ድለ

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዕረፍቲ ናይ ናሚብያ ርእሰ ብሔር ጌይንጎብ ዘመሓላልፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልኽቲ ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዕረፍቲ ናይ ናሚብያ ርእሰ ብሔር ጌይንጎብ ዘመሓላልፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልኽቲ   (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዕረፍቲ ናይ ናሚብያ ርእሰ ብሔር ጌይንጎብ ዘመሓላልፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልኽቲ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት 2024 ዓ.ም. ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድመኦም ዝዓረፉ ናይ ሃገረ ናሚብያ ርሰ ብሔር ሃገ ገይንጎብ ምኽንያት ናይ ሓዘንን ምጽንናዕን መልኽቲ ተለግራ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድመኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ናይ ናሚብያ ርእሰ ብሔር ሃገ ጌይንጎብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘንን ምጽንናዕን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ “ናይ ዓመታት ኣብ መዳያት ህዝባዊ ኣገልግሎት” ተወፋይነት ነፍሰ ሄር ርእሰ ብሔር ናሚብያ ከም ዝዘከሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ብሔር ሃገ ጌይንጎብ ሰንበት ዕለት 4 ለካቲት ብዘጋጠሞም ሕማም መንሽሮ ምኽንያት ክግበረሎም ድሕሪ ዝጸንሔ ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ከም እተፈልዩ ክሕበር እንከሎ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ተካኢ ጌይንጎብ ናብ ዝኾኑ ናንጎሎ ምቡምባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፥ ንቤተሰብ ጌይንጎብን ንመንግስትን ንህዝቢ ናሚብያን ጽንዓት ይሃብኩም ቢሎም ጸሎትምን ቅርበቶም እውን ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ኣቦና ንነፍስ ሄር ርእሰ ብሔር “ንምሕረት ልዑል እግዚኣብሔር” ብምቕራብ “ንህዝቢ መለኮታዊ በረኸት ምጽንናዕን ሰላምን” ከም እተማሕጸኑ ኣፍሊጡ።

10 February 2024, 16:57