ድለ

2023.07.23 Santa Messa per la Giornata mondiale dei nonni e degli anziani 2023.07.23 Santa Messa per la Giornata mondiale dei nonni e degli anziani  (Vatican Media)

መልእኽቲ ር. ሊ. ጳ. ን4ይ ዓመት መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን፦ “ጽምዋ”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣርእስቲ ናይ መልእኽቶም ንመዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታት ብ2024 ፣ "ብግዜ እርግና ኣይትሕደገኒ!" ዚብል ከም ዝኸውን ኣመልኪቶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሰንበት ዕለት 28 ሓምለ 2024 ዓ.ም. ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ ካቶሊካዊ እምነት፣ ግዜ ወሲዶም ብዛዕባ እቲ ኣቦሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ሽማግሌታትን ዘሰጋገሩሎም ዓብዪ ውርሻን ጥበብን ክስተንትኑ ይዕደሙ ።

ን4ይቲ ዓመት መዓልቲ ኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን ሽማግሌታትን ንምስንዳው፣ እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓለማውያን ምእመናን ስድራቤትን ሕይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ናይ ሎም ዓመት ኣርእስቲ ወይ ቅዉም ሃሳብ እንታይ ከም ዝኸውን ኣመልኪቱ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይዛ ዕለት ኣርእስቲ "ብግዜ እርግና ኣይትሕፈገኒ!" (መዝሙር 71፡ 9) ዝብል ርእሰ ነገር ከም ዝኸውን መሪጾም ኣለዉ ።

ብመሰረት እቲ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ እዚ ኣርእስቲ እዚ "ነቲ ዘሕዝን ኩነት ጽምዋ ኣብ ህይወት ብዙሓት ሽማግሌታትን አረጋውያንን ዝርከብ ዘሎን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ግዳያት ናይቲ ተጠቂምካ ምድርባይን ምጕሓፍን ዝብል ባህሊ ኮይኖም ምህላዎም ንምጕላሕ" ዝዓለም ኣርእስቲ ኢዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ነቲ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ብዛዕባ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ምሕዝነትን ዕርክነት እንከስተንትን ንዘቕረቦ ልመና እትገልጽ ካብ መዝሙር 71 እተወስደት ጥቕሲ ብምውሳድ ኣርእስቲ ናይ ሎም ዓመት መልእኽቶም ክኸውን ዝመረጹ ።

"እዚ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ነቲ ናይ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ክእለት ከምኡውን ነቲ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ዝገብርዎ ኣበርክቶ ርዝነት ብምሃብ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝገልጾ "ሰብኣይ በይኑ ክነበር ጽቡቕ ኣይኰነን!" (ዘፍ. 2፡18) ንዝብል ብመሰረት ብምግባር ነቲ ነፍስወከፍ ክርስቲያናዊ ማሕበራት ኣብ መንጐ ወለዶታት ንዘሎ ርክብ ንምድልዳል ንዝገብርዎ ተበግሶታት ንምድፋዕን ንዘለዎም ንጽምዋ ንምግላጽን” ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ የመላኽት ።

ጽምዋን ለውሃት ክርስትያናዊ ማሕበረሰብን

ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓለማውያን ምእመናን ስድራቤትን ህይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኬቪን ፋረል ነቲ ብዙሓት ኣረጋውያን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ጽምዋ ንምጉላሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዝወሰድዎ ተበግሶ ኣመስጊኖም ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ስድራቤታትን ኣቅላሲያዊ ማሕበራትን ናይ ሰብኣዊ ርክባት ባህሊ ኣብ ምድንፋዕን፣ ንምክፋልን ጽን ንምባልን ዝኸውን ቦታ ንምፍጣርን፣ ደገፍን ፍቕርን ንምልጋስን ግንባር ቀደም ክዀኑ ዝተጸውዑ ኢዩም፣ በዚ ኸምዚ ድማ  ፍቕሪ ወንጌል ጭቡጥ ሓቂ ምእንቲ ክኸውን ኢዩ። "

ብፁዕ ካርዲናል ከም ዝገለጽዎ ጽምዋ ካብ ህይወት ወድሰብ ክውገድ ዘይከኣል ኵነታት ኮይኑ፣ ከምኡውን ምጽንናዕ ንምርካብ ናብቲ ኣቦ ዝኾነ ኣምላኽ ንኽንጽጋዕ ዝቐርበልና ዕድመ ምዃኑ ገለጹ ።

ከም ክርስትያን ምእመናን መጠን እታ ንኣቦሓጎታትን ንእኖሓጎታትን እተወፈየት ዓለምለኻዊት መዓልቲ ፣ ነቲ ምድርባይን ምጉሓፍን ዝብል ባህልና ኣወጊድና፣ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝዀኑ ኣባላት ማሕበረሰብና "ለውሃትን ፍቕርን" ከነርእዮም ከም እተጸዋዕና ገለጹ ።

ንዓመተ ኢዮቤል ብጸሎት ምስንዳው

እዛ ናይ 2024 መዓልቲ ንኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግሌታትን ኣብዛ ዓመተ ጾሎት ተባሂላ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንስኮ እተኣወጀት፣ ካቶሊካውያን ምእመና ንዓመተ ኢዮቤል ን2025 ብጸሎት ንኽሰናደዉ እትሕግዝ ዓመት ኢያ እትዝከር ዘላ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብ2021 እዚ ዓለምለኻዊ መዓልቲ አባሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣብ ራብዐይቲ ሰንበት ናይ ወርሒ ሓምለ ኣብ ጥቓ ሊጡርጊያዊ በኣል ቅዱሳን ኢያእቄምን ሃናን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኢየሱስ ተዘኪሩ ንኽውዕል ከም ዝኣወጅዎ ውን ዝዝከር ኢዪ ።

16 February 2024, 17:23