ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኩሉ ምስግጋር ደቂ ሰባት ክቃለስ ኣለዎ እምበር ፈጺሙ ተሓባባሪ ክኸውን የብሉን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኩሉ ምስግጋር ደቂ ሰባት ክቃለስ ኣለዎ እምበር ፈጺሙ ተሓባባሪ ክኸውን የብሉን 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኩሉ ምስግጋር ደቂ ሰባት ክቃለስ ኣለዎ እምበር ፈጺሙ ተሓባባሪ ክኸውን የብሉን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ን10ይ ዓለማዊ ለኻዊ መዓልቲ ጸሎትን ንቕሓትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን መልኽቲ ከም ዘመሓላለፉን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ዘሎ ሕብረተሰብ ነቲ መዓት ክቃለሶን ብናይ ግዳያትን ከምኡ’ውን ድምጾም ከይተሰምዐ ዝጸንሑ ግዳያት ንዝህብዎ ምስክርነት ኣቃልቦ ክህቦን ንኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ቃልሲ ድራኾ ክኾኖ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ምስ ኩልኹም ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ብፍላይ ድማ ምስቶም ነዚ ዓለማዊ መዓት ንምምካት እትሰርሑ ዘለኹም መንእሰያት ብምሉእ ልበይ እሓብር፥” ቅዱሰንቶም ነዚ ብርቱዕ ጻውዒት እዚ ዘቕረብዎ፡ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ንምምካትን ንምጥፋእን ኣብ’ቲ ዕለት 8 ለካቲት ብምኽንያት 10 ዓለም ለኸ መዓልቲ ጸሎትን ንቕሓትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ “ጸረ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንምምካት ስጉምቲ ንምውሳድ ሕጂ እውን ኣተይደንጎየን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ናይ ለምዘበን 2024 ዓ.ም. መዓልቲ ጸሎትን ንቕሓትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር “ብኽብሪ ምጕዕዞ፦ ምስማዕ ሕልሚ ተግባር"  ብዝብል መራሕ ቃል ከም ዝኽበረቶ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዓመታዊ በዓል ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት” ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2015 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ ኣብ ዕለት 8 ለካቲት ዓመታዊ ዝኽሪ ቅድስቲ ዮሴፊን ባኪታ ንናይ መላእ መነኮሳን ማሕበራት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤን ንናይ መላእ መነኮሳት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንኽነጥፉ ድሕሪ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዝኾነን ኣብ ዓመት 2000 ዓ.ም. ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ቢላ ዝኣወጀትላ ሱዳናዊት ጆሰፊን ባኪታ፡ ሓላዊት ናይቶም ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝደሓኑን ቢላ ዝሰመየታን፡ እታ ኣብ ሱዳን ዝተወልደት (1869–1947)፡ ገና ብንእስነታ ንጊልያነት ተሸይጣ፡ ክሳብ ኣብ ኢጣልያ እትበጽሕ ግዳይ ነጋዶ ሰባት ኮይና ከም ዝጸነሐትን ደሓር ኣብ ኢጣሊያ ምስ ኣተወት ኣባል ማሕበር ደናግል ካኖሳውያን ከም ዝኾነት ኣመላኺቱ፡ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዕለት 30 ሓምለ ከም ዝዝክሮ ይሕብር።

ብኽብሪ ምጕዕዞ፦ ምስማዕ ሕልሚ ተግባር

"እቲ ዝተጻወረቶ በደል፡ ስቓያ፡ ብተመሳሳሊ ግን ሓይላን ጉዕዞ ሓርነትን ዳግማይ ልደትን ናብ ሓድሽ ህይወት ዝገበረቶ ምብጻሕ ንዘክር . . .

