ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ ማእከል ሓዘን ብትንሳኤ ኢየሱስ ተጸናናዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ነጋድያን በጻሕትን፣ ብትንሳኤ ኢየሱስ ብምጽንናዕ እንተ ደአ በቲ ኣብ ሕያውነት ኣምላኽ ዘሎና እምነት ንጓሂና ምላሽ ክንህበሉ ክኢልና፣ ንተስፋ ምቝራጽናን ሓዘንናን ምጽንናዕ ክረክብ ከም እንኽእል ኣስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወትሩ ሰሙናዊ ረቡዕ ረቡዕ ኣብ ዘካየድዎ፣ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ፣ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝጀመርዎ ተኸታታሊ ትምህርቲ ብዛዕባ ኣመላውያን ሓጢኣትን መንፈሳውያን ሓይላትን ብምቕጻል ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ “ብሓዘን ምስ ተዋሓጥካ ብትንሳኤ ኢየሱስ ተጸናናዕ፣” እንክብሉ ኣስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም ክልተ ዓይነት ሰባት ከም ዘለዉ ብምዝካር ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ብዛዕባ ኣመላዊ ሓጢኣት ሓዘን ኣተኲሮም ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም ።

ክልተ ዓይነት ሓዘን

ክልተ ዓይነት ሓዘን ኣሎ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ እቲ ቐዳማይ "ንክርስትያናዊ ህይወት ዚበቅዕ ኣሎ፣ እዚ ሓዘን እዚ ብጸጋ ኣምላኽ ናብ ሓጐስ ኪቕየር ዚኽእል ሓዘን" ምዃኑ ድማ ገለጹ። እዚ ኸኣ "ኪነጽግ ዘይብሉን ሓደ ክፍሊ ናይ ጕዕዞ ንስሓን ኢዩ" በሉ።

እቲ በታኒ ወዲ "ኣብ መወዳእታ ብልሽውናኡ ምስ በጽሐ፣ ናብ ልቡ ንኺምለስን ናብ ኣቦኡ ንኺምለስን ዜለዓዕሎ ዓብዪ ምረትን ጣዕሳን" ከም ዚተሰምዖ ብምዝካር፣ ተመኵሮ ናይቲ በታኒ ወዲ ጠቒሶም ። እዚ ጸጋ ኢዩ፣ "ብሓጢኣትና ክንሓዝዝንን፣ ካብ ከመይ ዝኣመሰለ ጸጋ ከም ዝወደቐና ክንዝክርን፣ ከምኡውን ነቲ ኣምላኽ ዝተመነየልና ንጽህና ስለ ዝሰኣንና ክንሓዝን ዘክእለና" ከም ምዃኑ ውን ኣስፊሖም ገለጹ። ይኹን እምበር እቲ ኻልኣይ ዓይነት ሓዘን ግና "ካብቲ ክፉእ ስለ ዝመጽእ ከይተሓለልና ብዅሉ ሓይልና ክንቃለሶ ይግባእ" በሉ። እዚ "ሕማም ነፍሲ" እዚ "ትምኒትና ወይ ተስፋና ምስ ጠፍአ ኣብ ልቢ ወድሰብ ዝኽሰት ኢዩ" ድማ በሉ፣ እዚ ተመክሮ ናይቶም ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተጠቒሶም እንረኽቦም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ሰብ-ኤማሁስ ኢዩ፣ ብምኽንያት ሞት ኢየሱስ ዝተሰምዖም ሓዘንን ተስፋ ቁርጸትን ከም ዝነበረ ድማ ዘከሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ኣስተምህሮኦም ከም ዝዘኻኸርዎ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንጦስ ክጽሕፍ እንከሎ 'ከም ፍቓድ አምላኽ ምጕሃይ ናብ ድሕነት ዘብጽሕ ንስሓ የስዕብ፣ ኣየጣዕስን ከአ ኢዩ፣ ጓሂ ዓለም ግና ሞት የስዕብ፣” (2 ቈረ 7 10)  ብምባል ኣብ መንጎ እዞም ኽልተ ዓይነታት ሓዘን ዘሎ ፍልልይ ገለጸ።

