ድለ

FILES-INDONESIA-MYANMAR-ROHINGYA-REFUGEE-DISINFORMATION FILES-INDONESIA-MYANMAR-ROHINGYA-REFUGEE-DISINFORMATION  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ነቲ ኣብ ሮሂንጊያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ይዝክሩ ፣ ንሰላም ድማ ጸዊዖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ንስደተኛታት ሮሂንጊያ ኣቃልቦ ክገብረሎም ፍሉይ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብ ዩክረይንን ቅድስቲ መሬትን ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ውግእ አብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ኵሉ ሰብ ምእንቲ ሰላም ክጽሊ ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ድሕሪ ኣስተምህሮ ኣብ ዘቕረብዎ ሰላምታን ቃል ምሕጽንታን "ነዚ ዘሎ ውግእ ኣይንረስዓዮ። ነተን በጃ ዝኾና ዘለዋ ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ሮሂንጃ ከምኡውን፣ ነቲ ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ኣይንረስዓዮ። በጃኹም ምእንቲ ሰላም ንጸሊ" ክብሉ ተማሕጸኑ ።

ወሲኾም ድማ ቅድስነቶም "ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ። ምእንቲ ሰላም ከይሰልከና ንጸሊ ። ዓለምና ሰላም የድልያ ኣሎ" ድማ በሉ።

ንሮሂንጊያን ምያንማርን ዝቐረበ ሓድሽ ልመና

ብ2017 ናብ ምያንማርን ባግላደሽን ምብጻሕ ዘካየዱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኣንጻር ስቓይ ስደተኛታት ሮሂንጊያ ብተደጋጋሚ ድምጾም ኣልዒሎም ይጣበቑሎም ኣለዉ ።

እቶም ካብ 1982 ኣትሒዞም ኣብ ምያንማር ዜግነት ዘይተዋህቦም ሮሂንጊያውያን፣ ሓደ ኻብቶም ኣብ ዓለም ልዕሊ ዅሉ ስደትን ምምዝንባላትን ዝወረዶም ውሑዳን ማሕበረሰብ ኮይኖም አለው፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ከኣ ብመሬትን ብባሕርን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክሃድሙ ተገዲዶም እዮም።

እቲ ብዕለት 2 ለካቲት 2021 ኣብ ምያንማር እተላዕለ ወተሃደራዊ ዕልዋ ነዞም መሳኪን እዚኣቶም ብዝያዳ ተወሳኺ ጉድኣት ኣስዒቡሎም እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዕለት 28 ጥሪ ኣብ ናይ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ፣ ኣብ ሃገረ ምያንማር ብምትኳር ዘተ ክግበር ብምምሕጻን ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ክግበረሎም ናብ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

" ኣስታት ሰለስተ ዓመት ኮይኑ አሎ፣ ኣብ ክንዲ እቲ ህዝቢ ምያንማር ዝልልለየሉ ፍሽኽታ፣ ናይ ስቓይን መከራን ኣውያት ቦታ ኮይኑ ኣሎ" ድማ በሉ።

ቅዱስነቶም ምስ ናይ በርም ጳጳሳት ኮይኖም ድማ "እቲ ናይ ጥፍኣት ኣጽዋር፣ ሰብኣውነትን ፍትሕን ንምስፋን ዝጠቅም  መሳርሒታት ኮይኑ ክቕየር ይኽእል ኢዩ" ክብሉ ጸሎቶም ኣዕሪጎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘስምዕዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ሰላም ጕዕዞ ምዃኑ ብምምስካር "ምድሪ ሚያንማር ኣብ ሸቶ ናይ ኣሕዋት ዕርቂ ምእንቲ ኽትበጽሕ" ንዅሎም እቶም ኣብቲ ጕዳይ እቱዋት ዝዀኑ ጕጅለታት "ምይይጥ ክገብሩን ናብ ምርድዳእ ክበጽሑን" ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

"ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣድላዪነት ንምርግጋጽ፣ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ክግበረሎም ፍቃድ ክወሃብ " ውን ብትሪ ተማሕጺኖም ።

ኣብ ምያንማር ኣንጻር እቲ ቕድሚ ሰለስተ ዓመት ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዚግበር ዘሎ ቃልሲ እናዓበየ ብምኻዱ፣ መብዛሕትኦም ሕዝቢ እታ ሃገር ኣብ ውግእ ሓድሕድ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ ኢዮም ዝእምቱ።

07 February 2024, 15:34