ድለ

2024.02.05 Antonio Paolucci, ex direttore dei Musei Vaticani, 2024.02.05 Antonio Paolucci, ex direttore dei Musei Vaticani, 

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዕረፍቲ ዋና ሓላፊ ነበር ቤተ መዘክር ቫቲካን ዝተምዖም ሓዘን ይገልጹ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣቢያተ መዘክር ቫቲካን ነበርን ፍሉጥ ጸሓፊ ታሪኽ ስነ ጥበብን ኣንቶንዮ ፓውሉቺ ካብዚ ዓለም ብሞት ብምፍላዮም ምኽንያት ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ኣመሓዳሪ ኣቢያተ መዘክር ቫቲካን ዝነበሩ ኣንቶንዮ ፓውሉቺ ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድመኦም ዕለት 4 ለካቲት ሰንበት ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።

ነፍሰ ሄር ፓውሉቺ ኣብ ጣልያንን ወጻእን ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥበብ ካብቶም ፍሉጣት ተባሂሎም ካብ ዝግለጹ ሓደ ከም ዝነበሩን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን ምግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ፓውሉቺ “ክቡር ፈላጥ ስነ-ጥበብ” ንቅድስቲ መንበር “ለጋስን ብቑዕን ኣገልግሎት” ዝሃቡ እንክብሉ ዘኪሮም፡ ንስድራቤት ፓውሉቺ ኣብ ጸሎቶም ህልዋን ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ “ጽንዓት ይሃብኩም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ፓውሉቺ ወርሒ ሕዳር 2007 ዓ.ም.ፈ ብር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ኣቢያተ መዘክራት ሃገረ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳሪ ንኽኾኑ ዝተሸሙ ከም ዝነበሩ ኣዘኻኺሩ፡ ፓውሉቺ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሪሚኒ ኣብ 1939 ዓ.ም. ዝተወልዱ፡ ኣብ ቬነዚያ፡ ቬሮና፡ ማንቱዋን ፊረንዘን ዝርከቡ ኣቢያተ መዘክራት ዝመርሑን ሚኒስተር ባህላዊ ውርሻ ኮይኖም እውን ከም ዘገልገሉን ብዛዕባ ስነ ጥበብ ዝምልከት ዝጸሓፍዎ መጻሕፍቲ ንስነ ምርምር ስነ ጥበብ መወከስን ፍርያምን ከም ዝኾነን ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፊረንዘ ዝርከብ ናይ መጥምቕ ስፍራን ብሚኬላንጀሎ ዝተቐርጸ ሓወልቲ መለኮታዊ ርሕራሔ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ካብቲ ዓበይቲ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘውሃቦም ስርሖም ዝግለጽ ምዃኑ የመላኽት።

ንስነ-ጥበብ ዝተወፈየ ህይወት

ኣብ ሓምለ 2016 ፓውሉቺ በተን ብናይ ኣቢያተ መዘክራት ሃገረ ቫቲካን ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪት ኮይነን ዘገልግላ ብዝነበራ ባርባራ ጃታ ከም እተተክኡን ዋና ኣመሓዳሪት ኣቢያተ መዘክራት ሃገረ ቫቲካን ጃታ ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ፥ "ምሉእ ህይወቱ ንስነ-ጥበብ፡ ጽባቐን ባህልን" ዘወፈየ "ጥንቁቕን በሊሕን ጽፉፍ ተመራማሪ ታሪኽ ስነ-ጥበብ" እንክባል ገሊጸን፥ “ኣንቶንዮ ፓውሉቺ፡ ካልእ ሰብ ከመይ ጌርካ ናብ ስነ ጥበብ ስርሓት እትስሕብ ዝፍለጥ ሰባት ስነ ጥበብን ስርሓት ስነ ጥበብን ከፍቅሩ ናይ ምግባር ብቕዓት ዝነበሮም፡ ብዙሓት ብዛዕባ ስነ ጥበብ ዝዛረቡ ንፉዓትን ፈላጣትን ሰባት ኣለዉ ንሱ ግና ብሉጽ ገላጻይ ስነ ጥበብ እዩ ነይሩ” ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ይሕብር።”

ሓዘን ኣብ መላእ ኢጣልያ

ናይ ከተማ ፊረንዘ ኣቢያተ መዘክር ዋና ሓላፊ ነበር ኣይከ ሽሚት "ሞት ኣንቶንዮ ፓውሉቺ ኣብ ዓለም ባህሊ ዓቢ ባዶነት ይፈጥር። ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ሓሳባትን ኣምራትን ንኹሉ ሰብ ተበጻሒ ንምብግባር ዝነበሮ ናይ ስነ ጥበብ ባህሊ ናይ ምትሕልላፍ ክእለቱ ዝድነቕ እዩ እንክብሉ” ይዝክርዎም

ናይ ፊረንዘ ኣቢያተ መዘክር ሓድሽ ዋና ኣመሓዳሪ ሲሞነ ቨርደ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "መዳርግቲ ዘይብሉ ናይ ምዝራብን ክእለት ምጽሓፍን ከምኡ'ውን ተፈጥሮኣዊ ተውህቦ ናይ ምስፋሕ ፍልጠት ዝነበሮም ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣገደስቲ ምሁራት ኢጣልያን ስኢንና” እንክብሉ ዝተሰምዕዕም ሓዘን ገሊጾም . . . መተካእታ ዘይብሉ ክስራን” ቢሎም ንኽብሪ ፓውሉቺ፡ እቲ "ብዙሕ ግዜ ብቃላቱ ንሰባት ዘስደመመሉ" ኣዳራሽ ቤተ መዘክር ፊረንዘ ብስሞም ክጽዋዕ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ኢጣሊያ ሚኒስተር ጉዳያት ባህሊ ጀናሮ ሳንጁዩልያኖ፡ ሞት ፓውሉቺ ማለት "ጥልያን ውዕዉዕን ጽኑዕን ናይ ባህሊ ሰብ፡ ህይወቱ ንስነ ጥበብ ኣብ ምዕቃብን ምልላይን ምዕባይን ስነ-ጥበባውን ባህላውን ውርሻታትና ዘወፈየ ዘይሕለል ምሁር ትስእን” እክብሉ መግለጺ ከም ዝሃቡ ኣፍሊጡ።

07 February 2024, 15:48