ድለ

2024.02.08 Partecipanti alla Plenaria del Dicastero per il Culto Divino e la Disciplina dei Sacramenti 2024.02.08 Partecipanti alla Plenaria del Dicastero per il Culto Divino e la Disciplina dei Sacramenti   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ፦ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኣምላኽ ኪኸውን ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ሥርዓተ ኣምልኾ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ተራኺቦም ብዘይ ምሕዳስ ናይቲ ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ክኸውን ዘለዎ ሥርዓተ ሊጡርጊያ፣ ቤተ-ክርስትያን ክትሕደስ ከም ዘይትኽእል ኣዘኻኸርዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ረቡዕ ምስ ኣባላት ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሥርዓተ አምልኾ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት አብ ሃገረ ቫቲካን አኬባ አካይዶም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደረኦም ካብቲ “ቅዱስ ጉባኤ” እተሰምየ ሰንድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ካብ እተኣወጀሉ ድሕሪ ሱሳ ዓመት ውን እንተኾነ፣ ሎሚ ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጹ ። እዚ ሰነብድ እዚ ከምዚ ይብል ክብሉ ይጠቕሱ ቅዱስነቶም፣ "ንቤተ ክርስትያን ብመሰረታዊ ስፍሓታ ንምሕዳስ፣ ማለት ክርስትያናዊ ህይወት ምእመናን በብመዓልቱ ኸም ዚዓቢ ንምግባር ፣ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዜድልየና ዘሎ ነገራት ብዝሓሸ መገዲ ምእንቲ ክንሰርሓሉ መዋቅርዊ ምትዕርራይ ንምግባር፣ ንዅሎም እቶም ኣብ ክርስቶስ ዘለዉ ኣመንቲ ኣበርክቶ ኺገብሩ ዘኽእል ፍቓድ ክረኽቡ ፣ እዚ ድማ ነቲ ንዅሎም ናብ ሕቝፊ ቤተ-ክርስትያን ንምጽዋዕ ዘገልግል ሥርዓት እንደገና ህያው ንምግባር ኢዩ።"

ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም እዚ መንፈሳውን ጕስነትን ኤቁመናውን ተልእኾኣውን ምሕዳስ ዝገበረ ዓሚቝ ዕዮ ምዃኑ ገለጹ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ኣቦታት ቤተ-ክርስትያን "ብዘይ ሥርዓተ ሊጡርጊያዊ  ተሓድሶ ንቤተ-ክርስትያን ከተሓድስ ኸም ዘይከአል" ይፈልጡ ምንባሮም ገለጹ።

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተሓድሶ ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ንክርስቶስ ዘለዋ ፍቕሪ ኸም ዝምርኰስ ገለጹ። እዚ ድማ ቤተክርስቲያን ንኢየኡስ ከም መርዓዊኣ ንኣኡ ዝለዋ ፍቕርን፣ ብኣኡ ድማ ትጸናናዕ ብምኳና ኢዩ በሉ።

ቤተ-ክርስትያን ከም መጠን ሰበይቲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደ እንክገልጹ፣ ቤተ-ክርስትያን ንባዕላ ሰበይቲ ምዃና ምግንዛብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ። "ስለዚ ኸኣ ኢየ [ቤተ-ክርስትያን] ሰበይቲ ስለ ዝዀነት ኵሉ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝግበር ተሓድሶ ብዛዕባ እቲ ንመርዓዊዓ ዘለዋ ተኣማንነት ዝምልከት ኢዩ ኢለ ብዙሕ ግዜ እተዛረብኩ" ክብሉ ኣዘኻከሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ዕላማ ናይቲ ኣብ ሥርዐተ አምልኾ ዝገበር ተሕድሶ - ኣብ ውሽጢ እቲ ብሰፍሓት ክርኣ ዝከኣል ተሓድሶ ቤተ ክርስትያን - ዝኻይድ ኮይኑ "ነቲ ምእመናን ሥነ መዕበያ ዝረኽቡሉ መገዲ ንምህናጽን፣ ንሥርዓተ ሊጡርጊያ ኸም መራኸቢዓን ምንጫን ጌርካ ዚርኢ ስጕምትታት ሓዋርያዊ ጕስነት ንምድንፋዕን እዩ ። "

