ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ከተማ ፊረንዘ ዘጋጠመ ሓደጋ ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ከተማ ፊረንዘ ዘጋጠመ ሓደጋ ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ከተማ ፊረንዘ ዘጋጠመ ሓደጋ ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም

ኣብ ኢጣልያ ከተማ ፊረንዘ ኣብ ሓደ ሓድሽ ዝህነጽ ዘሎ ዓብይ ቤተ መሸጣ ብዘጋጠመ ናይ ዓንዲ እቲ ህንጻ ምፍራስ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝሞቱ ዝተሓበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምዉታት ስድራ ቤት ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም ነቶም ናይ ሞታ ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ ቤት ክቕበሎም ንጸሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ማእከላይ ዞባ ኢጣሊያ ከተማ ፊረንዘ ዝሕነጽ ናይ ዝነበረ ሓደ ሓድሽ ዓቢይ ቤት መሸጣ መግብን ኣቑሑን ዕለት 17 ለካቲት ናይቲ ህንጻ ዓንዲ ፈሪሱ ኣርባዕተ ሰራሕተይናታት ንሞት ከም ዝዳረገን ካልኦት ሰለስተ ድማ ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዘጋጠሞም ክንገር እንከሎ፡ ቅዱሰንቶም ዕለት 19 ለካቲት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ንስድራ ቤት ምዉታት ጽንዓት ይሃብ እቶም ማይሰይቲ ዝወረዶም ድማ ቅልጡፍ ምሕዋይ ከም እተመነዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲክን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ብይብጻሕ ናብ ናይ ፊረንዘ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ጁዘፐ በቶሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ ንስድራ ቤት ግዳያት ቅርበቶምን ጸሎትምን ከም ዘረጋገጹን ብተወሳኺ ኣብ ኩሉ ናይ ስራሕ ቦታታት ዝለዓለ ንቕሓትን ድሕነትን ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "ካብቶም ንሰራሕተኛታት ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ተወፋይነት ከም ዝገብሩ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ናይ ድሕነት ጻዕርታት ንዝሳተፉ ብምምስጋንን ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ከተማ ፊረንዘ ዘጋጠመ ሓደጋ ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም
19 February 2024, 15:50