ድለ

2024.02.12 ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ታንዛንያ ተራኺቦም 2024.02.12 ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ታንዛንያ ተራኺቦም  (Vatican Media)

ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ታንዛንያ ተራኺቦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዋ ናይ ሕቡራት ረፓብሊካዊት ታንዛኒያ ርእሰ ብሔር ሳሚያ ስሉሑ ሓሳን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፡ ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋን ዝዓለመ ኣብ መንጎ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያንን ሃገረ ታንዛኒያን ዘሎ ሓባራዊ ተወፋይነት ከም ዘስመሩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ለካቲት ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዋ ናይ ሕቡራት ረፓብሊካዊት ታንዛኒያ ርእሰ ብሔር ሳሚያ ስሉሁ ሓሳን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ሱሉህ ሓሳን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢተን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸባን፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ እቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ዘተ "ሕውነታዊ መንፈስ ዝዓሰሎን ኣብ መንጎ ታንዛንያን ቅድስቲ መንበርን "ዘሎ ሰናይ ዝምድና" ዘጉለሐ ምንባሩ ሓቢሩ፥ ብፍላይ ድማ "ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብታ ሃገር ንህዝቢ ኣብ ዓውድታት ግብረ ሰናይ፡ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን እትጻወቶ ኣገዳሲ ተራ" ዝተሰመረሉን እታ ሃገር እትገጥሞ ንዘላ ብድሆታት ኣቃልቦ ዝገበረ ዘተ እውን ከም ዝነበረ የመላኽት።

ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ዛዕባ ዞባዊ ኩነታትን ኣህጉራዊ እዋናዊ ጉዳያትን ዘተኮረ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት "ሰላም ንምድንፋዕ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝዓበየ ተወፋይነት" ክህልው ቅድስቲ መንበርን ታንዛኒያን ዘለወን ሓባራዊ ድሌት ከም እተረጋገጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

12 February 2024, 15:32