ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክቡር ህያብ እግዚኣብሔር እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክቡር ህያብ እግዚኣብሔር እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክቡር ህያብ እግዚኣብሔር እዩ

ኣብታ “ኤንሪከ ኣንኸል ኣንኸለሊ፡ ንኣምላኽን ንህዝብን ጽን ምባል” ብዝብል ኣርእስቲ እዞም ካብ 1968 ዓ.ም. ክሳብ ሰማእትነት ዝተቐበልሉ 1976 ዓ.ም. ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ዝለገስዎ ስብከታት ዝሓዘ ንንባብ ናይ ዝበቕዐ መጽሓፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዝደረስው መቕድም ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኤንሪከ ኣንኸል ኣንኸሊል፡ ንኣምላኽን ንህዝብን ጽን በሃላይ!

መቕድም ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይትን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ: ኩላትና ህያብ ጎይታ ኢና፡ ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ ህያብ። ነፍሲ ወከፍና ንኹሉን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን ውህብት ኢና፣ ኣብ ሓደ ኵነታት፣ ኣብ ሓደ እዋን፣ ኣብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ስጋ ዝለበስና። ንሕና ጭቡጥ ህያባት ኢና፣ ንጭቡጣት ሰባት፣ በዚ መንገዲ እዚ ድማ ንኹሉ እውን ህያብ ኢና፣ ኣብቲ ተራ ዝኾነ እንነብሮ ህይወት ዝንበር። ብርግጽ ምስ ጎይታን ምስ ካልኦትን ዕርክነት ብዝዕበና መጠን፡ እቲ ትርን ምረትን ዘይምስምማዕ ይውገድ፡ ዕንቅፋት ሕብረት ካብ ምዃን ነቋርጽ፡ እዚ ድማ ፍሉይን ዘይድገምን ኣገባብ ህላወና ይኸውን። ንኻልኦት ናይ ምዃን ፍሉይ ህያብ። ስለዚ ኩላትና ህያብ ኢና፡ ዅላትና ውህበት ኢና እንተዀነ ግን ቤተ-ክርስትያን ነቶም ብኩላውነት ኣገባብ ማለት ንዅሉ ዚሓቍፍ ውህበት ዝዀኑ ቕዱሳን ሰባት ኣፍልጦ ትህብ፣ ስለዚ ኸኣ እዮም ህላወኦምን ዕርክነቶምን ነቶም ዝቐርብዎም ሰባት ቦታታትን ከባቢኦምን ከምኡውን ግዜኦምን ምእንቲ ካልኦት ንዝነብሩ ቅዱሳንን ቅዱሳትን ትብሎም። ከመይሲ ቅዱሳን ንኢየሱስ ምምሳል ዝነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ ዝዀኑ ንነፍሲ ወከፍ ውሉድ ኣምላኽ (ብኣብነቶምን ብትምህርቶምን ምሕዝነቶምን ተወፋይነቶምን) መወከሲ ኣብ ምዃን ዝተግሁ ስለ ዝኾኑ፡ ኵላትና ምስ ኣቦን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝያዳ ሓድነት ምእንቲ ኺህልወና ንኢየሱስ ብምምሳል ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ ሓድነት ይህልወና።