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም፣ ሥርዓተ ሊጡርጊያዊ ሥነ መዕበያ ኣድላዪ እኳ እንተዀነ "ብሳላ ዝተቐበልዎ ምስጢረ ክህነት “መምህራን ምስጢራት” ተባሂሎም ዝጽውዑ ሰባት ኣብ ምዅስኳስ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ " ብምባል ገለጹ።

ብሓባር ዝገበርዎ ጻዕሪ

ኣብ መንጎ እቶም ላዕለዎት ቤትጽሕፈታት ዘሎ ሲኖዶዊ መንፈስ ምትሕብባር ብምግላጽ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘለዎም ባህጊ እንከመልክቱ፣ ነፍሲ ወከፎም ፍሉይ ኣበርክቶ ምእንቲ ኺገብሩ ኣብ ተሓድሶ ሥርዓተ ሊጡርጊያዊ ሥነ መዕበያ ካህናት ብዝምልከት ንዚለዓል ሕቶት ምስቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትን፣  ብዛዕባ ጉዳያት ካህናት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትን  ከምኡውን ብዛዕባ ጉዳይት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ሓዋርያዊ ሕይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት  ብምትሕብባር "ነፍሲ ወከፎም ነናቶም ፍሉይ ኣበርክቶ ምእንቲ ኺገብሩ" እዚ ጉዳይ እዚ ብሕብረት ክተሓዝ ከም ዘድሊ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በሉ - "ነቶም ቅብኣተ ክህነት ዝለዎም ኣገልግልቲ ቀጻሊ ሥነ መዕበያ ኣብ ምሃብ ምእንቲ ከነውሕስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እዚ ኣገልግሎት እዚ ሥርዓተ ኣምልኾኣዊ ኣድማስ ከም ዘለዎ ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ።"

ብዛዕባ ዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ምሕሳ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ መደረኦም፣ ንኣገልገልቲ ሓድሽ ናይ ሥነ መዕበያ መገድታት አብ እነናድየሉ ዘሎና "ብዛዕባ እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ እንሓስቦ ዘለና ውን ክንግንዘብ ኣሎና" ብምባል ኣጕልሑ። ቅዱስ ኣቦና ኸም ዝገለጽዎ ንሊጢርጊያዊ ሥነ መዕበያ እቲ ፈላምን ጭቡጥን ኣጋጣሚታት ዕለተ ሰናብትን ከምኡውን ኣብ ብምሉኡ ዓመተ ሊቱርጊያ ዝኸብሩ ዕለተ በዓላት ኢያቶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ብዛዕባ ሓልዮት ዝመልኦም ጽንብላትን በዓላትን ከም ዕለታት ክርስትያናዊ ተበግሶ ብምጥቃስ ከምዚ በሉ - "ሰባት ኣብ በዓላት ንምድላዎምን ብዝያዳ ዝሳተፉሉ ኻልእ እዋናት እውን ንዅሎም እቶም እተጠምቁ ኣብ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ንኽዓብዩን ክኹስዀሱን ዓቢይ ኣጋጣሚ ክኸፍተሎም ይኽእል ኢዩ።” ቢሎም፣ ወሲኾም ድማ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ጕስነታዊ በዓላትን፣ ምስጢራት ዝቕበሉሎም ዕለታት ውን ከይተረፈ ናይ ሉጡርጊያዊ ሥነ መዕበያ ኣጋጣሚታት ክኾኑ ዝከአል ኢዮም በሉ፣ ብተወሳኺ ድማ " ብጉስነታዊ ሓልዮት ተሰናድዮም፣ እንተ ደአ ተኻዪዶም ሰባት ነቲ ሎሚ እነስተማቕሮ ዝሎና ምስጢረ ድሕነት ንምብዓል ዚግበር ጽምብል እንደገና ንኽርድእዎን ንኼዕምቝዎን ምቹእ ኣጋጣሚ ይዀኖም እዩ " በሉ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብኡእተረኽቡ ኩሎም፣ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣገልግሎት "ዓብይን ሠናይን" ምዃኑ ኣዘኻኸርዎም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ "ኣዝየ አመስግነኹም" ኸምኡውን "ካብ ልበይ እየ ዝባርኸኩም" ክብሉ መደረኦም ዛዘሙ።

09 February 2024, 16:58