ድለ

ር. ሊ. ጳ. ናይ ኣርጀንቲናዊት 'እናቴ ኣንቱላ' ቅድስና ኣዊጆም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንስኮ ንእናቴ ማሪያ ኣንቶንያ ደ ሳን ሆሴ "ኣብነት መንፈሳዊ ጕዕዞን" ከምኡውን "ኣርኣያ ውዕዉዕ ሓዋርታዊ ስምዒትን ትብዓትን" እንክብሉ ቅድስናኣ አዊጆም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

'እናቴ ኣንቱላ' ናይ ፈለማ ጓል ኣንስተይቲ ኣርጀንቲናዊት ቕድስቲ እያ።

ትማሊ ሰንበት ዕለት 12 ለካቲት ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ - ኣብቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዋጅ ቅድስና ኣካዪዶም።

እዛ ኣብ ሃገረ ኣርጀንቲናን ከምኡውን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ምእመናን ህብብቲ ዝኾነት ማሪያ ኣንቶንያ ደ ሳን ሆሴ ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ኣብ ኣርጀንቲና ትነብር ዝነበረት ኢያ ።

ኣብቲ ግዜ’ቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ካብ ኣርጀንቲና ኣደዳ ስደትን ዓፈናን ምስ ኮኑ ። ማሪያ ኣንቶንያ ኣብቲ እዋን እቲ ተራ ጓል ኣንስተይቲ ዝነበረት፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኢግናጺያዊ መንፈሳውነት ማለት መንፈሳውነት ኢየሱሳውያን ንምስፍሕፋሕ ዓቢይ ኣበርክሮ ዝገብር ኢያ ።

ኣብ መንጐ እዞም ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ሓሙሽተ ሽሕ ዝዀኑ ምእመናን እቲ ሓድሽ እተመርጸ ርእሰ ብሔር ሃገረ ኣርጀንቲና ኻቭየር ሚለይ ተረኺቦም ነይሮም።

ኣዋጅ ቅድስና እናቴ ኣንቱላ
ኣዋጅ ቅድስና እናቴ ኣንቱላ

"መንፈሳዊት ተጓዓዚት"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ነቲ ዘሰናደውዎ ጽሑፍ ኣስተንትኖኦም ብሓደ ሸነኽ ኣንቢሮም ካብ ኣንደበቶም ከምዚ ክብሉ መስከሩ፦

"ሎሚ ብዛዕባ ማሪያ ኣንቶንያ ደ ሳን ሆሴ 'ማማ ኣንቱላ' ኢና እንነስተንትን ዘሎና" በሉ ። "ንሳ ብመንፈስ ተጓዚት እያ ዝነበረት ። ንኣምላኽ ምስኣ ብምምላእ ንኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ብእግራ ተጓዕዘት ምድረ-በዳ ሰጊራ ከምኡ ውን ብሓደገኛ መገዲ ሒዛቶ ኸደት።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ሎሚ ንሳ ኣብነት ውዕዉዕ ሓዋርያዊ ስምዒትን ትብዓትን ኢያ" በሉ። "ማሕበር ኢየሱሳውያን [ካብ ኣርጀንቲና] ምስ ተሰጉ ብሳላ እቲ ኣብ ሓልዮት አምላኽ ዝነበራ እምነትን ጽንዓትን፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብኣ ብርቱዕ ተልኾ ወንጌላዊ ነበልባል ኣቀጻጸለ። "

"ሎሚ ናብ ቅድስቲ ማሪያ ኣንቶንያ ደ ፓዝ ደ ሳን ሆሴ ዝያዳ ምእንቲ ኽትሕግዘና ንጸሊ" በሉ።

ኣዋጅ ቅድስና እናቴ ኣንቱላ
ኣዋጅ ቅድስና እናቴ ኣንቱላ

ቀኖና ኣዋጅ ቅድስና 

ኣብ ትሕቲ እቲ ሚኬልኣንጀሎ ዝሓነጾ ጉልልላት እቲ ሊጣንያ ናይ ኩሎም ቅዱሳን ድሕሪ ምዝማሩ  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀኖናዊ ኣዋጅ ቅድስና ፈጺሞም ።

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን ንቅርያት "እናቴ ኣንቱላ" ኣብቲ ዝተሰናደውሉ ናይ ክብሪ ቦታ ድሕሪ ምውፋዩ፣ ከምቲ ወትሩ ኣብ ሥርዓት ዓዋጅ ቅድስና ልምዲ ዝኾነ ናይ ዕለቱ ወንጌል በቲ መበቆላዊ እተጻሕፈሉ ቋንቋ፣ ብቋንቋ ግሪኽ ተነበ ።

