ድለ

2024.02.14 Udienza Generale 2024.02.14 Udienza Generale   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ፦ ብናይ እምነት ትዕግስቲ ኵሉ ነገር ይከኣል እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ትምህርትታት ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢኣትን ብምቕጻል፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ውን ብዛዕባቲ ብናይ እምነት ትዕግስቲ ክንዋጽኦ እንኽእል ስንፍና ወይ ትህኪት ብምትኳር ኣስተምህሮ ለጊሶም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝጅመርዎ ተኸታታሊ ትምህርትታት ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢኣትን ብምቕጻል፣ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ "መብዛሕትኡ ግዜ ዕሽሽ ተባሂሉ ዝርአ ሓጢኣት" ስንፍና ኣስተምሃሩ ።  ቅዱስ ኣቦና እዛ “ስንፍና” እትብል ቓል መብዛሕትኡ ግዜ ብኻልእ ብዙሕ ግዜ እንጥቀመላ ቃል ማለት “ትህኪት” ከም እትትካእ ብምግላጽ ኣስተምህሮኦም ጀመሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም - "ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ትህኪት ምኽንያት ካብ ምኹን ንላዕሊ ሳዕቤን ከም ምኹኑ ኣስፊሖም ገለጹ ። ሓደ ሰብ ስራሕ ዘይብሉ፡ ሸልተይና ወይ ተገዳስነት ዘይብሉ ድንዙዝ እንተድኣ ዀይኑ ሃካይ ኢና እንብሎ ። እንተዀነ ግን ከምቲ ካብ ጥበብ ናይቶም ጥንታዎት ኣቦታት ምድረ በዳ ዝተማሃርናዮ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ሱር ናይዚ ስንፍና ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ናይ ቋንቋ ግሪኽ ስርወ ቃሉ ክትርጐም እንከሎ 'ዘይምግዳስ፣ ግዲ ዘይብልካ ምዃን፣ ሸለልትነት' ማለት ኢዩ ዘስምዕ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ትህኪት ኣዝዩ ሓደገኛ ፈተና ምዃኑ ገለጹ፣ ከመይሲ "ኵሎም እቶም እዚ ፈተና እዚ ዝስምዖም፣ ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ክጠዓሱ ኢዮም ዝርከቡ፣ እቲ ብድሕሪኦም ዝገደፍዎ ጉብዝና ድማ ክምለስን ክዕረን ኣይክእልን ኢዩ ። "

"ናይ ቀትሪ ኣጋንንቲ"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንስንፍና "ናይ ቀትሪ ጋኔን" ኢሎም ብምጽዋዕ "ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ድኻም ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፣ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሰዓታት ዘይልሙድን ክንጾሮ ዘይንኽእልን ኰይኑ ምስ ዝስምዓናን ክቆጻጸረና ይርከብ " ብምባል ገለጽዎ ።

ቅዱስነቶም ነቲ ኢቫግሪየስ ፖንቲኮ እተባህለ መንኮስ ካብ ዝጸሓፎ፣ ብዛዕባ እዚ ስምዒት እዚ ይጠቕሱ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኣንበብቱ ውን ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ነዚ ክርድኡ ከአሉ "ብስነ-ኣእምሮኣውን ፍልስፍናውን ኣረኣእያ፣ ንክፍኣት ናይ ጭንቀት ኣጸቢቑ ብቐረባ ዘዘኻኽረና ከም ምኹኑን" ከማኡ ገይሮም ከም ዝርእይዎ ድማ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም እቶም ብስንፍና እተታሕዙ ሰባት ህይወቶም ትርጕም ዘይብሉ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። "ቅድሚ ሞትካ ከም ዝሞትካ እዩ ዚመስል" ድም በሉ ቅዱስነቶም ።

ትዕግስቲ እምነት

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ እዚ ዓይነት ኣመላዊ ሓጢኣት እዚ ዘለዎ ሓደጋ ንምጕላሕ እቶም "መምህራን መንፈሳውነት" ዝኾኑ ኣቦታት እተፈላለየ መድሓኒታት የመልክቱልና ድሕሪ ቢሎም ቅዱስ ኣቦና፣ ሓደ ኻብዚኣቶም ድማ "ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ" ዝኾነ ናይ እምነት ትዕግስቲ ኢዩ በሉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ወላ እኳ ሓደ ሰብ 'ኣብ ኩሉ ቦታ' ክርከብ ድላይ እንተ ሃለዎ፣ ንህላዌ አምላኽ፣ አብ ዘለዎን አብ ግዚኡን ንኽቕበልን ኣባኡ ንኽጸንዕን ትብዓት ኪህልዎ ኣለዎ" በሉ።

ኣስዒቦም ድማ ቅዱስነቶም፣ እዞ መንኮሳት ገዳማውያን እታ ዝነብሩላ ክፍሎም ንዓታቶም ዝበለጸት መምህር ህይወት ከም ዝዀነት ኢዮም ዝምስክሩ፣ ከመይሲ ኣብቲ ምስ ጐይታ ዘሎና ናይ ፍቕሪ ዛንታ መዓልታዊ ብጭቡጥ መገዲ ኢያ እትዛረበና ይብሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስተምህሮኦም ቅድሚ ምዝዛሞም እቲ ምስ ስንፍና ዝግበር ቃልሲ ወሳኒ ምዃኑ ከምኡውን "ዝኸፈልካ ከፊልካ ክትዕወተሉ ዘለካ ከም ምዃኑ" ገለጹ።

ንቅዱሳን እኳ ኣይነሓፎምን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝተዓዘብዎ መብዛሕትኡ ዕለታዊ - መዛግብ ናይ ቅዱሳን ከም ዘዘንትውልና "እዚ [ፈተና እዚ] ንቕዱሳን እውን ከይተረፈ ዘይነሓፎም ቃልሲ ከም ምዃኑ ኢዩ፣" በሉ።

ነቶም ብትህኪት ዝፍተኑ ዘልዉ ኮይኑ ዝስምዖም "ንእሽቶ ተወፋይነትት ክገብሩን ፣ ክብጻሕ ዝከኣል ሸቶታት ኬውጽኡን፣ ግናኸ ናብቲ ኣብ ፈተና ፈጺሙ ዘይገድፈና ኢየሱስ ብምውካል ኪጸንዑ" ከም ዝለዎ ሓደራ በሉ ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እምነት ብፈተና ስንፍና እኳ እንተ ተሳቐየት ጻማኣ ኸም ዘይትስእን ገለጹ ። ኣስዒቦም ድማ "እታ ናይ ሓቂ እምነት ማለት፣ እታ ሰብኣዊት እምነት፣ ዋላ እኳ አብ ዝኾነ ኩነታት፣ ወላኳ ዜዕውር ጸልማት እኳ እንተሃለወ፣ እታ ቀጺላ ብትሕትና እትኣምን እያ" እንክብሉ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ ።

14 February 2024, 17:20