ብእምነትን ብተስፋን ዝተሓደሰ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ፣ ብርቱዕ ሓዘን መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ዘሰንዮ ክሳራን ጓህን እተተሓሓዘ ኮይኑ፣ ተስፋ ቁርጸት፣ ድኽመት፣ መንፈስ ጭንቀት፣ ከምኡውን ብስጭ ዘስዕብ ኢዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ዝኾነ ጸገምን ሽግንርን፣ ገለ ሰባት ካብ ጓህን ብስጭርን ክወጹ ከም ዘይክእሉ፣ ገለ ሰባት ግን ብተስፋ ክሕደሱ ከም ዝኽእሉ ብምሕባር ከምዚ በሉ - "ኵላትና ጓህን ብስጭትን ዘስዕብ ጸበባ ኣሕሊፍና ኢና፣ ከመይሲ ህይወት ገለ ገለ እዋናት ክንበጽሖም ዘይንክእል ሕልምታት ክንምነ ይገብረና ኢዩ።"

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ነቶም ብጓሂ ዝሳቐዩ ብእምነትን ናብ ኢየሱስ ብምቕራብን ክጸናንዑ ተማሕጸንዎም።

ትንሳኤ የሱስ መጸናንዒና ኢዪ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም ሓዘንን ጓህን ጥዕና ከም ዘይኰነን ምስ ክርስትያናዊ መንነትና ከም ዘይከይድን ብምግላጽ ከምዚ በሉ - "ሓደ ሰብ ባዶነት ናይቲ ምሳኡ ዘየሎ ሰብ ምስ ዝዕብልሎ እዚ ዓይነት ሓዘንን ጓህን፣ ምስ ህይወት ብመንፈስ ቅዱስ ዝኸይድ ኣይኮነን” ክብሉ ኣጠንቀቑ ።

ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ዅሉ ወድሰብ ክፍወሰ ዘድልዮ ነገር ከም ዘሎን፣ ጓሂ ባህርያዊ ምዃኑን እኳ እንተ ተኣመንና ናብ ሰንኮፍን ሓደገኛን ኩነት ክቕየር ከም ዝኽእል ውን ኣጠንቀቑ።

ይኹን እምበር ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተምህሮኦም "ንትንሳኤ ክርስቶስ እና ሓሰብካን ኣስተንተንካን ብቐሊሉ ክትቃለሶ" ከም ዝከአል ውን ተላበው።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም "ምሉእ ህይወት ወድሰብ ንሓድሕዱ ዚጋጮ፣ ዝተኸስረ ባህግታት፣ ዘይተፈጸመ ሕልምታት፣ ዝጠፈሸለ ዕርክነት እኳ ኮይኑ እንተ ተረኽበ፣ ሳላ ትንሳኤ ኢየሱስ ግን ኵሉ ኸም ዚድሕን ክንኣምን ንኽእል ኢና" ኢሎም ብኣጽንዖት ገሊጾም ።

እምነት ንፍርሂ ተጥፍኦ

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ብኣግራሞት "ኢየሱስ ነቲ ኣብ ህይወትና ዘይተፈጸመ ሓጐስ ንምብጃው ደኣ እምበር ንርእሱ ጥራይ ኣይኰነን ተንሲኡ!" ክብሉ ኣመልከቱ።

"እምነት እምበኣር ንፍርሂ ጠንጢና ትድርብያ፣ ትንሳኤ ክርስቶስ ከኣ ንጓሂ ኸምቲ እምኒ ኻብቲ ኣፍ መቓብር የወግዶ" ብምባል ብሓጐስ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክርስትያናዊ ህይወት "ናይ ትንሳኤ ተመኩሮ" ምዃና ብምስትንታን መንፈስ ናይቲ ዝተንስአ ኢየሱስ ንሓዘንና ብቕድስና ክንስዕሮ ክሕግዘና ብምጽላይ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ ።

07 February 2024, 15:32