ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ለካቲት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኣዋጅ ቅድስና ኣርጀንቲናዊት ኣናቴ ኣንቱላ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝተሳተፉ ዕለት 12 ለካቲት ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ንናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር ኻቪየር ሚለይ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ብሔር ሚለይ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓት ክሌኣዊ ርክብን ዘተን ካብ ቅድስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም ኣተራኸቡን ኣብዚ ዳሕረዋይ ክሌኣዊ ዘተ ብዛዕባ ሰናይ ዝምድና ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኣርጀንቲናን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ብዝበለጸ ንምድልዳልን ሓድሽ ብሚለይ ዝምራሕ መንግስቲ፥ ነቲ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምምካት ዝጥቀመሉ መደብን ብዛዕባ ገለ ኣህጉራዊ ባህሪ ዘለዎም ጉዳያት ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡን፡ ብፍላይ ድማ ቀጻሊ ኣብ ዓለም ዝረአ ግጭታት ንውግጋድ ምእንቲ ሰላም ዝግበር ተወፋይነት ኣብ ዝመልከቱ ኣርእስታት ከም ዝመኸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

12 February 2024, 15:35