ቅድስቲ ባኪታ ነቶም ዝተነጸሉን ሰማዕን ዝርእይን ዘይብሎም ንምርኣይን ንምስማዕን ኣዒንትናን እዝንናን ክንከፍትን ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ክንሰምዕን፡ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣፍልጦ ክንህብን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ኩሉ ዓይነት ምዝመዛን ክንቃለስን ተተባብዓና

. . . ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት መብዛሕቲኡ ግዜ ዘይርአ ብምዃኑ ቅዱሰንቶም ዝስምዖን ጓሂ ገሊጾም፥ ዘመናዊ መልክዕ ግሊያነት ብጋህዲ ክፍለጥን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዝን ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ናይ ዘይምግዳስ ባህሊ ዝዛረቡን ዘቃልዑን መራኸቢ ብዙሓን የመግኑ።

“ነቶን ሕጂ'ውን ከም ጊላዎት ዝዕደጉን ዝሽየጡን ዘለዉ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ህይወትናን ልብናን ክንክፍትን ዝያዳ ምላሽ ክንህብን መታን ንሓድሕድና ንተሓጋገዝ። ስጉምቲ ንምውሳድ ሕጂ እውን ኣይተደንጎየን” እንክብሉ ምሕጽንታ የቕርቡ።

ር.ሊ.ጳ. ጳጳሳት ናይቲ መዓልቲ ብድሆ ዝወሰዱ ብዙሓት መንእሰያት ንእግዚኣብሔር እውን ኣመስጊኖም፡ ኒሖምን ተወፋይነቶምን "መገዲ የርእየና" ብምባል፥ "ንሕና ንምቅዋም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ክንሰምዕ፡ ክንሓልም፡ ክንዋሳእ ዝተጸዋዕና ኢና" ብምባል ኣዘኻኺሮም።"

ናይ መከራ ኣውያት ምስማዕ

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ መከራ ዝሳቐዩ ዘለዉ ግዳያት ክስምዑ ጻውዒት ኣቕሪቦም። "ነቶም ግዳያት ውግኣትን ግጭታትን፡ ብምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ዝተሃስዩ፡ ክስደዱ ዝተገደዱ፡ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ንዓመጽ ጾታዊ ርክብ ዝዳረጋ ወይ ኣብ ስራሕ ቦታ ዝምዝመዙን እሓስብ።”

"ንሓገዝና ዘስምዕዎ ኣውያቶም ሰሚዕና በቲ ዝነግርዎ ዛንታታት ብድሆ ክስመዓና ይግበኣና”

ንሰባት ብናጽነትን ክብርን ብዝበለጸ ክነብሩ ዘኽእሎም ባይታ ንምቕራብ ዝግበር ኩሉ ጻዕርታት ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነቲ መዓት ንምምካት ዘድሊ ጭቡጥነት

ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምምካት ኩሉ ሰብ ስጉምቲ ክወስድ ድማ ዘተሓሳሰቡ ቅዱሰንቶም፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ድማ “ነዚ ዕላማ ብትግሃት ንጸሊ፡ ንምክልኻል ክብሪ ደቂ ሰባት፡ ብንጥፈት ንስራሕ" . . . ቃልሲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት "ክዕወት ከም ዝኽእል" እኳ እንተፈለጥና፡ "ናብ ሱር ናይቲ ጸገም ምብጻሕን ጠንቅታቱ ምውጋድን ኣድላዪ እዩ" ዝብል ሓሳብ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጻውዒት ንስራሕን ተሓባባሪነት ምውጋድን

ር.ሊ.ጳ. ቀጺሎም ብኣብነት ቅድስቲ ባኪታ ተደሪኽና ነቲ መዓት ምላሽ ንምሃብ ዝግበር ኩሉ ጻዕሪ ኣተባቢዖም፥

"ኣብነታ ስጉምቲ ክንወስድ ዝጽውዕ፡ ኣብ ምምካት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኩሉ ጸጋታትና ኣዋዲድና ነቶም ግዳያት ኮይኖም ዝጸንሑ ሙሉእ ክብሪ ንምምላስ . . . ዓይንናን እዝንናን እንተዓሚትናን ኣንተዓጸናን፡ ዋላ ሓንቲ እንተዘይገይርና፡ ንሕና ብተሓባባርነት ገበነይናታት ክንከውን ኢና።"

ስለዚ ነዚ ዕለት እዚ ነቲ ዓለም ለኸ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንምዝካርን ብኹሉ ክዝከርን ንዝተዋፈሩ ኩሎም ልባዊ ምስጋናኦም ብምግላጽ፣ ንኹሎም ኣብ ምቅላስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ኩሉ ዓይነት ምዝመዛን ተወፋይነት ዘለዎም ባሪኾም ዘመሓለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 February 2024, 16:12