ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንተዓወቲ ስልማት ዛይድ እንቋዕ ሓጎሰኩም ቢሎም ሰብኣዊ ሕውነት ይንእዱ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣቡዳቢ ናብ ዝተካየደ ስነ-ስርዓት “ስልማት ሰብኣዊ ሕውነት ዛይድ” ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ኩሉ ሰብ ናይ ሰላምን ዘተን ባህሊ ከስፍሑ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ለካቲት ናብቲ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 2024 ዓ.ም. ስነ-ስርዓት ስልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ከም ዘመሓላለፉን እዚ ናይ ለምዘበን ስልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ምስ ናይ ምስሪ መንበረ ጥበብ ኣል ኣዝሓር ዓብይ መምህር ሸኽ ኣሕመድ ኣል-ጠይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገብርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ንሰላም ዓለምን ብሓባር ምንባርን ዘርስቱ ሰነድ ኣብ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ንዓብይ መምህር ኣል ጣይብ ሰላምታ ብምቅራብ ነቶም ኣርባዕተ ተዓወትቲ ንሰብኣውነት ዝድግፍ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ ዝገበርዎ ጻዕሪ ይንእዱ።

ተዓወትቲ ስልማት ዛይድ፡ ኣባል ማሕበር ደናግል ፍቕሪ ማርያም ሕያዋይ ጓሳ እናቴ ኔሊ ሊዮን ኮረያ ዝተባህላ ተወላዲት ቺለ ንእሱራት ዝኣልያን ምስራዊ ሓኪም ማግዲ ያኩብ ሓኪም መጥባሕቲ ልብን ሳንቡእን፤ ከምኡ እውን ናህድላቱል ኡላማን መሓመድ ያህን፡ እተሰያ ክልተ ፍሉጣት እስላማውያን ትካላት ኢንዶነዥያ ከም ዝኾኑን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ነቶም ተሰለምቲ ስለ ዘካይድዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘደንፍዕ ተግባሮም ኣመስጊኖም፣ "ኣብነቶም ንኻልኦት ሰባት ንብምሉእ ሰብኣዊ ስድራቤት ዘገልግሉ፡ እቲ ኣብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ምትሕብባር ክብረት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘኽብር ከምኡውን ነቲ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ዘውጽኦ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዘደንፍዑ ተበግሶታት ንኽገብሩ ከም ዘተባብብዕ ኣእአምን እየ" ከም ዝበሉ የመላኽት።

​ፍራንቸስኮ ሰብኣዊ ሕውነት ጽልእን በደልን ንምስዓር ዝሕግዝ መሳርሒ እዩ ቢሎም፥ “ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን፡ ዝተፈላለየ ባህልናን ልምድናን እናኣኽበርና፡ ጽልእን ዓመጽን በደልን ንምስዓር ሕውነት ክንሃንጽ ከም ዘለና ኣብ ግምት ብምእታው ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ክንጓዓዝ ዝተጸዋዕና ኢና - ቢሎም -

"ዘርኢ ተስፋ ኣብ ምስፋሕ እተካይድዎ ጻዕሪ ሰጉሙ" እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 February 2024, 16:03