ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንሱዳንን ሞዛምቢክን ኣብ ኲናት ዝረካብ ሃገራት ኩለን ይጽልዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መራሕቲ ዓለም ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ሞዛምቢክ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቓዕትን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝካየድ ኩናት እውን ብምዝካር መራሕቲ ዓለም ንምርግጋጽ ሰላም ኣበርቲዖም ክዓዩ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ውግእ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዝካየድ ይኹን ብዘየገድስ ሰባት ዓቕምሞን ድልየቶምን ይለምስን የድክምን እዚ ድማ ከምቲ ዅሉ ግዜ ትርጕም ኣልቦን ሞትን ዕንወትን ጥፍኣትን ጥራይ ኢዩ ዘምጽእ፥ ኩናት ጸገም የጋድድ እምበር ኣይፈትሖን ኢዩ።"

እንክብሉ ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓብር ምስ ደገሙ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ ሱዳን ግጭት ካብ ዝለዓል 10 ኣዋርሕ ከምዝሓለፈን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘስዓበን ገና እውን ይቕጽል ምህላዉ ብምዝኽኻር፥

"እዚ ኣብ ህዝብን መጻኢ ሃገርን ከቢድ መጉዳእቲ ዘስዕብ ዘሎ ኲናት ደው ክብሉ ነቶም ተዋጋእቲ ወገናት ደጊመ እሓትት . . . መጻኢ ክብርቲ ሃገረ ሱዳን ንምህናጽ ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክርከብ ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሞዛምቢክ ዓመጽ ይለዓል

ኣስዒቦም እውን ኣብ ሞዛምቢክ ሰሜናዊ ዞባ ካቦ ደልጋዶ፥ “ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ዓቕምን ብቕዓትን  ዘይብሎም ህዝብታት ዝፍጸም ዓመጽ፡ ዕንወት ትሕተ ቅርጺ፡ ከምኡ’ውን ዝርአ ዘሎ ሰፊሕ ዘይምርግጋእ” ብምዝካር፥ ኣብ ማዘዘ ዝርከብ ካቶሊካዊ ቤተ ተልእኾ ቅድስተ ማርያም ዘኣፍሪቃ ብሓዊ ከምዝተቓጸለ ኣስተብሂሎም ምንቲ እቲ ዞባ ክጽለ እውን ከም ዝሓተቱን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብመሰረት ኣመሓዳሪት ኣውራጃ ቺዩረ ኦሊቨራ ኣሚሞ፡ ዕጡቓት ሰባት ንቤተ ጸሎት ካቶሊክን ኣባይቲ ሓያሎ ሰባትን ከም ዘዕነዉን ክፍለጥ እንከሎ፥ ነዚ ኩሉ ዝወረደ ሓደጋ ብምስትውዓል ቅዱሰንቶም “ናብቲ ዝሳቐየ ዘሎ ዞባን ህዝብን ሰላም ክምለስ ንጸሊ፡ ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ዞባታት ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዩክሬንን ቅድስቲ መሬትን ብግጭት ንዝሳቐዩ ኩሎም ንጸሊ፡ ውግእ ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ ቢሎም፥ “ጸሎት ውጽኢታዊ እዩ እሞ ንሰላም ብጭቡጥ ዝተወፈየ ውህበት ኣእምሮን ልብን ክህልወና ንጐይታ ንለምኖ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሱዳን ሕሰም ይቕጽል

ኣብ ሱዳን ዘሎ ኣረሜናዊ ግጭት ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ ፈተነታት እኳ ይግበር እንተሃለወ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን እቲ ብ RSF ዝፍለጥ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ዝተባርዐ ኣረሜናዊ ዕጥቃዊ ግጭታት ይቕጽል ከም ዘሎን ክልቲኦም ወገናት እውን ብዛዕባ ነቲ ግጭት መን ኣብገሶ ነንሓድሕዶም ከም ዝካሰሱን ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ግጭት ልዕሊ 25 ሚልዮን ሰባት ጽግዕተይና ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽኾኑ፡ ሸሞንተ ሚልዮን ብዘይ ኣባይቲ ዝተረፉ ንኽመዛበሉ ከም እተገዱን፡ ካብዚኦም እቶም 1.6 ሚልዮን ናብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ከም ዝተሰዱ ዜና ቫቲካን ምንጭታት እታ ሃገር ጠቒሱ የመላኽት።

ጻዕርታት ሰላም

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ውልቃዊ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፡ እቲ ውግእ ከብቅዕ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ ዝግበር ጻዕሪ ዳግማይ ንኸበግሱ ናብ ሱዳን ክኸዱ ከምዝኾኑን፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ ኣብ ሱዳን ራምታነ ላማምራ ኣብ ዙርያ ፖለቲካውን ሽምግልናን ጻዕርታት ብዙሕነታዊ ምውህሃድ ንምሕያል ይጽዕር ከምዘሎን፡ ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ምስ ኣፍሪቃውያንን ካልኦት ዞባውን ኣህጉራውን መሻርኽቲ ብምትሕብባር ይሰርሕ ከምዘሎ መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ መስርሕ ዳግማይ ንምጅማር ኣብ ዝዓለመ ተልእኾ ወሰንቲ ኣብ ዝኾና ርእሰ ከተማታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳን ወሽመጥ ዓረብን ሰፊሕ ዑደት ከም ዝጀመረን ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድር ከምዘሎን ብፍላይ ኣብተን ብዙሕ ምርግጋእ ዘይረኣየለ ዞባታት ከቢድ ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል እዩ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የረጋግጽ።

ር.ሊ.ጳ. ንሱዳንን ሞዛምቢክን ኣብ ኲናት ዝረካብ ሃገራት ኩለን ይጽልዩ
19 February 2024, 15:55