ድለ

2024.02.12 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ እደ ጥበብ ነቲ ዓሚቚ ሕመረት ወዲ ሰብ ክቕይሮ የብሉን 2024.02.12 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ እደ ጥበብ ነቲ ዓሚቚ ሕመረት ወዲ ሰብ ክቕይሮ የብሉን  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ እደ ጥበብ ነቲ ዓሚቚ ሕመረት ወዲ ሰብ ክቕይሮ የብሉን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 12 – 14 ለካቲት ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ሕይወት፡ ኣብ ዘዳለዎ ሓፈሻዊ ምሉዕ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ዕለት 12 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም፥ "ምልካዊ ስርዓት እደ ጥበባዊ ምዕባለ" እናወገደ፡ ንብዙሕነት ስነ-ፍልጠት ዘሰማምዕ ቅጥዒ ሰብኣውነት ዘማእከለ እደ ጥበባዊ ምዕባለ” ምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ኣሃዛዊ ኣገባባት ንነገራት ደቂ ሰባት ኵለንተናዊ መዐቀኒ ከይከውን ስግኣት ዝረኣየሉ ኣብ ዘሎ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ መንጎ ሰብን ​​ሰብ ሰርሖ መጋበርያን ዘሎ ርክብ ዳግማይ ምርዳእ የድሊ። ነዚ ንምግባር ድማ "ንወዲ ሰብ ብቑዕ ዝገብሮ"፡ እቲ ዝዓሞቐ ባህርያቱ ምርዳእ ኣገዳሲ ይኸውን። እቲ ክሳብ ዕለት 14 ለካቲት “ሰብኣዊ ፍጥረት፥ ትርጉምን ብድሆታትን” ብዝብል እርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ተጋብያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፥

ኣብ ውሽጢ ሰፊሕ ኣድማስ

ብመጀመርታ ኣብ መንጎ "ተፈጥሮኣዊ መስርሕን ሰብ ሰርሖ መስርሕን" ዘሎ ፍልልያት ኣብዚ እዋን እዚ "ኣእማኒ" ከምዘይኮነ ገሊጾም እቲ ቀዳማይ እንኮ "ሓቀይና ሰብኣዊ" ክኸውን እንከሎ እቲ ዳሕረዋይ እቶም "ካብ ሰብኣዊ ወጻኢ ካብዚ ንላዕሊ ንሰብኣውነት ዝጻረር እውን ክኸውን ዝክል እዩ፡” እቲ ክግበር ዘለዎ፡ ስነ ምርምራዊ ዕደ ጥበባዊ ፍልጠት ኣብ ውሽጢ ዝሰፍሐ ደረጃ ትርጉም ብምቕራጽ፡ ነቲ መላኺ ኪደት እደ ጥበባዊ ምዕባለ ምውጋድ ይግባእ፥ ዝበሉ ቅዱሰንቶም፥ እቲ እናሰፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ማለት "ንሰብ ብእደ ጥበባዊ መገድታትን ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ምፍጣር - ምርባሕ " ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱሳውን ጥንታዊን ጸብጻብ ግምቢ ባቢሎም እውን ከይተረፈ ክርአ ዝኽእል ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ንታሪክ ባቢሎም "ኣዕናዊ መቕጻዕቲ" ምዃኑ ዝገልጽ ልሙድ ዝዀነ ህዉኽ ኣናብባ ዘኪሮም፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ኣምላኽ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝገብሮ እትወት "ብዕላማ እተሰነየ በረኸት" ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ፥

ብሓቂ ንምዝራብ፡ ነቲ ናብ "እንኮ ሓሳብ" ዝወስድ ምዝንባል ብብዝሒ ቋንቋታት ንምእራም ዝግበር ፈተነ እዩ ዝገልጽ። በዚ ኸኣ ደቂ ሰባት ደረትን ተቓላዕነትን ይገጥሞም እሞ ንኻልእነት ምኽባርን ሓድሕዳዊ ምትሕልላይ ክህልዎም ይጽውዕ!

"ሓላፍነታዊ" ፈጠራ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቶም ብሰብ ዝመሃዙ “ዝዛረቡ መጋበርያታት" ማለት ምስቲ መለኮታዊ ዝኾነ ቀንዲ ናይ ምፍጣር ተግባር ዝምሳሰል ከም ዝዀኑ ኮይኑ ንኽስምዖም ዘስድዕ መፈንጠራ" ኣሎ ስለዚ ድማ "እቲ ወዲ ሰብ ዘለዎ ናይ ምምሃዝ ክእለት ብሓላፍነት ክነብሮን ነዚ ከስተውዕል ድማ ንሓትት።" በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ "ንሃብቲ ስነ-ፍልጠትን እደ ጥበብን ብምትሕንፋጽ ንደቅሰብ ኣብቲ ዘይድገም ፍሉይነቱ ኣፍልጦ ናይ ምሃብን ናይ ምትብባዕን ክእለት ዘለዎ ባህሊ ከነማዕብል" ኣድላዪ ዝኸውን።

ካብ "ድሑርነት" ነብስኻ ነጻ ምግባር።

ነዚ "ባህላዊ ዕማም" ንምቕጻል ክልተ መንገድታት ከምዘሎ ቅዱስነቶም የጉልሑ። እቲ ቀዳማይ ኣብ "ስግረ-ዝተፈለየ መጽናዕትታት ምልውዋጥ" ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ እዚ ካብ "ሓድሕዳዊ ፍልጠት ምልውዋጥ" ዝምጭው "ባህላዊ ቤተ-ሙከራ" ዝኾነ፡ ንፍልጠት ዳግማይ ዘስፍሕን፡ “ብሓድሕዳዊ ጽን ምብህሃልን ብነቐፌታዊ ኣስተንትኖን" ክስዕር ከም ዘለዎን። እቲ ካልኣይ ኣገባብ ድማ ኣብቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ህይወት ተቕዋም ዘሎ "ሲኖዳዊ መስርሕ" ዝገልጾ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ኣቓልቦን ናጽነትን መንፈስ ዘይረኸበን ዘየለለየን መገድታት ንምስጋር ግልጺ ምዃን ከም ዘድልን እዚ እውን ካብ ዝዀነ ይኹን መኻን "ምድሕሓራት" ናጻ ምዃን ዘጠቓልል ብምዃኑ፡ ብዙሕ ምርምር ምግባር ዝሓትት ኣገባብ ኢዩ።

​በዚ መስመር እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ክርስትና ኣብ ኩሉ ዝኣተወሉ ባህሊ ኣብኡ ተቐሪጹ ዝረኸቦ ትርጉም ትውፊታት ወሲዱ" ኩሉ ግዜ ኣገዳሲ ኣበርክቶታት የቕርብ እዩ" ብምባል "ኣብ ወንጌል ምስ ዝግለጽ ጎይታ ዘሎ ርክብ ዘውህቦ ብርሃን መሰረት ዳግማይ ባህልታት ምትርጓም ከምኡውን ነቲ ኣብ ውልቃዊ ኵነታት ዝርከብ ቋንቋውን ኣምራውን ጸጋታት ምጥቃም" እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 February 2024, 16:38