ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንኢፋድ፡ እነባኽኖ መግቢ ንኹሎም ዝጠመዩ ክምግቦም ዝኽእል እዩ ር.ሊ.ጳ. ንኢፋድ፡ እነባኽኖ መግቢ ንኹሎም ዝጠመዩ ክምግቦም ዝኽእል እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ንኢፋድ፡ እነባኽኖ መግቢ ንኹሎም ዝጠመዩ ክምግቦም ዝኽእል እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናብ ዓለም ለኸ ትካል ልምዓት ሕርሻ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብዛዕባ ሓደጋታት ብኽነት መግቢ ኣጠንቂቖም፣ ኣብ ዓለም ዝባኽን መግቢ ነቶም ብጥምየት ንዝሳቐዩ ኵሎም ክዕንግል ከም ዝኽእል ኣጉሊሖም፡ ኣገባብ ልምዓት ምህዳር ዝጎድእ ክይከውን ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ለካቲት ንተሳተፍቲ መበል 47 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣመሓደርቲ ናይ ዓለም ለኸ መዋሊ ልምዓት ሕርሻ (ኢፋድ) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ፥

“ክብሪ ናይ ማንም ሰብ ዘይጋሃሰላን ሕውነት ክውን ዝኾነላ፡ ምንጪ ሓጎስን ተስፋን ኩሉ” ዝኾነት ዝሓሸት ዓለም ኣብ ምህናጽ ዝግበር ተወፋይነት ግዜን ጉልበትን ኣመስጊኖም። ሎሚ ዓለምና ምስ መግቢ ዝተኣሳሰር ልቢ ዝሰብር ክልተኣዊ ምፍልላይ ከምዘጋጥማ ኣስተብሂሎም።

እዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ምስ መግቢ እተተሓሓዘ ዜስካሕክሕ ምፍልላይ ከም ዘለዋ ገለጾም፥ "በቲ ሓደ ሸነኽ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብጥሜት ክሳቐዩ እንከለዉ፥ በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ኣብ ምብኻን መግቢ ዝረኣ ዓቢ ስምዒት ኣልቦነት" ከም ዘሎ ገሊጾም፡ እቲ ዝጐሓፍ መግቢ፡ ዓመት መጸ ብብዝሒ ጽሩይ ጋዝ ንምቕራብ ዝጠቅም ኮይኑ ከም ዘሎ ኣመልኪቶም፡ ብግቡእ ምምቕራሕ እንተዝምራሕ ግን ንኹሎም ዝጠመዩ ንምምጋብ እውን እኹል ምኾነ ነይሩ ስለዚ ነቶም ብጥምየት ንዝሳቐዩ ምሓሳብ ከም ዘድሊ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢ ኣየር ዚርአ ለውጢ፡ ምዝመዛ ሃብቲ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ንመነባብሮ ሚልዮናት ሰባት ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ማእለያ ዘይብሉ ግጭታት ጠቒሶም፥ ነዚ ብምስትውዓል "ንዓለም ናብ ሓደገይና ጥርዚ ንደፍኣ ኣሎና” እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጸገማት እናኣጋጠመ ኽነሱ ብዘየገድስ ኵሉ ሳዕ ብቐዳምነት ዚሳቐዩ ማሕበረሰባት ገጠራት ምዃኖም ገሊጾም፥ "ደቀባት እውን ግዳያት ሽግር፡ ስእነትን ግህሰትን እዮም" እክብሉ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፡ "ኣብ ምሕደራ ሃብቲ ተፈጥሮ ዘለዎም ኣፍልጦን ምስ ከባቢ ዘለዎም ምትእስሳርን ንምዕቃብ ብዙሕነት ህይወት ክሕግዝ ከምዝኽእል" ዘተሓሳሰቡ ቅዱሰንቶም ኣስዒቦም፥ ካልእ ብዙሕ ኣቃልቦ ዘይግበረሎም ሸለል ዝበሃሉ ጉጅለ ማሕበረሰባት ማለት ደቂ ኣንስትዮ፣ ቀንዲ እተን ኣብ ገጠራት ዝርከባ ብዙሓት መንእሰያት ሕንጸት ጸጋታትን ዕድላትን ዘይብለን ኣብ ገጠራት ዝርከባ ልዕሊ ፍርቂ ውሕስነት መግቢ ዘይብለን ኣባይቲ ስድራ ምዃነን ድማ ገሊጾም፥ ንዅሎም እቶም ተጋባእያን "ዝያዳ ሓፈሻዊ ናይ ሕርሻን መግብን ስርዓት ንምህናጽ ብሓባር ክዓዩ" ቅድሚ ምዕዳሞም፥ “እዚ ክውንነት’ዚ ዝፍጸምን ዝተፈላለዩ ብድሆታት ኣብ ባይታ ክውዕል ዘይክእል ዘይጭበይ ሜላታት ወይ ዘይብጻሕ ቃል ኪዳን ብምቕራብ ዘይኮነ ዝግጠም፡ ነቲ ካብ ሓባራዊ ተግባር ዝምንጩ ተስፋ ብምዅስኳስ፡ ንዘሎ ጸገማት ብፍላይ ድማ ጥምየትን ድኽነትን ክንገጥም ብሓባር ዝያዳ ንኹሉ ዝሓቁፍ ስርዓተ ሕርሻን መግብን ንምህናጽ ዝድርኸና እዩ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

15 February 2024, 15:39