ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ቬነዚያ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ቬነዚያ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ቬነዚያ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሚያዝያ 2024 ዓ.ም. ናብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ከተማ ቨነዚያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱን ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ክራኸቡን ኣብ እምነት ከጽንዑን እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሚያዝያ ኣብ ቨነዚያ ምብጻሕ ከካይዱ መደብ ከምዘለዎም ናይ ቅድስድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ክሕብር እንከሎ፥ ብመሰረት እቲ መግለጺ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ከተማ ኢጣልያ ኣብ ዝገብርዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ኣብ ቨነዚያ ኣብ ዝካየድ መበል 60 ኣህጉራዊ ምርኢት ስነ ጥበብ ክበጽሑን ብጀካ እዚ እውን ኣብ ጁደካ እተሰምየ ቤት ማሕቡስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝካየድ ምርኢት ስነ ጥበብ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ምርኢት እውን ምብጻሕ ከካይዱ እዮም።

“ብዓይነይ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ምርኢት፡ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ወሰን ህላወን ከተማታትን ዝነብሩ ሰባት ዝተወፈየ ከም ዝኾነን እዚ ክፍሊ ቅድስቲ መንበር ብኪያራ ፓሪዚን ብሩኖ ራቺነን ዝተዳለወ ኮይና፡ ኣቓልቦ ዓለም ናብቶም ዕሽሽ ዝበሃሉ ሰባት ክኸውን ዝጽውዕ ኮይኑ፡ ኣብ ርእሲ’ዚ እውን ናይ ምራኻብ ባህሊ ዘተባብዕ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ፥ እቲ ክፍሊ ስነ ጥበባዊ ምርኢት ቅድስቲ መንበር በጻሕቲ ንቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብዕምቖት ንኸስተውዕሉ ዝሕግዝን፣ ከምቲ ንኹሉ ሰብ ኪኖ ማሕበራዊ ደረጃታቱ ክጥመትን ሓልዮት ክግበረሉን ምስ ሰብኣውነት ሰብ ምርኻብ ዝብል ለበዋኦም ዘቃልሕ ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ ኣብ 2024 ዓ.ም. ዝካየድ ክልተ ዓመታዊ ምርኢት ስነ-ጥበብ ቨነዚያ “ጓኖት ኣብ ኩሉ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ ዕለት 20 ሚያዝያ - ዕለት 24 ሕዳር ንበጻሕቲ ክፉት ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ኣብ ቨነዚያ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ቬነዚያ ዝተወሰነ ግዜ ከሕልፉ ምዃኖም ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈትን ናይ ቨነዚያ መንበረ ፓትሪያርክ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ኣፍሊጦም ናይቲ ቅዱስነቶም ኣብ ቨነዚያ ዘካይድዎ ሓዋርያዉ ዑደት ዝርዝር መርሓ ፍጻሜታቱ ኣብ ቀረባ እዋን ብወግዒ ክሕበር ከም ዝኾነ የመላኽቱ።

14 February 2024, 14:47