ድለ

2024.02.05 Consiglio dei Cardinali C/9 2024.02.05 Consiglio dei Cardinali C/9  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንጉባኤ ካርዲናላት ናይ ቀረባ መማኽቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መሪሖም

ሓድሽ መደባዊ ጉባኤ ናይቶም ናይ ቀረባ መማኽርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኾኑ 9 ካርዲናላት፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ ኣብ እተረኽቡሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ይካየድ አሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ናይ ወርሒ ለካቲት ጉባኤ 9ቱ ካርዲናላት ትማሊ ሰኑይ ዕለት 5 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተጀሚሩ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኵሎም ኣባላት እዚ ጉባኤ፣ ናይ ቀረባ መማኽርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ዝኾኑ 9ቱ ካርዲናላት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ከም እተረኽቡ ኣፍሊጡ ።  

እዚ ጉባኤ 9ቱ ካርዲናላት ንመወዳእታ ግዜ ብ4ን 5 ታሕሳስ 2023 ኣብ ሃገረ ቫቲካን አብ ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ እተሰምየ መዕረፊ አጋይሽ ኣብ ቅድሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም እተኻየደ ዝዝከር ኢዪ ።

ኣኼባ ታሕሳስ

ቀንዲ ፍረ ነገር ናይቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እተኻይደ ጉባኤ "ደቂኣንስትዮ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ተራ" ዝብል ኢዩ ዝነበረ፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ጉባኤ ድማ በቶም ሊቃውንትን መምህራንን ሥነ መለኮት ዝኾኑ ክብርቲ እናቴ ሊንዳ ፖቸር፣ ሉቺያ ቫንቲኒን ከምኡውን ክቡር ኣባ ሉካ ካስቲልዮን ብዘቕረብዎ መግለጺታትን ኣስተምህሮታትን ከም እተሰነይ ዝዝከር ኢዩ ።

ብመሰረት እቲ ቅድስቲ መንበር ዝውጽኣቶ መግለጺ፣ ኣብቲ ኣቀዲሙ እተኻየደ ጉባኤ "ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ ምስትንታንን ውሳነ ናይ ምግባርን መስርሕ፣ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝገብርኦ መተካእታ ዘይብሉ ኣበርክቶ ምእንቲ ክንከስበሉ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ነፍስ ወከፍ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ነቲ ተንስታዊ መዳይ ቤተክርስቲያን ናይ ምስማዕን ጽን ናይ ምባልን ኣድላይነት" አብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተኮረ ኢዩ ዝነበረ።

ከምኡ ውን ብተወሳኺ እቲ ናይ ወርሒ ነሓሰ ጉባኤ 9ቱ ካርዲናላት ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይንን ቅድስቲ መሬትን ዘሎ ግጭታትን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዱባይ ዚካየድ ዝነበረ ዋዕላ ኮፕ28 ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ህጻናትን  መሳኪንን ዝወርድ ዓመጽ ንምክልኻል ንዝተገብረ ተበግሶ ዘተኰረ እዩ ዝነበረ።

እቲ ክልተ መዓልቲ ዝወሰደ ጉባኤ ኣስዒቡ ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ ሲኖዳውነት እንታይ ውጺት ከም እተረኽበን ከምኡ ውን ብዛዕባ “ትግባሬ” ናይቲ ወንጌል ስበኩ እተሰምየ ሓዋርያዊ ቅዋም ኣብ ሰበኻዊ ላዕለዎት ቤትጽሕፈታ ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ውን ንኽመያየጡ ኣጋጣሚ ፈጢሩሎም ኢዩ ።

እዚ ሓድሽ ጉባኤ 9ቱ ካርዲናላት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ7 መጋቢት 2023 ነዚ ጉባኤ 9ቱ ካርዲናላት ድሕሪ ምሕዳሶም፣ እዚ ጉባኤ ካርዲናላት በቶም ዋና-ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊንን፣ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ኮሚሽን ንምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ኣመሓዳሪ ሃገረ ቫቲካን ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ቬርገዝ ኣልዛጋን ፣ ብፁዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ሊቀ-ጳጳሳት ኪንሻሳን፣ ብፁዕ ካርዲናል ኦስቫልት ግራስያስ ሊቀ-ጳጳሳት ቦምበይን፣ ከምኡ ውን ሊቀ ጳጳሳት ቦስተን ዝዀነ ብፁዕ ካርዲናል  ሾን ፓትሪክ ኦምለይን፣ ብፁዕ ካርዲናል ዃን ሆሴ ኦሜላ ኦሜላ ሊቀ ጳጳሳት ባርሴሎናን፣ ብፁዕ ካርዲናል ዠራልድ ላክሮይስ ሊቀ ጳጳሳት ኲበክን፣ ብፁዕ ካርዲናል ዣን-ክሎድ ሆለሪኽ ሊቀ-ጳጳሳት ላክሰምበርግ፣ ብፁዕ ካርዲናል ሴርጆ ዳ ሮቻ ሊቀ ጳጳሳት ሳን ሳልቫዶር ደ ባይያን በዞም 9ቱ ካርዲናላት ዝቆመ ኢዩ። ጸሓፊ ናይዚ ጉባኤ ድማ ናይ ክረሲማ ስዪም ጳጳስ ዝኹኑ ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖ  ኢዮም ። እቲ ናይ መጀመርታ ጉባኤ ናይዚ ሓዳሽ ዝቆምርመ ጉባኤ 9ቱ ካርዲናላት ብዕለት 24 ሚያዝያ ኢዩ ተኻዪዱ ።

ዋዕላ ካርዲናላት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ምምሕዳር ኵላዊት ቤተ-ክርስትያን ንኽተሓጋገዝዎምን ከምኡ ውን ንኩርያ ሮማና ማለት ንላዕለዎት ቤትጽሕፈታት ቅድስቲ መንበር ንምሕዳስ ኣብ እተገብረ ውጥን ናይ ምጽናዕ ሓላፍነት ብምሃብ ነዚ ጉባኤ እዚ ብዕለት 28 መስከረም 2013 ኣቘምዎ። ነቲ ንኩርያ ሮማና ንምሕዳስ ዝነበረ ዕማሞም በቲ ብዕለት 19 መጋቢት 2022 እተኣወጀ፣ “ወንጌል ስበኩ” እተሰምየ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ተዛዘመ ። እቲ ናይ ፈለማ ጉባኤ ናይዞም 9ቱ ካርዲናላት ብዕለት 1 ጥቅምቲ 2013 እዩ ተኻዪዱ ።

06 February 2024, 15:47