ኣብ ክፍሊ መሥዋዕተ ቅዳሴ እዋን ወፈያ ምስ በጽሑ እቲ ብኣማላድነት እዛ ሓዳስ ቅድስቲ ተኣምራት ፈውሲ ምሕረት ዝተገብረሉ ክላውድዮ ፔሩሲኒን ስድራ ቤቱን ነቲ ናዕለቱ ህያባይ ናብቲ መሰውኢ ኣቕረቡ ።

ኣዋጅ ቅድስና እናቴ ኣንቱላ
ኣዋጅ ቅድስና እናቴ ኣንቱላ

 

ለምጻማትን እተገለሉን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘቅረብዎ መደረ ነዛ ሓድስ ቅድስቲ ብኣድናቖት ጠቒሶምዋ ነበሩ፣ ትማሊ ሰንበት ውን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል አምላኽ ካብቲ ኣብ ናይ ዓርቢ መደረኦም ዝጠቐስዎ ምስክርነታት ገለ ገለ ብምጥቃስ ሕልፍ በልዎ ። የግዳስ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ብምምትኳር ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ብተዐምራት ዝፈወሶ ለምጻም  ኣስተንትኖ ኣቕረቡ ። (ማር 1፡ 40-45) እቲ ለምጻም ሰብኣይ ብሕማሙ ጥራይ ኣይኮን ዝሳቐ ዝነበረ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ብሰንኪ ዝወርዶ ዝነበረ ተነጽሎን ምግላልን ውን ይሳቐ ነበረ።

"ፍርሂን፣ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን፣ ከምኡ ውን ምስሉይ መንፈሳውነትን - እዚ ሰለስተ ጠንቂ ዓብዪ ምጕዳል ፍትሒ ኢዩ፣ እዚኣቶም ኸኣ ነቶም ድኹማት ከም ጐሓፍ ገይሮም ስለ ዝርእይዎም፣ ከም ዝሳቐዩ ዝገብሮም ሰለስተ 'ለምጺ ናይ ነፍሲ' ኢያቶም ። ኣሕዋትን ኣሓትን ሎሚ ውን እንተኾነ እዚ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጥራይ ከም እተፈጸመ ጌርና ኣይንሕሰብ ። ኣብ ጽርግያታትን ከተማናን እውን ከይተረፈ ኽንደይ ሰባት እዮም መከራ ዝወርዶም ዘሎ! ከምኡ ውን ክንደይ ዚኣክል ፍርህን፣  ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን፣ ከምኡ ውን ናይቶም ኣመንትን ክርስትያን ኢና ዚብሉን እውን ከይተረፉ ምስ መንነቶም ዘይከይድ ባህርያንት ክንደይ  ይጐድኦም ኣሎ ! ኣብዚ ግዜና እውን እንተ ዀነ ክንደይ ኪፈርስ ዘለዎ መኸላእታታር ኣሎ፣ ኪፍወስ ዜድልዮ 'ሕማም ደዌ' እውን ኣሎ።" ክብሉ መስከሩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ፈውሲ ምሕረት ከ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም? ካብኣቶም ርሕቀትና ብምሕላው ኣይኮነን። ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ነጋድያንን ብጻሕትን፣ ከምቲ ኢየሱስ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ብምውሳድ ነቲ ሕሙም ከም ዝተንከፎ ብምጥቃስ፣ ነዚ ብምግባሩ ኢየሱስ ነቲ ኣብ ዘመኑ ዝነበረ ሕጊ ንጽሕና ከም ዘፍረሶ ኣጕልሑ።

ኣዋጅ ቅድስና እናቴ ኣንቱላ
ኣዋጅ ቅድስና እናቴ ኣንቱላ

ኣገዳሲት ዕለት ንኣርጀንቲና 

5,500 ዝዀኑ ምእመናን ናብዚ ብምኽንያት ኣዋጅ ቅድስና ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምስታፍ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦም ነይሮም፣ ከምኡ ውን ብዙሓት ካብ ኣርጀንቲና ዝመጹ ጳጳሳትን ካህናትን ነጋድያንን ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደቂ ዓዶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ኣባኡ ተረኾቦም ነይሮም ።

ኣብ ውን ኣርጀንቲና ካብ ጸሎተ ዋዜማ ጀመሚሩ ዝግበር መደብ ጸሎታት ተሰናድዩ ነይሩ፣ እዚ ጳጳሳዊ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ አብ ዓበይቲ ቅትዓታት ኣርጀኒቲና ብዝርከቡ ዓበይቲ ስክሪናት ብቐጥታ ይርኣ ነበረ ።

ርእሰ ብሔር ኻቭየር ማይላይ እውን ካብ ቀዳም ኣትሒዙ ኣብ ሮማ ይርከብ አሎ፣ ትማሊ ሰንበት ውን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ  ተረኺቡ ኢዩ። ሎሚ ዕለት 12 ለካቲት  ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ዕላዊ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረብዎ ውን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ ።

12 February 2024, 17:59