ-ጥበባውያን መንበሪ ዝመስረቱሉ ትግሃቶም "ፍረ ዘለዎ ሓዋርያነት" ክብሉ ኣሞገስዎም ። ከምዚ ድማ በሉ - "እቲ ብድሆኹም ነቲ ተሓቢኡ ዘሎ ጽባቐ ካብቶም ሥነ-ጥበባውያን ምውጻእ ኢዩ - ካብቶም ህይወቶም መብዛሕትኡ ግዜ ጽምዋን መከራን ዝመልኦ - ንሳቶም እውን ብግዲኦም ሓዋርያት ናይቲ ህይወት ተስፋ ከምኡውን ጽምኢ ሓጐስ ዘፍሪ ጽባቐ ምእንቲ ክዀኑ ኢዩ ። "

ስኒት ዝዝምሩ ሰባት

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ንኣባላት እዚ ማሕበር ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ህዝብታትን ባህልታትን ሃይማኖታትን "ስኒት ዘለዎም ሰባት" ክዀኑ ጻውዒት ኣቕረበሎም። ኣብዛ ብዅሉ ዓይነት ዓመጻ እተበላሸወት ዓለምና "ሓንቲ ፍልይ ዝበለትን ጽብቕትን ዓለም ከም እንሓልም ዝገብሩና ሰብኡትን ኣንስትን የድልዩና ኣለዉ " ድማ በሉ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ከአ "ጥበብ ንመልእኽቲ ጽባቐ ናይ ተፈጥሮ ንምትሕልላፍ ኣዝዩ ሓያል መሳርሒ እዩ፣" ብምባል "ኣብ መንጎ ደቅሰብን ኣከባብን ስኒት ንምፍጣር" ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራቸስኮ ኣብ መደምደምታ "ባህሊ ናይ ጽባቐ ብቐጻሊ የንቀሳቕሰና ኢዩ፣" በሉ። ምስ ጽባቐ ኣምላኽ ምርኻብና ናብ ዝያዳ ሰብኣውን ሕውነታውን ማሕበረሰብ ንምብጻሕ ከም ብሓድሽ ንኽንጅምር የኽእለና" ክብሉ መደረኦም ዛዘሙ ።

16 February 2024, 17:21