ብፁዕ ሰማዕት ኤንሪከ ኣንኸል እንኸለሊ ጳጳስ ሰበኻ ላ ሪዮጃ ነታ ኣብ ኣርጀንቲና ዘላ ቤተ ክርስቲያን ካብ ጎይታ ዝተዋህበ ህያብ እዩ ነይሩ። ሕጂውን ህያብ እዩ። በዓል ናጽነትን ንኹሉ ዘፍቕርን ንኹሉ: ፈታዊ ይኹን ጸላኢ: ሓው ኩሉ ዝኾነ። ናይ ብሓቂ ካቶሊካዊ ጳጳስ፣ ንኣብነት ብምኽንያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓምሻይ ዓመት ጉባኤ ጳጳሳት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካንን ርክብ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝገብሮ ርክብ ናብ ህዝቡ ምስ ተመልሰ ብዛዕባ ዘካየዶ ርክብ ከሕብር እንከሎ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባብ ኣዝዩ ሰናይን ኣብነታውን እዩ ዝነበረ፡ ብተመሳሳሊ ብውዕዉዕ መንፈስ ድማ ውጽኢት ናይቲ ኣኼባን ካብ ሮማ ዝበጽሖ መልእኽትን ደብዳቤታትን ናብ ምእመናን የመሓላልፍ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ ሎዕሊኡ ተጻራርነትን ሓደጋታትን ጽልእን እናዓበየ ክነሱ፡ ፍርሕን ምፍርራሕን እውን ይጋጥሞ እንተነበረ፡ ጓሳ መጓሰ ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ዝወሃቦ ትእዛዝ ይፍጽም። ነቲ መጓሰ ኣብ ማህደረ ንዋየ ቅዱሳት ንምዕጻው ዘይኰነስ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምስፋሕ ንኹሉ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትን ስድራቤትን ምሕዝነትን ኣብ ቅዳሴን ንኹሉ ሓንጎፋይ ቢሉ ክቕበልን ሓድነት ከበርትዕን የተባብዖን ይድርኾን እዩ ዝነበረ። ኣንኸለሊ ጅግና ስለ ዝነበረ ኣይኮነን ነዚ ኹሉ ዝፍጽም ዝነበረ። ብሓቂ ሰማዕት እዩ ንኢየሱስ ኣብ ምምሳል ዝጸዓረ። ቤተ ክርስቲያን እውን ነዚ ዝኾነ እያ ዘለለየት።

ሰማዕት ልቡን ኣእምሮኡን ኣብ እግዚኣብሔር እንተደኣ ኣንቢሩ ኩሉ ግዜ ንኹሉ ሰብ ምንጻግ ነፍሲ ወከፍ ንውልቃዊ ረብሓ ወይ ንምቹእ ህይወት ዝዓለመ ምዝመዛን፣ መሰልን ህይወትን ናይቶም ተነቀፍትን ... ተኣፈፍትን፡ እቶም ዝተገለሉ - እቶም ሎሚ ኣብ ወሰናስን ዝተሓረጉ - ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ንዘለዉ ልባዊ ፍቕሪ ዝነብር እዩ። ነዚ እዩ ድማ ኣብዚ ንእግዚኣብሔርን ህዝብን ጽን ምባል ብዝብል እርስቲ ኩሉ ናይ ብጹእ ሰማእት ኣንኸለሊ ስብከታት ዝሓዘ መጽሓፍ፥ ኣብ ወንጌላዊ መመያ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክንገጥሞ ዝተጸዋዕና ብድሆታትን ኩነታትን ምንጪ ምትብባዕን ዕብየትን ክኸውን ዝኽእል። ከምኡ’ውን ኣብ ሞያውን ስድራቤታውን ህይወትና እውን ከይተረፈ።

ጳጳስ ኤንሪከ ተራ ጓሳ ዝነበረን: ምስ ህዝባዊ መንፈሳውነት ማለት ምስ ቦታታትን ግዜን በዓላትን ናይታ ሃገርን ህዝብን ዝተኣሳሰር ኩሉ ኣኽቢሩ ዝርእይ፣ እዚ ድማ ህዝቢ – ብሓድነትን ምትሕግጋዝን – ምስ ክርስቶስን እኖ ቤተክርስትያንን ዘለዎ ምትእስሳር ንምዕባይ ዝብል ዕላማ ከም ዝነበሮ ዘረጋግጽ እዩ። እዚ ናይ ስብከታቱ መጽሓፍ እዚ ከም ዝምስክሮ፡ ስብከቱ ብሓቂ ህቡብ፡ ንኹሉን ናብ ኩሉን ዘቐንዐን ንኹሉ ተበጻሒ ከም ዝነበረን: ወንጌል ህልዮ ከም ዘይኮነን ኣምነት ድማ ሰብኣዊ ስርዓታት ዝኽተል ሃይማኖት ምእማን ማለት ዘይኮነስ ኣብ ክርስቶስ ኣሜን ምባል ምዃኑ ንምግላጽ ዝተወፍየ፡ ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ማሕበራዊ ህይወት እውን ነዚ እምነት እዚ መልሕቕ ዝገበረ እዩ። እምነት ልብን ኣእምሮን ምስ ዝቕይር ክርስቶስ ርክብ ምቕባልን፡ ከምኡ’ውን ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን እንርእየሉ ኣገባብ ምቕባልን እዩ። ወንጌል ገዛእ ርእስና ክንጥምትን ብፍቕሪ ክንጥምትን ዝድርኽን እዩ።

12 February 2024, 15:25